ኣብ ሚያንማር ጳጳስ ፒተር ቲን ዋይ፡ 'ሰላማውያን ሰባት ኣብ ስቓይ ይርከቡ ኣብ ሚያንማር ጳጳስ ፒተር ቲን ዋይ፡ 'ሰላማውያን ሰባት ኣብ ስቓይ ይርከቡ 

ኣብ ሚያንማር ጳጳስ ፒተር ቲን ዋይ፡ 'ሰላማውያን ሰባት ኣብ ስቓይ ይርከቡ

ኣብ ሚያንማር ምፍሳስ ደም እናቐጸለን ኲናት ሓድሕድ ነታ ሃገር ክትስንክል እናገበራን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ግዝኣት ራኪን ናይ ሰበኻ ፒያይ ጳጳስ ፒተር ቲን ዋይ፡ ነቲ ዘሕዝን ሳዕቤን ኣብ ልዕሊ እቶም ‘ንኽነብሩ ጥራይ ዝጽዕሩ’ ዘለዉ፡ ንመንእሰያት፡ እንኮላይ ነቶም ክዕጠቑን ክቃለሱን ዝግደዱ መንእሰያትን ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሕዝን ሳዕቤን ይኹንኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንጹሃት ሰላማውያንሰባት ኣብ ግዝኣት ራኪን ሚያንማር እቲ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ጳጳስ ፒተር ቲን ዋይ ዝስምዖም ሓዘን ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፡ – ሃገረ ስብከቶም ዳርጋ ንመላእ መሬት እታ ግዝኣት ኣብ ምዕራብ ሚያንማር ዝሽፍን – ኲናት ሓድሕድ ዕንወት ኣብ ዘውርድን ህይወት ሰባት ኣብ ዝቐትልን ዘሎ እዋን፡ ናብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ኣቓልቦ ገይሮም፣ እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕለት 12 መስከረም ሰራዊት በርማ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣየር ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ክያውክታው ንዝርከባ ክልተ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዒላማ ብምግባር ካብ 15 ክሳብ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም 20 መንእሰያት ከም ዝቐተለ  ]ክንገር እንከሎኣብ ምብራቓዊ ዶብ ግዝኣት ራኪን እውን ጽዑቕ ውግእ ይቕጽል ምህላዉን፣ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ግዝኣት ስልጣን ኣብ ኢድ እቲ ንመብዛሕትኡ ክፋል ራኪን ዝተቖጻጸረን ኣንጻር ስሩዕ ሰራዊት በርማ ዝቃለስን ዘሎ ብሄራዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ኣራካን (AA) ኢድ ከምዘሎ ጳጳስ ቲን ዋይ ንፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣

ሰራዊት በርማ መሬት ስለዝሰኣነ፡ ብሓይሊ ኣየር ደብዳባት ይፍጽም ከም ዘሎን እዚ ድማ ኣብ ኣባይትን ህንጻታትን ሰላማውያን ሰባት እውን መጉዳእቲ ከም ዝወርድ ኣመላኺቶም ካብተን 17 ዞባታት እተን 14 ኣብ ትሕቲ ኢድ ባራካን ዕጡቓት ጉጅለ ከም ዘለዋ የረጋግጹ።

'ሰባት ክነብሩ ጥራይ እዮም ዝጽዕሩ'

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት፡ "ርክብ ተቛሪጹ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ፡ ክንየው እዚ ኹሉ ጸገም ሰባት ብህይወት ክነብሩ ጥራይ እዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ" ብምባል ጓሂሆም ገሊጾም፣ 30 ሽሕ ምእመናን ዘለዎ ሃገረ ስብከቶም ኣብቲ ግዝኣት ዓሰርተ ክልተ ሰበኻታት ከምዘለዋ ተልእኾኦን ይቕጽላ ከምዘለዋ ድማ ሓቢሮም፣ "ካህናት ምስ ህዝቢ ቀረባን፡ ኣብ ዕለታዊ ጸገም ሃገርን ህዝብን ዝርከቡን ብሓባር ዝቃለሱን፣ ብዕለታዊ ናብራ ክነብሩን ብንዋታዊ መዳይ እውን ገዛእ ርእሶም ክድግፉ ይጽዕሩ፤ ምስጢራት ይሰርዑን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ማእከል መከራ ክፉታት ክኾና እውን ይጽዕሩን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ኣስታት ፍርቂ ካብ ምእመናን ሃገረ ስብከቶም ባራካን ዕጡቓት ሓይሊ ኣብ ዝቆጻጸር ከባቢታት ዝነብሩ ከም ዝኾኑን፡ እቲ ካልእ ፍርቂ ድማ "ኣብተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ዝርከባ ሰለስተ ዞባታት ሲትዌ፡ ክያውክፒዩን ሙናንግን" ከምዘለዉ የመላኽቱ።

ብቐጻሊ ምምዝባል ዘይተርፍ እዩ

"ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዘስዕቦ ምምብዝባል ይቕጽል ኣሎ። ስደተይናታት ድሕነት ክደልዩ ናብ ፒያ ይመጹ ወይ ድማ ካብታ ግዝኣት ናብ ያንጎን ይኸዱ፡ ኣብ ራኪን ሕጽረት መግቢ ኣሎ፡ ብዙሓት ድማ ካብ ኣገልግሉት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ወጻኢ ከም ዝኾኑ ኣብ ምያንማር ናይ ሰበኻ ፕያያ ጳጳስ ፐተር ቲን ዋይ ሓቢሮም፣ ካብዚ ብምብጋስ ኣባይቲ ስድራ ናብቲ ከም ኣብያተ ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ክሳብ ሕጂ ናብ ዘይተቛረጸሎም ከባቢታት ክግዕዛ ከም ዝፍትና ኣረጋጊጾም፣ ኣብዚ ብሰፊሑ ዓመጽ ዝልለይ እዋን፡ ጳጳስ ቲን ዋይ "ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ኣብ መንጎ ክልተ ዝዋግኡ ሰራዊት ከምዝተታሕዙ" ከምኡ'ውን ክልቲኦም ሓይልታት መንሰያት በስጋድድ ናብ ውትህድርና ዓለም የእትዉ ብምህላዎም ብዙሓት መንእሰይ ካብዚ ሓደጋ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ናብ ወጻኢ ሃገር ይስደዱ ከም ዘለዉን እዚ ድማ ሕብረተሰብ ዝበለጸ ማሕበረሰብኣዊ ጸዓት የስእኖ ኣሎ" እንክብሉ ጓሂሆም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

23 Sep 2025, 17:19