ድለ

ኣብ ካቡል ደቀንስትዮ ምእንቲ መሰልንን ክብረተንን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካቡል ደቀንስትዮ ምእንቲ መሰልንን ክብረተንን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ  (AFP or licensors)

ኣብ ካቡል ደቀንስትዮ ምእንቲ መሰልንን ክብረተንን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ

ካብ ዕለት 7 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ጣሊባን ብዛዕባ ኣከዳድና ደቀንትዮ ዝምልከት ዘጽደቖ ሓድሽ ቀያዲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎን ናይ መንግስቲ ጣሊባን ናይ ምክልኻል ውርዝናን ውርዝና ምድንፋዕ ጒዳይ ሚኒስትር ኣብ ኵሉ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ግዳም እውን ከይተረፈ ደቀንስትዮ ምልኡ ገጸን ክሽፈናን ቡርካ ክኽደና ዝብል ውሳኔ ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ

ኣብ ካቡሉ ብፍላይ ናይ ደቀንስትዮ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን ክሕሎ ዝጽውዕ ብሓፈሻ ናይ ደቀንስትዮ መሰልን ክብረትን ክኽበር ዝሓትት ብደቀንስትዮ ዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እተኻየደን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሕ ከይጸንሔ እውን ብናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ከም እተበተነ ዜና ቫቲካን ካብታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣፍጋኒስታን ርእሰ ከተማ ካቡል “መግብን ስራሕን ናጽነትን” ከምኡ እውን መሰል ትምህርቲ ደቀንስትዮ ዝሓትት ብደቀንስትዮ እተወደበ ዕለት 29 ግንቦት ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደን እተን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኽባ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎና ኣቢያተ ትምህርቲ ከም ብሓድሽ ይኸፈት” ዝብል ጭርሖ የስምዓ ከም ዝነበራን በርገሳዊ ክዳን ዝለበሱ ናይ መግንስቲ ጣሊባን ናይ ደሕንነትን ጸጥታ ኣባላት ካብተን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፍ ዝሳተፋ ዝነበራ ደቀንስትዮ ዝሓዘኦ ናይ ኢድ ተለፎን ከም ዝምዝወሰዱን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝበተንዎ ክንገር እንከሎ፥

ካብ ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሓድሽ ናይ መንግስቲ ውሳኔ

ካብ ዕለት 7 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ጣሊባን ብዛዕባ ኣከዳድና ደቀንትዮ ዝምልከት ዘጽደቖ ሓድሽ ቀያዲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎን ናይ መንግስቲ ጣሊባን ናይ ምክልኻል ውርዝናን ውርዝና ምድንፋዕ ጒዳይ ሚኒስትር ኣብ ኵሉ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ግዳም እውን ከይተረፈ ደቀንስትዮ ምልኡ ገጸን ክሽፈናን ቡርካ ክኽደና ዝብል  ውሳኔ ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ እንክሕበር፥ እዚ እታ ሃገር ናብቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ናብ ዝነበረትሉ ደልሃመት ዝመልሳ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ናብቲ ደቀንስትዮ ኣገልግልቲ ደቂተባዕትዮ እያተን ዝብል ድሑርን ጐዳእን ኢሰብኣዊ ባህሊ ዝመልስ ውሳኔ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ጣሊባል ልዑል መንፈሳዊ መራሒ ሂባቱላህ ኣክሁንድዛዳ እዚ ኣኽብሮት መግለጺ እዩ እንክብሉ ነቲ ሕጊ ብምቅዋም ንዝፍኖ ዘሎ መግለጽታት መልሲ ከም ዝሃብሉ ይንገር። ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም መሰልን ክብረትን ዝሓክኽ ውሳኔ ክውገድ ዝሓትት ብደቀንስትዮ ዝተወደበ ዝተፈላለየ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ከም ዝወረሐን ጣሊባን ደቀንስትዮ ከይሰርሓን ኣብ ስፖርት ከይሳተፋን ማኪና ከይዝውራን ከይመህራን ንመገሻታት ከይወጻን ዝብል ጭቋኒ ሕጊታት ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ይወሃብ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል ነዚ ጨቋኒ ሕጊ እዚ ዕለት 12 ግንቦት ናይተን ብኢዳንስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትራት ካናዳን ፈረንሳን ጀርመንን ጃፓንን ኢጣልያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዘካየድድዎ ዓውደ ጉባኤ ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑን እዚ ጨቋኒ ሕጊ እዚ ንኣፍጋኒስታን ካብ ዓለም ሓቆፍ መድረክ ዝንጽላ እዩ ከም ዝበሉ ዘርኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሕጊ ክውገድ ዝሓትት ህጹጽ ስጒምቲ ክውሰንድ እውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

31 May 2022, 16:40