ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወትሃደራዊ መካነ መቓብር ፈረንሳ (2 ሕዳር 2021) ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወትሃደራዊ መካነ መቓብር ፈረንሳ (2 ሕዳር 2021) 

መወዳእታኻ ዘክር ጽልኢ ድማ ኣቛርጽ

ምጽላእ ቅድሚ ንኻልኦት ገዝእ ርእስኻ ምጒዳእ እዩ። ዘይምግዳስ እውን ዓቢይ ግብረ እከይ እዩ። ብዙሕ ስቓይ ንርስዕ፡ ርኢና ከም ዘይረኣና ንሓልፍ ስቓይ ካልኦት ንለምዶ ገላ ካባታቶም ከኣ እቶም ኣብ እተረስዐ ውግእ ዚነብሩን ዚሞቱን ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እያቶም

“መወዳእታኻ ዘክር ጽልኢ ድማ ኣቛርጽ” እዛ ሓረግ እዚኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደት እያ። ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ ግዚኣብሔር ብኣጽንዖት ንኸነተንትና ከም ዘዘኻኻሩናን ሎሚ እውን ነቲ ኣብ ዩክረይን ውግእ ምስፋሕ ዘምጽኦ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ጽልኢ ቃላት ሰብኣዊ ፍጥረት ንሓደጋ የቃልዖ ከምዘሎን እቲ ኣብ ዝተፍላለየ ክፍልታት ዓለም እውን ዝካየድ ዘሎ እተረሰዑ ውግኣ ክንሓስበሉ ይድርኸና።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጽልኢ ዝመልኦ ቃላት እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ዓመጽ ናይ ምፍጻም ኣጋጣሚ ይውስኽ። ኣብዛ ብብዙሓት ግጭታትን ነቶም ዝሳቐዩ ዘይምግዳስን ዝወርዳ ዘሎ ዓለም ናይ ጽልኢ ቃላት እናበዝሐ ምስ ከደ እቲ ሓደጋታት ንዅሉ ሰብ ዝኸፍአ እዩ ዝኸውን። እቶም ኣገዳሲ ውሳነ ናይ ምግባር ክእለት ዘለዎም ሰባት ሓዊ ዘለዓዕልን ዘጓሃህርን ቁጥዐ ዝመልኦ ቃላት ዝጥቀሙ እንተድኣ ኰይኖም፡ ፍጥረት ሰብ ብዝያዳ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣተው።

ቂም ከይትሕዝ ዝጽውዕ ሓረግ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መዋቲ ምዃንካ ዘክር እሞ ጽልኢ ካባኻ ኣርሕቕ” (ሲራ. 28, 6 ረኣ)። እዚ ጽሑፍ እዚ ኣስታት 2200 ዓመት ይገብር ብሓደ የሹዋ ቤን ሲራ ዝስሙ ካብ ኢየሩሳለም ዝመጸ ኣይሁዳዊ እተጻሕፈ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዕለት 13 መስከረም 2020 ዓ.ም.  ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥

ሎሚ ንጐሆ ቅዳሴ ከዕርግ እንከለኹ ኣብታ ኣብ ቐዳማይ ምንባብ ኣብ እተወስደ መጽሓፈ ሲራክ ብዘላ ሓረግ ተተከፍኩ፡ እታ ሓረግ እቲኣ ድማ “መወዳእታኻ ዘክር እሞ ጽልእ ካባኻ ኣርሕቕ” እትብል እያ። ብዛዕባ መወዳእታእና ንሕሰብ እሞ . . . ኣብ ናይ ሬሳ ሳጹን ምስ ኣተኻ ጽልእ ኣብኡ ምሳኻ እትወስዶ ይመስለካ . . . ብዛዕባ መወዳእታኻ ዘክር እሞ ኣይትጽላእ! ቂም ኣይትሓዝ! ነዛ ሓረግ እዚ ኣስከ ንሕሰብ!

ከም ምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፥ ሲራክ ቀጺሉ “ሞትን ምብስባስን ከምዘሎ ዘኪርካ ከኣ እሙን ኴንካ ትእዛዛት ሓሉ . . . ንብጻይካ እውን ኣይትቀየም . . . ንብጻይካ በደሉ ሕደገሉ፡ ስለ ጸሎትካ ድማ ሓጢኣትካ ኪሕደገልካ እዩ” ይብል።

ጽልእን ዘይምግዳስን

ምጽላእ ቅድሚ ንኻልኦት ገዝእ ርእስኻ ምጒዳእ እዩ። ዘይምግዳስ እውን ዓቢይ ግብረ እከይ እዩ። ብዙሕ ስቓይ ንርስዕ፡ ርኢና ከም ዘይረኣና ንሓልፍ ስቓይ ካልኦት ንለምዶ ገላ ካባታቶም ከኣ እቶም ኣብ እተረስዐ ውግእ ዚነብሩን ዚሞቱን ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እያቶም።

እተረሰዓት ሶርያ

ኣብ ሶሪያ ንልዕሊ 11 ዓመት ውግእ ይካየድ ኣሎ ዳርጋ ፍርቂ ሚሊዮን ዝዀኑ ድማ ሞይቶም፡ ልዕሊ 11 ሚሊዮን ዝዀኑ ስደተይናታትን ካብ መረበቶም እተመዛበሉን እያቶም። ኣብ ደማስቆ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ብጓሂ፥ “ካብ ልቢ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ከኣ ካብ ኣልባብ እቶም ኣብ ሃገሮም መጻኢ ዘይራዮን ክስደዱ ዝጽዕሩን ካብ መንእሰያት ተስፋ ርሒቓ ንርኢ ኣሎና፡ ጥሜት ኣሎ ሕጽረትን ስእነትን መግቢ ኣሎ እዚ ከኣ በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይብእስ ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ሶሪያ ውግእ እተኻየደሉ ዓመታት ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ክርስቲያን ካብ ሶሪያ ወጻኢ ተሰዲዶም እዮም - ኣብዚ ግጭታት እዚ እቶም ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንኸቢድ ሓደጋ ዝቃልዑ ኮይኖም ኣለዉ፡ እዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝተረስዔ እዩ ዝመስል፡ እዚ ነቲ ስቓይ ሶሪያ ናብ ዝኸፍአ ዘስካሕክሕ ደረጃ ንኸብል ይድርኽ። እዚ ረሲዕነት እዚ ብዙሕ እዩ ዝሃስይ፡ ቢሎም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ጥምየትን ውግእን ኣብ ኢትዮጵያ

ሊቀ ጳጳሳት ኣዲስ ኣበባ ብጹዕ ካርዲናል በርሃነየሱስ ሱራፍኤል ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእን ጥሜትን ኣማእኪሎም ምስ ሴና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዝ የድልዮም - መንከ ይዘክሮም?” ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸበባ ምያንማር

ናይ ያንጐን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ኣብ ምያንማር “ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቀራንዮ ኢና ዘሎና፡” እቲ ዘሎ ዘይምሕር ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያናት መጥቓዕቲ የውርድ ብዙሓት ንስደትን ምዝብልናን ይዳርግ፡ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ፍቕዶ ዱር ሰፊሩ ኣሎ። “ህዝቢ ናብ ድኽነት የንቈልቝል ካብዚ ዘጋጥም ዘሎ ጸባብ ዘድሕን ዋላ ሓደ የልቦን። መእሰያት መጻኢ ዘይብሎም ኰይኑ እዩ ዝስምዖም። ኣብዚ መገዲ መስቀል እዚ፥ “ዓሚቝ እምነት እቲ ህዝቢ ዘደንቕ እዩ . . . ክርስቲያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብቲ ዓሚቕ ምሲጢር ንዓለም ዕሽነት ዝመስል መስቀል ተስፋ ንርከብ ኣሎና፡” ከም ዝበሉ የዘኻኽር።

የመን፥ ደጋዊት ክፍሊ ዓለም

እቶም ኣብ ደቡባዊ ዓረብ ሃገራት ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሂንደር ብዛዕባ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥሜት ዝሳቐዩሉ ዘሎ እተረስዐ ውግእ እንክዛረቡ፥ ልዕሊ 2 ሚሊዮን ዝግመቱ ቈልዑ ብጥሜት ህይወቶም ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ - “እዚ እተረስዐ ውግእ እዚ ብዙሓት ኣይግደሱሉን። የመን ብሓቂ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት ወሰናስን ህልውና እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኵላትና ብሰላም ክንነብር ንኽእል ኢና

እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነቲ  እተረስዐ ውግእ ዝውክል እዩ። መብዛሕቲኡ ግዜ ውግእ ብጽልኢ ኢዩ ዝጅምር። “ሎሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብንጹር ዝብልዎ - ኣብ ዓለም ኣዚዮም ብዙሓት ዘራእቲ ጽልኢ ኣለዉ ከመይሲ “መልሓስ እታ ዘኸፍአት እትቐትል ኣጽዋር እያ” ከምኡ እውን “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ብሰላም ክንበር ንኽእል ኢና” ዝብል ሓሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

10 June 2022, 09:16