ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ቓዛ

ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስ ብርክት ዝበሉ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ብምዃን “ሰላም ንቓዛ” ዝብል ንጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን “ኣዝዩ ክብደት ኲናትን ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛን” መሰረት ዝገበረ መደብ ጸሎት ዘሰርክ ዕለት 22 መስከረም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ዘትራስተቨረ ባዚሊካ ከም ኣተኻየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሮማን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ብዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣሳቲፊ ከም እተኻየደን እቲ ዕለት 22 መስከረም በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 19፡30 ከም ኣተኻየደን እቲ ሰላም ንቓዛ ዝብል መደብ ጸሎት ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ብኣካል ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣብሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባልን ብሓባር ዝመርሕዎ ከም ዝነበረን፣ እዚ ናይ ጸሎት ምትእኽኻብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ተኹሲ ደው ምባል፡ ምሩኻት ክፍትሑን፡ ከምኡ’ውን ብዘተን ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ፍታሕ ክርከብን፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ክኽበርን” ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ብግምባር ዝተዳለወ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ተበግሶ እዚ ንብዙሓት ካቶሊካውያን ማሕበራትን ማሕበረሰባትን ምቅስቓሳትን  ኣብ ሓደ ዝጠርነፈ ምንባሩ የመላኽት።

ኣቦ መንበር ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማርኮ ኢምፓሊያዞ ነቲ መደብ ጸሎተ ዘሰርክ ምእንቲ ሰላም ኣብ ቓዛ ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዘበገሱን፡ "ኣብ ቅድሚ በደል ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ገዛእ ርእስና ንቋንቋ ኣጽዋር ኣሕሊፍና ክህን የብልናን። ሰላም ይከኣል እዩ - ጸሎት ድማ ድሮ ምርጫ ንሰላም እዩ" ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ቓዛ ናይ ዘሎ ህዝቢ ጸገም፣ ንኹሎም ኣመንቲ "ኣንጠረይናታት ሕውነት" ክኾኑ ዝድርኽ ብድሆ እዩ። "እዚ መደብ ጸሎት መንፈሳዊ ህሞት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ሓላፍነት ተግባር እዩ። ኣብ እዋን ኲናት ናይ ሰላም ህዝቢ ክንከውን ንደሊ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉ የመላኽት።

ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ፓቲያርክ

ኣብቲ መደብ ጸሎት ብምስማዐ ርእየት ዝሓበሩን ምስ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ኮይኖን ዝመርሑ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ በቲ ነዚ ዓመጻ ዘስዓበ ናይ ጽልኢ ሃዋህው ኣዚና ኢና ተጐዲእና ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ሓድሽ ስቓይ ዘምጽአ ኣብ ክንሰብሮ ዘይንኽእል ጭካነ ዝመልኦ ዑደት ክፈጥር እውን እዩ . . . ተሓታቲ ናይዚ እውን ኣብቶም "ነቲ ዓውዲ ንጸንፈይናታት ኣሕሊፎም" ዝሃብዎ ኢዩ ዝወድቕ። ይኹን እምበር ተስፋ ኣሎ፦ "ንፍትሒ ዚፈትዉን ዚጣበቑን ብዙሓት ትሑታት ሰባት እርኢ ኣለኹ፣ እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ፍልስጥኤማውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ክርስትያን ኣስላምን እያቶም። እዚ ጉዳይ ናይ ዋንነት ዘይኰነስ ናይ ሰብኣውነት ጕዳይ ኢዩ - ቢሎም - ኣብ መንጎ እቲ ዘጋጠም ዘሎ ዝኸበደ ቅልውላው "ግን ተስፋ ክንገብር፡ ንፍትሒ ኣጽኒዕና ክንሕዝን ሓቂ ብፍቕሪ ክንዛረብን ይግባእ። ናይ ምትብባዕ ቃሎም ምስ ተወፋይነት መንፈስ "እቲ ህሞት ክመጽእ እዩ - ቋንቋ ሓይልን ዓመጽን ዝፈሽለሉ - ብፍቕሪ፡ ብለውሃትን ምስክርነትን፡ ኣምላኽ ዝሃበና ምድሪ ዳግማይ ኣንሃንጸሉ ህሞት ክመጽእ እዩ - ነዊሕ መንገዲ ናብ ክልተ ሃገራት ፍታሕ እንበጽሓሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣባ ኢብራሂም ፋልጣስ

ማሕበር ንኡሳን ኣሃፍ ፍራንቸስካውያን ኣባ ኢብራሂም ፋልጣስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ በዚ ኣጋጣሚ ስም ካቶሊካውያን ማዕቀናት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ "ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ቫቲካን ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ከም ዝሃበትን፡ በዚ ድማ ልዕሊ ኩሉ ንመሰል ሓደ ህዝቢ" ክብሉ ብምዝኽካር፣ ኣብ ኒውዮርክ ብላይለዋይ ደረጃ ብዛዕባ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካብ ሽዑ ጀሚረን ብዙሓት ሃገራት - ፈረንሳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ፖርቱጋል፡ ቤልጅየምን ሉሰምበርግን ሓዊሱ - ንፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ኣመልኪቶም፣ ጀርመንን ኢጣልያን ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝድግፋ እኳ እንተኾና ክሳብ ሕጂ  ኣፍልጦ ክህባ ግን ፍቓደይናታት ኣይኮናን” ይብሉ።

"ንፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ መንገዲ ሰላም ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ፣ እቶም ንፍልስጤም ኣፍልጦ ዝህቡ ኣብ ሰላም ይኣምኑ፡ ክልተ ህዝብታት ኣብ ዓዶም ብሰላም ክነብሩ ብትብዓት ዝሰርሑ ድማ እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካርዲናል ባሰቲ፡ “ንደቂ ሰባት ኣይትጠልሙ”

ኣብ ሮማ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ምንቲ ሰላም ኣብ ቓዛ ዝመርሑ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽር ልሂቅ ኣቦ መንበር ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ መከራ ተዓዛቢ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይክእል ኣጠንቂቖም፣ "ንስኻትኩም ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘለኹም ነቲ ዝተፈላለየ ገጽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢጣልያ ትውክሉ። እዚ ዝኾነ ሰብ ከነኣእሶ ዘይብሉ ምልክት እዩ።" ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ብምጥቃስ፡ "ሰብኣውነትና ክንጠልም የብልናን። ኩሉ ሰብ ክኽበርን ክዕቀብን ዘለዎ ዘይግሃስ ክቡር ክብሪ ኣለዎ። ኣብ ዓመጽ፡ ምምዝባል ወይ ሕነ ምፍዳይ ዝተመርኮሰ መጻኢ የለን። እቶም ብሓቂ ዘፍቅሩ ንሰላም እዮም ዝሰርሑ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብፍላይ ኢየሱስ ብዛዕባ ብጽዕና ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣብ ማተዎስ ወንጌል ምዕ, 5,3-10 ዘሎ መሰረት ገይሮም፣ "ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እያቶም! እቶም ዝሳቐዩ ብጹኣን እያቶም! እቶም ኣብ ቓዛ ዝጸንዑ ሓካይም፡ ጋዜጠይናይናታትን ሰራሕተይናታት ረድኤትን፤ እቶም ነዚ ፈተና ብኽቡር ጽሞና ዝጻወሩ ኣዴታትን ኣቦታትን ቆልዑን" ዘኪሮም፣ ጸጥታ ብውግኣት ወይ ብዳግመ - ዕጥቂ ውሕስነት ከምዘይረክብ ብኣጽንዖት ሞጊቶም: "ተዓዋቲ ኲናት ዘይኮነስ እቲ ሰላም ዝሃንጽ፣ ትሑት ሰናይ ዝዕቅብ፣ ብፍትሒ፣ ምትሕግጋዝ ዝድገፍን - ንሕና ክርስትያናት ዓው ኢልና ክንጭድር ኣሎና - ብይቕሬታ ዝገብርን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Sep 2025, 16:58