ድለ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ንብሕታዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻር እተገብረ ቀዳማይ ታሪኻዊ ውዕል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ንብሕታዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻር እተገብረ ቀዳማይ ታሪኻዊ ውዕል  (AFP or licensors)

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ንብሕታዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻር እተገብረ ቀዳማይ ታሪኻዊ ውዕል

እቲ ዝተበጽሐ ውዕል ኣገደስቲ ስጒምትታት ዘለዎ እዩ - ብቐዳምነት ነቶም ኣጽዋር ዝዕድጉ ዝሓየለ ቍጽጽር ምግባር. . .

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት፡ ኣብ መንጎ 10 ናይ ረፓብሊካዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዝውክሉ ኣባላት ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ከምኡ እውን 10 ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዝውክሉ ኣባላት ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ፥ ዜጋታት ዝውንንዎ ኣጽዋር ንምቍጽጻር ስጒምቲ ንምውሳድ ዝሕግዝ ዕለት 12 ሰነ ስምምዕ ከም እተገብረ ይንገር። እዚ ዝተበጽሐ ውዕል እዚ ኣብ ልዕሊ ዓደግቲ ኣጽዋር ብርቱዕ ቍጽጽር ክግበርን እቶም ዜቤታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ገበነይናታት ወነንቲ ኣጽዋር፡ ብረቶም ክሕደጒ ዝብል ነጥብታት ብቐዳምነት ዘሳዄዐ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሰንበት ዕለት 12 ሰነ ብዓሰርተ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ካብ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ውድብን 10 ካብ ረፓብሊካዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ዝተበጽሐ ናይ ሓባር ስምምዕ ድሕሪ 26 ዓመት እተበጽሐ ናይ ፈለማ ናይ ሕጊ ንድፊ ከም ዝኾነን እቲ ውዕሊ ናብ ሕጊ ክትርጎም ከምዘለዎን ይዅን እምበር ከምቲ ዕለት 24 ግንቦት ሳልቫዶር ራሞስ፥ ተክሳስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኡቫልደ ኣብ ዘሎ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ 19 ቈልዑን ክልተ ማምሃራንን ንምቕታል እተጠቐመሉ ኣጽዋር ዝእግድ ዘይኮነስ እቶም ኣጽዋር ዝዕድጒ ፍሉይ ቍጽጽር ክግበረሎምን ካብ ዜበታዊ ዓመጽ ገበን ናጻ ክዀኑ ዝሓትት ምዃኑ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ርእሰ ብሔር ባይደን እቲ ራሞስ እተጠቀመሉ ኣጽዋሪ ምውናን ክእገድ ንሰሙናት ጻውዒት ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ የዘኻኽር።

ኣርባዕተ ኣገደስቲ ስጒምትታት ዝሓዘ ናይ ሕጊ ንድፊ

እቲ ዝተበጽሐ ውዕል ኣገደስቲ ስጒምትታት ዘለዎ እዩ - ብቐዳምነት ነቶም ኣጽዋር ዝዕድጉ ዝሓየለ ቍጽጽር ምግባር፡ ጠባይ ናይቶም ዓደግቲ ኣጽዋር ምዕዛብ፡ ከምኡ እውን ጠበንጃን ሽጉጥን ካብቶ ሓደጋ ዘርእዩ ንምግባትን ነዚ ዕዮ እዚ መሳለጢ እዅል ሃብቲ ገንዘብ ክምደብ ዝብል ሓሳብ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣባይቲ ስድራ ወይ ኣባይቲ ትምህርቲ እውን ኣብ ምዕዛብ ክዋስኡን ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ብዝፍጸም ዓመጽ ገበነይና ተባሂሎም እተፈርዱ መጻምድቲ ኣዕሩኽ ወይ ኣባላት ስድራ ቤት ኣጽዋር ክሒዙ ኣይክእሉን ዝብልን እቶም ናይ ኣእምሮ ምዝንባል ዘለዎም ሰባት ምክትታልን ምሕጋዝን ነዚ ዅሉ መሳለጢ እኵል ሃብቲ ገንዘብ ክስላዕን ድሕንነት ኣባይቲ ትምህርቲ ምድልዳልን ዝብል ሓሳብ እተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ንብሕታዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻር እተገብረ ቀዳማይ ታሪኻው ውዕል
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ንብሕታዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻር እተገብረ ቀዳማይ ታሪኻው ውዕል

እቲ ውዕሊ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ተቐባልነት ክረክብ ዘኽእል ቍጽሪ ኣሎ

እቲ ዝተበጽሐ ውዕል ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ተቐባልነት ክረክብን ነቲ ካሳብ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ውዕል ዘጋጥሞ ታሪኻዊ ዕንቅፋት ክብድሆ ከም ዝኽእል ክሕበር እንከሎ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ዕለት 11 ሰነ ኣብ ዋሽንግተንን ንው ዮርክን ወለድን ኣባይቲ ስድራን መንእሰያትን ማሕበራት ጸረ ውናነ ኣጽዋርን ብዙሓት ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካየድዎ “ህይወት ንከናኸን” እተሰምየ ሰላማዊ ሰልፊ ዕሽሽ ከም ዘይብልዎ ክንገር እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ነቲ ውዕል ከም ዝድግፍዎ ድሮ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

“ንቘልዑ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ ንምክልኻል”

እቶም ነቲ ውዕል ዘቕረቡ 20 ኣባላት ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ “ንቘልዑ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንምልኻል ንኣባይቲ ትምህርቲ ድሕንነት ንምሃብ ከምኡ እውን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንዝርአ ዓመጽ ንምንካይ ክልተ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት ኣብ ሓባራዊ ኣርኣእያ” እንክብሉ ነቲ ውዕል መሰረት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ ኣባይቲ ስድራን ኣብ ሓደጋ ዝርከባን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ማሕበረሰብ ዑቕባ ክረኽባ መታን ብሓባር ክንዓዪ ግደታና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

14 June 2022, 16:04