epaselect PAKISTAN INTERNATIONAL LITERACY DAY

ኣህጉራዊ መዓልቲ መሃይምነት - መሰረት ናይዚ ምዕቡል ዓለም እዩ

ዕለት 8 መስከረም ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ብምዃኑ፣ ማሕበር ዩኔስኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምጥፋእ መሃይምነት ሰባት ብቕንዕና ንኽሓስቡን "ብሓበሬታ ሃብታም ሕብረተሰብ ንክኾኑን፣ ንቍጠባ ብውሑስን ውጽኢታውን ሓላፍነት ብዝስምዖን መገዲ" ንኽመርሑ ከም ዘኽእሎም ዝሕብር ዝርዝር ሓበሬታታት ኣካፊሉ።

ኣባ ተወልደ መባራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ዓመት እዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ መሃይምነት "ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መዋእል መሃይምነት ምጥፋእ" ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኢዩ ዝዝከር ዘሎ። ናይ ዩኔስኮ ሰነድ እዋናዊ ፍጻሜታት ኣገዳሲ ለውጢ የጕልሕ፦ መሃይምነት ካብ መሰረታዊ ምንባብን ምጽሓፍን ሓሊፉ፣ ንዲጂታል ክእለትን ድሕንነትን ወሳንን ናይ ኢንተርነት ሓበሬታ ዘጠቓለለ እዩ። እዞ ትካል ከም ዝገለጾ፣ ዲጂታላዊ ለውጢ መሃይምነት ትምህርቲ ከም ብሓድሽ ከም ዝገልጾ፣ ዋላ ሓደ ሰብ ንድሕሪት ከይተርፍ ሓድሽ ናይ ትግባሬ ውጥንን መፍትሒታትን ከም ዝሓትት ገለጸ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዓለምለኻዊ መጠን መሃይምነት መጠነኛ ምምሕያሽ ተራእዩ እዩ። ካብ 2015 ክሳዕ 2024 ኣብ ዘሎ እዋን ቍጽሪ እቶም 15 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሚኦም መሃይምነት ዘጥፍኡ በጽሕታት፣ ካብ 86 ሚእታዊት ናብ 88 ሚእታዊት ደይቡ ይርከብ። እቲ ዝለዓለ ቕልጡፍ ዕቤት ኣብ ማእከላይን ደቡባውን እስያ፣ ካብ 72 ሚእታዊት ናብ 77 ሚእታዊት ደይቡ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ካብ 65 ሚእታዊት ናብ 69 ሚእታዊት ደይቡ ይርከብ። ኣብ መንጎ እቶም ካብ 15 ክሳዕ 24 ዝዕድሚኦም መንእሰያት መሃይምነት ዘጥፍኡ፣ ኣብ 2024 93 ሚእታዊት በጺሑ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መሰረታዊ ትምህርቲ ምምሕያሽ ከም እተራእየ ዚሕብር እዩ።

ይኹን እምበር ጸብጻብ ዩኔስኮ ከም ዘመልከቶ፣ ዓሚቝ ፍልልያት እውን የርኢ እዩ። ክሳዕ 2024 ኣብ መላእ ዓለም 739 ሚልዮን በጽሕታት መሰረታዊ ደረጃ ትምህርቲ ዘይረኸቡ ልዕሊ ፍርቂ ድማ ኣብ ዓሰርተ ሃገራት ጥራይ እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። እዚ ቐጻሊ ናይ መሃይምነት ሃጓፋት ኣጋጣሚታት ይድርቶ ማሕበራውን ቍጠባውን ዘይማዕርነት ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮን ብዕድመ ዝደፍኡን እተገለሉ ህዝብታት ዘሎ ኩነታት ዘስዓቦ ኢዩ።

ዩኔስኮ መሃይምነት ኣብዚ ብቕልጡፍ እናማዕበለ ዚኸይድ ዘሎ ዲጂታል ሕብረተሰብ ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ወሳኒ ምዃኑ የጕልሕ። ይኹን እምበር ብዙሓት መምህራን ነቲ ሕጂ ንተመሃሮ ዘድልዮም ኤለክትሮኒካዊ ክእለት ንምምሃር ድሉዋት ዘይኰኑ ዀይኖም እዩ ዚስምዖም ዘሎ፣ ፍርቂ ሃገራት ጥራይ እየን ኣብዚ መዳይ እዚ ንመምህራን ስልጠና ዝኸውን መዐቀኒታት ኣማዕቢለን ዘለዋ። እቲ ትካል ኣስዕብ ኣቢሉ ገንዘባዊ ደገፍ ገና ዓብዪ ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ጸብጻባት ይሕብሩ - 57 ሚእታዊት ካብተን መጽናዕቲ እተገብረለን 102 ሃገራት ትሕቲ 4 ሚእታዊት ናይቲ ሃገራዊ ባጀት ንምጥፋእ መሃይምነትን ትምህርትን እየን ዝውፍያ ዘለዋ።

ኣብዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ መሃይምነት ዩኔስኮ ኵሎም ውልቀ-ሰባት ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ንኽዕወቱ እተዳለዉ ምዃኖም ንምርግጋጽ፣ ሓድሽ ኢንቨስትመንትን መሃይምነት ንምጥፋእን ቈራጽነት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ ይርከብ።

09 Sep 2025, 18:45