ድለ

ኣብ 1983 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ዶዝሞንድ ቱቲ ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1983 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ዶዝሞንድ ቱቲ ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ 

ር.ሊ.ጳ. ዜና ዕረፍት ሊቀ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቱቱ ዘሕደረሎም ጓህን ዝተሰምዖም ሓዘን

ምልክት ተጻዋርነት ዘርኣዊ ፍልልያት ዕርቂ ዘተባብዕ ሕልና ደቡብ ኣፍሪቃ - እዚ ነቶም ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ናይ ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ ጳጳሳት ደዝሞንድ ቱቶ መግለጺ ክኸውን እንከሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቶም ዝጠቐስዎም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጀግና ተቓላሳይ ጸረ ጽልእ ብዓሌትን ዘርኣዊ ፍልልያትን ማሕበራዊ ዕርቂ ብቓልን ተግባርን ዝመስከሩ ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዶዝሞንድ ቱቱ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከም እተፈልዩ ምስ ተሓበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መገልጺ መልእኽቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐተር ወልስ ኣቢሎም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደዝሞንድ ቱቱ “ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታዊ ማዕርነትን ዕርቅን ብምድንፋዕ ንወንጌል ዘገልገሉ! ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ብሞት ምፍላይ ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደዝሞንድ ቱቱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእክቲ ተለግራም ክኸውን እንከሎ፡ ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ቱቱ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተመንዮም ነፍሲ ቱቱ ናብ ፍቕራዊ ምሕረት ኣምላኽ ሕድሪ እብል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ተሰላሚ ናይ ሰላም ኖበል

ምልክት ተጻዋርነት ዘርኣዊ ፍልልያት ዕርቂ ዘተባብዕ ሕልና ደቡብ ኣፍሪቃ - እዚ ነቶም ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ናይ ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ ጳጳሳት ደዝሞንድ ቱቶ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 1984 ዓ.ም. ከይተሓለሉ ንጸረ ዓሌታዊ ስርዓት ብዝገበርዎ ዝነበረ ቃልሲ ኣብ ሃገሮም ዕርቂ ንምርግጋጽ ንዝግበር ጻዕረታን መስርሕ ኵሉ ብምድጋፍ ከምኡ እውን ንኽብሪ ንሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ህርኵት ጻዕሪ መሰረት ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ንምዃን ከም ዝበቕዑ የዘኻኽር።

ሽማግለ ንሓቅን ዕርቅን

ዕለት 7 ጥቅምቲ 1931 ዓ.ም. ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጆሃንስ በርግ ኣብ እትርከብ ክለርክስዶርፕ እትበሃል ንእሸይ መዐደኒት ከተማ እተወልዱ ደዝሞንድ ቱቱ ነቲ ዝነበረ ፈላላይ ስርዓት ብዘርኢ ብምቅዋም ዝተፈላለዩ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘዳለውን ነልሶን ማንደላ ርእሰ ብሔር ምስ ኮኑ ነቲ ወጅሂ ጽልኢ ብዓሌት ንሓዋሩ ንምቕያር ብጸዓዱ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንምጒላሕ በቲ ሓደ ሸነኽ ዕርቂ ንምርግጋጽን ንስድራ ቤት እቶም ግዳያት ስነ ምግባራዊ ካሕሳ ንምሃብ  ዝዓዪ ሽማግለ ንሓቅን ዕርቅን ዘቖሙ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኵላትና ኣሕዋት ዓውዲ መልእኽትን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዶዝሞንድ ቱቱ ካብ ዝጠቐስዎም ዘይ-ካቶሊካውያን ኣሕዋት ሓድ ምዃኖም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ቱቱ ዝሓበሩ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ችይሪል ራማፎሳ ከም ዝኾኑን፥ ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ፥ “ኣብ ክንዲ ኵሎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ዝሓለፈ ሰንበት ብዘጋጠመ ሞት ዶዝሞንድ ቱቱ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ቱቱ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ዜጋ እዮም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 December 2021, 16:16