ጳጳሳት ናይጀሪያ ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ከይፍጠር ሰላማዊ ለውጢ ክግበር ይጽውዑ ጳጳሳት ናይጀሪያ ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ከይፍጠር ሰላማዊ ለውጢ ክግበር ይጽውዑ 

ጳጳሳት ናይጀሪያ ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ከይፍጠር ሰላማዊ ለውጢ ክግበር ይጽውዑ

ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ናይጀርያ “ብኣልቦ ውሕስነት ኣብ እትሳቐ ዘላ ሃገር” ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ ዝቕጽል ህዝባዊ ምርጫ ካብ ፖለቲካዊ ምትላልን ምልኻዕን ምክልኻልን ኣብ ምዕባለን ልምዓትን ዲሞክራስን ምትእምማን ንምምላስ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ከምዘድልያ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ፡ ምትላልን ዝኣመሰሉን ኣብቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝተራእዩ ጌጋታት ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝባዊ ምርጫ ዝከታተል ናጻ ሽማለ ዝነበሮ እምነት ከም ዘዳኸሞ ኣብ ናይጀሪያ ናይ ኦወሪ ሊቀ ጳጳሳት ሉሱዩስ ኡጎርጂ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፣ ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሰፊሕ ብልሽውና፣ ዓመጽን ዘይውሕስነትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ቅዋማዊ ጽገና ክግበር ካብ ዓቕለሲያዊ ግዝኣት ካላባር ምስ ዝመጹ ዓለማውያን ምእመናን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን የመላኽት፣

ብመሰረት ጸብጻብ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፣ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ናይ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ   ኣገባብ ነቒፎም፡ “እታ ሃገር ከቢድ ናይ ህላወ ሓደጋታት ኣብ እትገጥመሉ እዋን (. . .) ካብ ናይ ጎስጓስ መብጽዓታቶም ምፍጻም ንላዕሊ ብዛዕባ ምርጫ ባይቶ 2027 ዝያዳ ዝሻቐሉ ይመስሉ እንክብሉ ብዛዕባ ኣካይዳ ሓያሎ ፖለቲከይናታት ስክፍታኦም ገሊጾም፣ "ማሕበራዊ ርግኣት ንምዕቃብ መሰረታዊ ተሓድሶ የድሊ፣ እቶም ነዚ ለውጥታት እዚ ብሰላማዊ መገዲ ክከላኸሉ ዝፍትኑ ሰባት፣ ዓመጽ ዝመልኦ ለውጥታት ዘይተርፍ ይገብሩ" እንክብሉ ከም ዘጠንቀቝ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

ዘይውሕስነት፣ ፍርሒ፣ ምምዝባል፣ ድኽነት

ዘይምርግጋእ ንናይጀርያ የሳቕያ ከም ዘሎ ብጹዕነቶም ገሊጾም፣ "ኣብ መላእ ሃገር ብዙሓት ከተማታትን ዓድታትን ብፍርሒ ዝንበረን ኮይነን ከም ዘለዋን፡ ሰባት ክሃድሙን ስርዓተ ቀብሪ ክፍጽሙን ብተደጋጋጊ ይርአ፣ "ዜጋታት መዓልታዊ ይጭወዩ፡ ይዝመቱን፡ ሰብኣውነቶም ይስእኑን፡ ይቕተሉ ወይ ድማ መዓልታዊ ካብ ማሕበረሰባት ወለዶም ክሃድሙ፡ መነባብሮኦም ገዲፎም ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ክዕቆቡ ይግደዱ፡ ንጽንኩር ኩነታት ኣየር ተቓሊዖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብዘይ መግቢ ወይ ማይ ይርከቡ" እንክብሉ ዝስምዖም ሓዘን ገሊጾም፣ እቲ ዘሎ ዘይውሕስነት፣ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን የስዕብ፡ "እዚ ድማ ንመንእሰያት ናብ ገበንን ስደትን ተስፋ ምቑራጽን ይድርኾም. . . ምስ በሉ ኣብ መደምደምታ፡ ሰበስልጣን ናይጀርያውያን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ብምሃብ ብዝበለጸ ንኽዋፈሩ ክሕግዙን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ዘድሊ ሃገራዊ ለውጢ ድማ ዓለማውያን ሰባት ሓላፍነት ክወስዱን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

16 Sep 2025, 16:43