ድለ

ወትሩ ንህይወት ወትሩ ንህይወት  ርእሰ ዓንቀጽ

ወትሩ ንህይወት

ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ እተገብረ ምይይጥ ንስነ ሓሳብ ዝጻረር ዘይኮነስ ንህይወት ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባል ምጥባቕ ከምኡ እውን ብቑዕ ሕጊ ምድንፋዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ሕቶ ንኸነእትዎ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ተስፋ ንገብር

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንህይወትን ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮን ንኣደነት ዜዕቍብ ኣጋጣሚ ኪኸውን ተስፋ ንገብር ዝብል ቅዉም ነገር ኣማእኪሎም ኣብ ዘቀረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ፈደራላዊ ዝነበረ ሕጊ ናብ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መሰል ዘመሓላልፍ ዝሃቦ ብይን ብዛዕባ ህይወት ዕቝባ እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ከምኡ እውን ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ዝጥንጠኑን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ሰባት ንኺሓስቡ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም ክኸውን ከም ዝኽእል ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ብጽኑዕን ብዘየማትእን መገዲ ሓሳቦም ዝገለጽሉ ቅዉም ነገር እዩ። ኣብታ Evangelii gaudium - ወንጌላዊ ሓሴት” ዘርእስታ ናይ ሮማ ጳጳስ መርሓ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም እተመላኽት ሓዋርያዊት ምዕዳኖም፥ “ኣብ መንጐ እዞም ቤተ ክርስቲያን ብዘየመትእ መገዲ ክትከናኸኖም እትደሊ ድኹማት ካብ ክሉ ንላዕሊ ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ንጹሓትን ዝዀኑ ገና ዘይተወልዱ ህጻናት እውን ኣለዉ። ሎሚ ድማ ዝደለናዮ ኽንገብር ኢላና ንሰብኣዊ ክብርታት ክንክሕዶ ንፍትን፡ እዚ እውን ዋላ ሓደ ምእንቲ ከይከላኸለሎም ዝድርኽ ሕጊ ዘተባብዕ እዩ። ብተደጋጋሚ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ንህይወት እቲ ዘይተወልደ ህጻን እተከላኸለሉ መገዲ ህይወት ምክልኻል ምስ ዝብል ሰብኣዊ መሰል ብጥብቂ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ንምዝኽኻር እተካይዶ ጻዕርን እተቕርቦ ትምህርትን መርገጺኣ ከም ሓደ ስነ-ሓሳባዊ  ጸልማትን ዓቃባውን ገይሮም ዝገልጽዎ ኣለዉ፥ ህይወት ምክልኻል ምስ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ እያ እተብርህ።

ዕቱብን ሓባራውን ኣስተንትኖ ኣብ ህይወትን ኣብ ምክልኻል ኣደነትን ካብቲ ዋቒዕ ተጻረርቲ ጽንፈይናታትን ካብቲ መብዛሕቲኡ ግዜ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነቲ ኣብዚ ጒዳይ እዚ ዝግበር ዘተ ዘሰንዮ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ምውጻእ ምጠለበ፡ እዚ ድማ ሓቀይና ዘተ ከይፍጠር ይዓግት።

ንህይወት ምዃን ኵሉ ግዜ ምጭናቕ ማለት እዩ። ንኣብነት መጠን ሞት ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ወሊድ እንተወሰኸ ኣብ ኣመሪካ ብመሰረት መረዳእታ ፈደራላዊ ጸብጻብ፥ “ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ካብ 100.000 ዝተወልዱ ሕጻናት 20.1 ኣዴታት ከም ዝሞታን ኣብ 2020 ዓ.ም. ናይ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ ብዝሒ ናብ 23.8 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ካብዚ እቲ 50 ሚእታዊ ብጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝሽፈን ኮይኑ ብ 2.9 ሚእታዊ ካብ ዝሞታ ጸዓዱ ኣዴታት ክብ ዝብል ምዃኑ ኣዚዩ ዘገርም እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተረኽበ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ 75 ሚእታዊ እተን ምንጻል ጥንሲ ዝፍጽማ ደቂ ኣስንትዮ ኣብ ድኽነት መነባብሮ ዝርከባ ወይ ትሑት ደሞዝ ዘለወን እያተን፡ ብመሰረት እቲ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃርቫርድ ገምጋም ዛዕባ ስነ ኣእምሮ ዝምልከት ዘሕተሞ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ፥ ኣብ ናይ ግሊ ኢንዳስትሪታት ካብ ዝሰርሑ ሰራሕተይናታት 16 ሚእታዊ ጥራይ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ዝወሃቦን ክዃና እንከለዋ ዳርጋ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክወስዳ እንከለዋ እዚ ዕረፈቲ እዚ እውን ብዘይ ደሞዝ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክምለሳ ይግደዳ።

ወትሩ ንህይወት ምዃንን ንህይወት ምሕላቕን ማለት እውን እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ቈልዑን ኣባጽሕን ኮይኑ ዘሎ ኣጽዋር ምቅዋም ማለት እዩ። ስለዚህ እቲ ብዛዕባ ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ እተገብረ ምይይጥ ንስነ ሓሳብ ዝጻረር ዘይኮነስ ንህይወት ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባል ምጥባቕ ከምኡ እውን ብቑዕ ሕጊ ምድንፋዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ሕቶ ንኸነእትዎ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ተስፋ ንገብር እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

27 June 2022, 16:25