ድለ

ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ንልኡካነ ወንጌል ኣዚዩ ሓደገይና ስፍራ ምዃኑ ይንገር ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ንልኡካነ ወንጌል ኣዚዩ ሓደገይና ስፍራ ምዃኑ ይንገር  (Copyright: Aid to the Church in Need)

ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ንልኡካነ ወንጌል ኣዚዩ ሓደገይና ስፍራ ምዃኑ ይንገር

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣርባዕተ ካህናት ክልተ ገዳማውያን ክልተ ዓለማውያን ምእመናን ከም እተቐትሉን ኣብ 2020 ዓ.ም. ድማ ሓሙሽተ ካህናት ሰለስተ ምእመናን ከም እተቐትሉ ጸብጻብ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ማሕበር ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 28 ሰነ ሕትመቱ ንልኡካነ ወንጌል ንህዝቢ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ንዝዓዩ ገዳማውያን ገዳማውያትን ካህናትን ኣሓውን ምእመናንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዘጋጥም ሓደጋ ብሰፊሕ ዝሕብር ንንባብ ኣብ ዘብቀዖ ጸብጻብ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ  ቫቲካን

ወንጌል ንምእዋጅ ሕይወቶም ንምሃብ ድሉዋት! ኣብ ናይጀሪያ ዝርከቡ ገዳማውያን ገዳማውያትን መምሃራን ትምህርተ ክርስስቶስን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሳተፉ ዓለማውያን ምእመናን ህይወቶም ንሓደጋ ዝተቓልዔ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎን ዕለታዊ ተመክሮኦም እውን ምዃኑ ዝስማዕን ዝረአን ዘሎ ዕለታዊ ኣጋጣሚ እዩ። ንጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ማሕበር ጨንፈር ናይጀሪያ ሓላፊ ኣባ ሶሎሞን ፓትሪክ ዛኩ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ “እንተዀነ ግን ሓዋርያዊ ተልእኾኦምን ኣስፍሆተ ወንጌል ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ቅዱሳት ምስጢራት ወይ ቃል ኣምላኽ ንምብጻሕን ሓድነትን ምጽንናዕን ንምርግጋጽ ዘለዎም ተልእኾ ጒስነት ኪክሕዱ ኣይክእሉን ኣያቶም” ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰለስተ ካህናት ከም እተቐትሉን ክልተ ካባታቶም ኣብተን ዳሕሮዎት ማዕልታት ማለት ዕለት 25ን ዕለት 26 ሰነ ዝተቐትሉ ምዃኖም የዘኻኽሩ።

ስለዚ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝቐረቡ መጠን ብዝያዳ ይፍቐሩ እዚ ድማ ንዓቢይ ሓደጋ ዘቃልዖም ከም ዝኾነ ኣብዚ ቐረባ መዓልታትታ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ናይጀሪያ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ማእከላይ ኣፍሪቃ ደቡብ ሱዳን ዝኣመሳላ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ወይ ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ዝወረደ በሰላ ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊዙ ዘሎ ናይ ገበን ጉጅለታትን ደም ልኡካነ ወንጌልን ሰራሕተይናታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ምእመናንን ዝፈሰለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ኣብ 2022 ዓ.ም. ድሮ ኣርባዕተ ካህናት ከም እተቐትሉን ክልተ ኣብ ናይጀሪያ ሓደ ኣብ ታንዛኒያ እቶም ሓደ ድማ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዝተቐትሉ ምዃኖም ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ማሕበር ኣብቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣፍሪቃ ሸውዓተ ካህናት ክልተ ገዳማውያን ክልተ ዓለማውያን ምእመናን ከምእተቐትሉን ኣብ 2020 ዓ.ም. ሓደ ካህን ሰለስተ ገዳማውያን ሓደ ተማሃራይ ዘርኣ ክህነት ክልተ ዓለማውያን ምእመናን ከም እተቐትሉ ይሕብር።

ወንጌል ምንባርን ምስፋሕን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእትው ካልእ ኵነታት ኣዚዩ እተፈልየ ኣይኮነን፡ ንፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ዝዓዩ ህዝቢ ዘንቅሑን ናብ ሰናይ ዝመርሑን በርገሳውያን ዜጋታት እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ክቕተሉን ክጭወዩን ሃለዋቶም ዘይፈልጥ ኮይኖም ዝተርፉ ብዙሓት እያቶም፣ ዕለት 25 ሰነ ኣብ ሃይቲ ዝተቐትላ ኣባል ማሕበር ደናግል ቅዱስ ቻርለስ ደፎኮልድ ግዳም ሓደርን ድኻታት ቆልዑን ኣብ ምእላይ ተዋፊረን ዘገልግላ ዝነበራ ዝወረደን መቕተልቲ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ ሆንዱራስን ቦሊቪያን ኣብ 2022 ዓ.ም. ክልተ ካህናት ከም እተቐትሉን ኣብ መክሲኮ ከተማ ቸሮካሁይ ክልተ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓደ ዜጋ ካብ መቕተልቲ ዘምልጥ ዝነበረ እንከድሕኑ ከምእተቐትሉ እቲ ጸብጻብ የዘኻኽር።       

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣርባዕተ ካህናት ክልተ ገዳማውያን ክልተ ዓለማውያን ምእመናን ከም እተቐትሉን ኣብ 2020 ዓ.ም. ድማ ሓሙሽተ ካህናት ሰለስተ ምእመናን ከም እተቐትሉ ጸብጻብ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ማሕበር ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ እስያዊት ሃገረ ቨትናም ከተማ ኮንቱም ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣባ ጆሰፍ ትራን ንጎክ ታንህ ኣብ መናዘዚ ስፍራ እንከለዉ ከም እተቐትሉን እዚ እውን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ቅልውላው ዘረጋግጽ ከም ዝኾነን ኣብ ህንዲ ፓኪስታን ፊሊፒንስ ባንግላደሽ ልኡካነ ወንጌል ወንጌል ብምንባር ዝፍጽምዎ ኣገልግሎትን ሰብኣውነት ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይድዎ ጻዕርን ብፍላይ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ምዃኖም ጥራሕ ህይወቶም ንሓደጋ ይቃላዕ ከም ዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጠቕላላ ኣብ ዓለም ኣብ 2021 ዓ.ም. 13 ካህናት ሓደ ገዳማዊ ክልተ ገዳማውያት ሽዱሽተ ዓለማውያን ምእመናን ከም እተቐሉን ካብ 2000 – 2021 ዓ.ም. ብጠቕላላ 558 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከም እተቐትሉ ልኡካነ ወንጌል ምእመናን ገዳማውያንን ገዳማውያትን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዓመጻን ማሕበራዊ ዘይማዕርነትን ምዝመዛ ኣካባብውያውን ምንቁልቋል ስነ ምግባራውን ብልሽውናን ብምቕላዕ ፍትሕን ሰላምን ውሑስ ክኸውን ብባህላዊ መደባት ዘካይድዎ ሕንጸትን ወንጌል ዝነብሩ ብምዃኖም ህይወቶም ዕለት ዕለት ንሓደጋ ይቃላዕ ኣሎ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ክርስቶስ ዘይምምስካር ዝከኣሎም ኣይኮነን፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ሰላም ፍትሒ ማዕርነት ሕውነት ንድኻታትን ዝተናዕቁን ከም ጓሓፍ ዝድርበዩን ኣህዋትናን ኣሓትናን ሓላፈ ዝብል እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ምዃኑ የዘኻኽር።

29 June 2022, 16:27