ድለ

ማሕበራው ውጥረት ኣብ ካዛኪስታን ማሕበራው ውጥረት ኣብ ካዛኪስታን 

ማሕበራው ውጥረት ኣብ ካዛኪስታን

እቲ ንካዛኪስታን ናብ ሕንፍሽፍሽ ዝዳርጋ ዘሎ ቅልውላው ማሕበራዊ መበቁል ዘለዎ ክኸውን እንከሎ። ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዘበገሶ ተቓውሞ እውን እንተ ዀነ እታ ሃገር ካብ ነበር ሶቪየት ሕብረት ተፈልያ ሃገር ኮይና ካብ እተቐውም እቲ ብዘይ ምቍራጽ ኣብ ስልጣን ዘሎ መርሕነትን ዘሰልከዮ ህዝቢ ሓድሽ መርሕነትን ሓድሽ ፖለቲካን ክርኢ

ናይ ሃገረ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ካሲም ጆርማርት ቶካየፍ ድሕሪ እቲ ኣብ ጐደናታት ክካየድ ዝቐነየ ብዙሓት ሰባት ንሞትን መቝልትን ሓደጋ ብዙሓት እውን ንማእሰርቲ ዝደረኸ ተለዓዒሉ ዝነበረ ሕዝባዊ ናዕቢ መሰረት ገይሮም ኣብ መብዛሕቲኡ ክፍሊ ሃገረ ካዛኪስታን ሰላምን ምርግጋእን ከም ዘሎ ክዛረቡ እንከለዉ ናይታ ሃገር መንግስቲ ንምድጋፍ እውን ሩሲያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣየር ወለድ ናብ ካዛኪስታን ከምዝለኣኸት ዜና ቫቲካን ካብ ካዛኪስታን ዝፍነዉ ዘለዉ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ካዛኪስታን፥ ካሲም ጆርማርት ቶካየፍ ኣብ ብዙሓት ከባቢ እታ ሓገር ስርዓት ናብ ንብሩ ተመሊሱ እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ ሓይሊ ጸጥታ እቶም ኣዕነውቲ ኵሎም ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝእለዩ ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ንምግባር ኣበርቲዖም ከም ዝዓዩ አረጋግጽ ከምዝበሉን፥

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር

ሓይሊ ጸጥታ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ብፍላይ ኣብታ ናይ ቁጠባ ማኣከል ተባሂሉ ዝንገረላ ናይ ሃገር ርእሰ ከተማ ኣልማትያ ኣብ ዝርከቡ ቀንዲ ኣደባባይ ካብቶም ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ካብ ዝነበሩ ዜጋታት ናጻ ከም ዝኾነንን ካብ ዕለት 6 ጥሪ ኣትሒዞም 2500 ኣባላት ሃይሊ ምክልኻል  ሩሲያ ኣብታ ሃገር ድሮ ከም ዝኣተዉን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሩሲያ ንመንግስቲ ካዛኪስታን እተቕርቦ ዘላ ወተሃደራዊ ሓገዝ ብዙሕ የሰክፋ ከምዘሎን ብዛዕባ ኵነታት ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ኣበርቲዐ ክትቆጻጸር ምዃና ተጠንቅቕ።

ተቓወምቲ ኣድመይናታትን ኣባላት ሃይሊ ጸጥታን ዝርከብዎም ብዙሓት ግዳያት

ኣብ ካዛኪስታን ኣገልግሎት ናይ ኢድ ተለፎንን መርበብ ሓበሬታን ኵሉ ብውሳኔ መንግስቲ ዝተለከተ እውን እንተዀነ እቲ ኣብታ ሃገር ተለዓዕሊ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብን ሓይሊ ጸጥታ ዝወስዶ ዘሎ ብርቱዕ ስጉምትን ዘስዓቦ ዕንወትን ሞንት ማህሰይትን እንታይ ከም ዝመስል ቅድሚ ኣገልግሎት ናይ ኢድ ተለፎንን ማሕበራዊ መረብባትን ምቑራጹ ኣብ ብጋሴ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተዘርገሐ ክስቱ ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታን ኣሳእልን ብዙሕ ዘሰክፍ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ንዝተወሰነ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዝቓወም ዝተለዓዓለ ሕዝባዊ ተቓውሞ 18 ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን 28 ኣድመይናታትን ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን በሸሓት ዝቝጸሩ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ኣስታት ክልተ ሺሕ ዝግመቱ እውን ከም እተኣሰሩ ይንገር።

ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው

እቲ ንካዛኪስታን ናብ ሕንፍሽፍሽ ዝዳርጋ ዘሎ ቅልውላው ማሕበራዊ መበቁል ዘለዎ ክኸውን እንከሎ። ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዘበገሶ ተቓውሞ እውን እንተ ዀነ እታ ሃገር ካብ ነበር ሶቪየት ሕብረት ተፈልያ ሃገር ኮይና ካብ እተቐውም እቲ ብዘይ ምቍራጽ ኣብ ስልጣን ዘሎ መርሕነትን ዘሰልከዮ ህዝቢ ሓድሽ መርሕነትን ሓድሽ ፖለቲካን ክርኢ ዘለዎ ሃረርታ ዘንቀሎ እዚ ኸኣ ፖለቲካዊ ድራኸ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ከም ዘይኮነ ይንገር።

10 January 2022, 17:02