ድለ

ካብ ዝሑል ውግእ ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ይዓቢ ምህላዉ ካብ ዝሑል ውግእ ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ይዓቢ ምህላዉ 

ካብ ዝሑል ውግእ ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ይዓቢ ምህላዉ

ተዓዘብትን ተንተንትን እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነቲ ኣብተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ትሽዓተ ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ከም ዘጋደዶ ዝሰማምዕሉ ሓሳብ እዩ። እዚ ኸኣ ዘጨንቕ ኣንፈት ምዃኑ ተዓዘብቲ የጠንቅቝ

ሓደ ብዛዕባ ግጭታትን ኣጽዋርን ውግእን ዚገልጽ ዓለም ለኻዊ ጒጅለ ክኢላታት ዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ድለባ በጽዋር ውግእን ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ ዝሑል ውግእ ንነጀው ንመጀመርታ ግዜ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣዚዩ ይሰፍሕ ኣሎ እንክብል የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መደረታቶም መልእኽትታቶም ስብከታታቶም ከምኡ እውን ኣብ ሓዋርያዊ ምዕዶታቶምን ዓዋዲ መልእኽትታቶም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነት ዓለም ክነህልው ደኺመ ከይበሉ ጻውዒት የቕርቡ፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ምውናን “ዘይሕሰብ ከምኡ እውን ንደቂ ሰብን ንምድርን ስግኣት ምዃኑ” እቲ ሰነድ የተሓሳስብ።

ሩሲያ ንዩክረይን ካብ እትወራን ምዕራባውያን ንኬይቭ ክድግፋን ምዃኖም ምስ ገለጻ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምዃኑ እዩ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ኑክለሳዊ መከላኸሊ ሩሲያ ኣብ ተጠንቀቕ ክኸውን ውሳኔ ምስ ኣመሓላለፉ ዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ውዑይ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣሎ።

ዘጨንቕ ኣንፈት

ተዓዘብትን ተንተንትን እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነቲ ኣብተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ትሽዓተ ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ከም ዘጋደዶ ዝሰማምዕሉ ሓሳብ እዩ። እዚ ኸኣ ዘጨንቕ ኣንፈት ምዃኑ ተዓዘብቲ የጠንቅቝ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶኮልም ካብ ጥሪ 2021 ክሳዕ ጥሪ 2022 ዓ.ም. ቍጽሪ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ቍርብ እኳ እንተ ነከየ እተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት ቅልጡፍ ስጒምቲ እንተ ዘይወሲደን ግን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክውስኽ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ብኣህጽሮተ ቃል SIPRI ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ - መደብ ኣጽዋር ንጃምላዊ ጥፍኣት ተቖጻጻሪ ትካል ዋና ኣመሓዳሪ ዊልፍሪድ ዋን፥ ወተሃደራዊ ምርጫታት ሩሲያ ነተን ኣብ ዶብ ሩሲያ ንዝርከባ ሃገራት ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ገሊጾም፡ እዚ ግጭት እዚ ኣዚዩ ዘሰክፍ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሩሲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኑክለስዊ ኣጽዋር ወነንቲ

ሩሲያ ብድምሩ 5,977 ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘለዋ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ወነንቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር እታ ዝዓበየት ይገብራ፡ እዚ ድማ ካብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትውንኖ ብ 550 ዝዛይድ እዩ። ትካል ተቖጻጻሪ ኣጽዋር ጃምላዊ ሕልቂት ከም ዝሕብሮ ቻይና ብገምጋም ልዕሊ 300 ሓደስቲ ሚሳይል ሲሎስ ዘለዋን ኣብ ምምዕባል ሚሳይላዊ ኣጽዋር ሰፊሕ ምርምር ተካይድ ምህላዋ እንክሕብር፡ ዓለምለኻዊ ቝጽሪ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ዓ.ም. ክሳዕ ጥሪ 2022 ዓ.ም. ቍሩብ ከም ዝነከየን እንተዀነ ግን ብገምጋም 3,732 ናይ ሚሳይልን ነፈርትን ኣጽዋር ከም ዘሎን ዳርጋ 2,000 ዝዀኑ ናይ ሩሲያ ወይ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንብረት ከም ዝዀናን ንዝዀነ ይዅን መጥቓዕቲ እውን ድልው ምዃነን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ድዩ ምርምር ኣጽዋር ውግእ ዕሽሽ ዘይበለ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታትንን ቀጻሊ ዝዀነ ግጭት ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ፡ እዚ ግጭት እዚ ኣብ ዶብ ቻይናን ህንድን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝካየድ ዘሎ ኑክለሳዊ መጽናዕታት ንዓለም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣዚዩ ሓደገይና ኵነታት ኣብ ምእታው ዝዓበየ ግደ ከም ዘለዎ የመላኽት።

ጻውዒት ንኣህጉራዊ ስጒምቲ

ናይ መደብ ኣጽዋር ንጃምላዊ ጥፍእ ተቖጻጻሪ ትካል ጒባኤ ኣማኸርቲ ኣቦ መንበርን ናይ ሽወደን መራሔ መንግስቲ ነበር ስተፋን ሎፍቨን፥ “ደቅሰብን እነብረላ መሬትን ብዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ጥራይ ክፈትሕዎ ዝኽእሉ  ዓሚቝን ህጹጽን ሓባርዊ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣብ መንጎ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ዘሎ ርክብ እናንቆልቆለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ” ቢሎም፥ ህጹጽ ኣጉራዊ ስጒምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

14 June 2022, 15:56