ካርዲናል ፒዛባላ ስምምዕ ቓዛ 'ቀዳማይ ስጉምቲ ናብ ተስፋ' እክብሉ ብሓጎስ ይገልጽዎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ መጥቃዕቲ ደው ክብልን ጅሆ ዝተታሕዙን ፍልስጤማውያን እሱራትን ብቕልጡፍ ናጻ ክልቀቑን ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ስምምዕ ምእዋጁ ብሓጎስ ከም እተቐበልዎን ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሮም፣ እቲ ስምምዕ “ምሉእ ብምሉእን ብተኣማንነትን ክፍጸም” “ምጅማር መወዳእታ ናይዚ ዘስካሕክሕ ኲናት” ዘመልክት ክኸውም ዘለዎም “ልዑል ተስፋ” ገሊጾም።
ሰብኣዊ ረድኤት ምፍቃድን ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ቓዛ “ብዘይ ቅድመ ኩነት እኹል ሓገዝ ክኣትው” ምርግጋጽን “ፍጹም ህጹጽነት” ከምዘለዎ ኣጉሊሖም፣ እቲ መግለጺ “ልዕሊ ኩሉ እዚ ስጉምቲ ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ናይ ፈውስን ዕርቅን መንገዲ ክኸፍት ንጽሊ” ከም ዝበሉን መንበረ ጵጵስና እውን ንስራሕ ኩሎም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ብምንኣድ “ነዚ ስጉምት እዚ ንኽፍጸም ንዝገበርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ” ኣድናቖት ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከብቅዕ ዝኽእል መንገዲ ክጸርግ ተስፋ ዝግበረሉ፡ ሰራዊት እስራኤል ብኸፊል ካብ ቓዛ ክወጽእን ዝተረፉ ኩሎም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑን ምዃኑ ይንገር። እዚ ስምምዕ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዘውጸኦ 20 ነጥብታት ዘሎ ውጥን ምዃኒ ዘመልክቶ እዩ።
'ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ግን ከኣ ኣገዳሲ'
ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ስምምዕ “ብስራት” ከምኡ’ውን “ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ቀዳማይ ምዕራፍ” ኣብቲ ነዊሕ መንገዲ ሰላም እንክብሉ ይገልጽዎ፣ ተወሳኺ ብዙሕ ስጉምትታት ክህሉ ምዃኑ እውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብርግጽ ድማ ዕንቅፋታት ክህሉ ምዃኑን እኳ እንተገለጹ፡ ነዚ ኣገዳሲ ስጉምቲ ግን እፎይታ ከም ዘምጽእ ደጊሞም የረጋግጹ።
"እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መንገዲ ገና ነዊሕ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብዙሕ ዕንቅፋታት ክህሉ እዩ፤ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ግን ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን ብፍላይ ድማ ኣብ ቓዛ ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ናይ ምትእምማንን ዋላ ፍሽኽታን ሃዋህው ዘምጽእ ኣድላዪ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ" ኢሎም።
ኪኖ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ምጥማት
ፓትርያርክ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ክመጽእ ዝኽእል ብድሆታት ምስ ተሓተቱ ኣስዒቦም፡ ጸገማት ከም ዝህሉ ርግጽ እዩ፡ “እንታይ ከም ዝመጽእን ብኸመይ ከም ዝመሓደርን ብዝምልከት ጸገማት ክህሉ’ዩ፡ እንተኾነ ግን ንሳቶም [እቶም ወገናት] ነዚ እንተሰጊሮምዎ፡ ድሌት እንተሃልዩ፡ ነቶም እንቅፋታት ዝበሃሉ ካልኦት’ውን ክስዕሩ ይኽእሉ እዮም።”
ነቲ ዓመጽ ኣብ ምውዳእን ንመጻኢ ራእይ ኣብ ምድላውን ቀጻሊ ትኹረት ክግበር ኣተሓሳሲቦም፡ “ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ ተህዋኽ ክኸውን ይኽእል፣ ሕጂ’ውን ብዙሓት ዕንቅፋታት ክህልዉ እዮም፣ እቲ ግደታ ወተሃደራዊ ተጻብኦታት ንኸብቅዕ ምስራሕን ንቓዛ ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ፍልስጤም ዝምልከት ራእይ ክነቕርብ ምጅማርን እዩ። ገና ብዙሕ ስራሕ ይጽበየና ይብሉ።
ንማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ምድጋፍ
ካርዲናል ፒዛባላ ንውጽኢት እቲ ዘተ ዘለዎም ሓጎስ ደጊሞም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ገሊጾም፡ ላቲናዊ መንበር ፓትሪያርክ ንማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ናይ ምስናን ጭቡጥ ሓገዝ ናይ ምቕራብን ተልእኾኡ ከም ዝቕጽል ኣመልኪቶም። "ካብቲ ድሮ ንገብሮ ዘለና ንላዕሊ ዝኾነ ነገር የለን፡ ንማሕበረሰብና ምድጋፍ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምውሃድ ንኹሉ ንህዝቢ ቓዛ፡ ንፍልስጤማውያን ከምኡ'ውን ንእስራኤላውያን ዝያዳ ቅሳነት ከምጽእ ዝኽእል። መሰረተ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ግጭት ዝተጎድአ ሰብኣውን ማሕበራውን ኣካሊት ዳግም ምሕናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "መሓውራት ጥራይ ዘይኮነስ፡ እዚ ኲናት ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ዕንወት'ውን ኣብ ዝግበር ዳግመ ህንጸት ክንሕግዝ ኣሎና” ምስ በሉ ኣስዒቦም፣
ጻውዒት ጸሎት
ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ጥቅምቲ ዝጸውዕዎ መዓልቲ ጸሎት ንሰላም ክሳተፉ ምዃኖም ደጊሞም ብምዝኽካር ኣብዚ መጸብ ጸሎት ንሰላም ኩሉ ክሓበር ተላብዮም ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።