ድለ

ዩክረይን፥ ምንቅስቓስ ስነ ክለኣዊ መላዊ ርክባት ዩክረይን፥ ምንቅስቓስ ስነ ክለኣዊ መላዊ ርክባት   (ANSA)

ዩክረይን፥ ምንቅስቓስ ስነ ክለኣዊ መላዊ ርክባት

እቲ ሩሲያ ብዝፈነወቶ መጥቓዕቲ ዳርጋ ዝዓነወት ከተማ ማሪዩፖል ዘሰንብድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘሎ ናይታ ከተማ ከንቲባ ዝነበሩ ቫዲም ቦይከንኮ ዕለት 1 ሰነ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ብመሰረት ጥንቍቕ ገምጋማት እንተ ወሓደ 20 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱን

እቲ ኣብ ይክረይን ዝካየድ ዘሎ ሚእቲ መዓልታት ዘቑጽር ዘሎ ውግእ እንተ ወሓደ ደው ንምባል ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምንቅስቓሳት የካይድ ዘሎ ይመስል። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሩሲያ ነቲ ኣብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ዩክረይን ንወጻኢ ክለኣኽ ዝነበሮ በቲ ዘሎ ቅልውላው ተዓጊቱ ዝተረፈ መግባዊ ጒዳይ መፍትሒ ክረክብ ድላይ ከም ዘለዋ ትገልጽ ዝብል ሓበሬታ ይፍነው ምህላዉ ክንገር እንከሎ፥ እዚ ቅልውላው ወደባት ኩይረን እዚ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራት ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ህጹጽ መፍትሒ የድልዮ እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበን ከም ዝሓተትን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ተወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብሪጣንያን እንተ ወሓደ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩሲያን ዘተ ክጅመርን ነቲ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ዝብል ሓሳብ ሓያሎ መዓልታት ክእከቡ ከም ዝጸንሑን ብፍላይ እቲ ኢጣሊያ ዘቕረበቶ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘለዎ ናብ ዘተ ክመርሕ ዝኽእል ውግእ ደው ምባል ኣብ ውግእ ገለልትነ ዩክረይን ሉዓላውነት ክሪምያን ዶንባስ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሰላም ዝብል ኣርባዕተ ነጥብ ዝሓዘ ሰነድ ዘማእከለ ርክባት ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘይ ዩክረይን ብዛዕባ ዩክረይን ዋላ ሓደ ውሳኔ ክግበር የብሉን ካብ ዝብል መርገጺኣ ነቕ ከም ዘይትብል ትሕብር።

ኵነታት ዶንባስ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ኣብ ዶንባስ እትርከብ ስልታዊት ማእከል ዝዀነት ሰቨሮዶነትስኪ ውግእ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሩሲያ ብዝፈነወቶ መጥቓዕቲ ዳርጋ ዝዓነወት ከተማ ማሪዩፖል ዘሰንብድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘሎ ናይታ ከተማ ከንቲባ ዝነበሩ ቫዲም ቦይከንኮ ዕለት 1 ሰነ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ብመሰረት ጥንቍቕ ገምጋማት እንተ ወሓደ 20 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱን እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብታ ከተማ ካብ ዝሞቱ ብዕጽፊ ዝያዳ እዩ” ይብሉ። ኣብ ማሪዩፖል 95 ሚእታዊ ሕንጻታት ከም ዝዓነወ ገሊጾም፥ ኣስዒቦም እውን ነቲ ጸብጻብ መሰረት ገይሮም ሰብ ኣብ ዝሞተሉ ምቕባር ዝግበር ዘሎ ናይ ታህዋኽ ጒዳይ ማይ ናይታ ከተማ ይብክል ኣሎ፡ ኣገልግሎት ጽርየት ከተማ ከም እተቛረጸን ብጠቕላላ እቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘሰንብድ እዩ ኢሎም።

ማእለያ ዘይብሉ  ምህርቲ ስርናይን እኽልን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ከም ዝኽእል

ካብ ዩክረን እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ክንቀሳቐሳ ምዃነን ይንገር። ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ዕለት 3 ሰነ ምስ ናይ ሰነጋል ርእሰ ብሔር ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቦ መንበር ማርክይ ሳል 22 ቶን ዝኸውን ስርናይን እኽልን ዝጸዓና መራኽብ ክንክቀሳቐሳ ምዃነን ከም ዘረጋገጹሎም ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት እቲ ኣብ ወደባት ተኣኪቡ ዘሎ እኽሊ ክምሽምሽ ከም ዝኽእል ናይ ከተማ ኦዴሳ ከንትባ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኪየቭ፥ “ሩሲያ ስርናይ ዩክረይን ትዘርፎን ትሸጦን ኣላ” ዝብል ብርቱዕ ክሲ ከተቕርብ እንከላ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጒተረሽ፥ “እቲ ውግእ ብኡንብኡ ተቛሪጹ ንዅሎም እቶም ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰላማውያን ሰባት ሓገዝ ክቐርብ ዝውሕስ ኩነት ንምፍጣር ዘተ ብህጹጽ ክብገስ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 June 2022, 09:28