ፓትሪያርክ ፒዛባላ ተኹሲ ደው ንምባል ዘተ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ተስፋን ጸሎትን ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቓዛ ንኽልተ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኣዕናዊ ግጭት ንምቁራጽ ዝገብር ዘተ ክብገስ ከምዝኽእል ሓበሬታ ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዋን፡ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ምእመናን ተስፋ ክሕብሕቡ፡ ኣብ ጸሎት ጸኒዖም ክጸንሑ፡ ስነ- መጎት ዓመጽን ምፍልላይን ክነጽጉ ዝጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ናብ ሃገረ ስብከት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጒስነታዊ መልእኽቲ፣ ነቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ዘይተኣደነ ስቓይ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ተጻብኦታት ደው ንምባል፡ ጅሆ ዝተታሕዙን ፍልስጥኤማውያን እሱራት ንምፍታሕን ዝረኣዩ ምዕባለታት ይቕበሉ።
“ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያንን ገለ ፍልስጤማውያን እሱራትን ምቁራጽ ደብዳባትን ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ሰላም ውሳኔ ኣገዳስን ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮን ቀዳማይ ስጉምቲ'ዩ" እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጒስነታዊ መልእኽቲ ገሊጾም፣ ግና ካብ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት የጠንቅቑ፣ “ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ንጹር ወይ ርጉጽ ዝኾነ ነገር የለን፤ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ገና ብዙሕ ክግለጽ ዘለዎ ጉዳያት እውን ኣለዉ፥ ብምባል የጠንቅቑ።
ሓድሽ ጅማሮ ንኹሉ
ፓትርያርክ ፒዛባላ እዚ ህሞት እዚ ነቶም ዘይሕሰብ መከራ ዝተጻወሩ እፎይታ ከምጽኣሎም ድማ ተስፋኦም ገሊጾም፣ "ልዕሊ ኩሉ ንመወዳእታ ተጻብኦታት ንሕጎስ፡ እዚ ድማ ግዝያዊ ከምዘይከውንን ንነበርቲ ቓዛ ዕረፍቲ ከምዘምጽእን ተስፋ ንገብር። ኩላትና ንሕጎስ፡ ምኽንያቱ እቲ ክኸውን ዝኽእል መወዳእታ ናይዚ ሕጂ እውን ኣዝዩ ቀረባ ዝመስል ዘስካሕክሕ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ሰብ - እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ዓለም'ውን ሓድሽ ጅማሮ ክኸውን'ዩ - ቢሎም - ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ “ጥልመት ዝመልኦ መንገዲ” ብምምልካት፡ ምዝዛም ወተሃደራዊ ስርሒታት “ቀዳማይ - ኣድላዪን መተካእታ ዘይብሉን - ስጉምቲ” ናብ ነባሪ ሰላም ጥራይ ምዃኑ ንምእመናን የዘኻኽሩ።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ቀጻሊ ስቓይ
ፓትርያርክ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣቓልቦ ገይሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ማሕበረሰባት “ሕጂ መዓልታዊ ኩሉ ዓይነት ጸገማት የጋጥሞም፣ ብፍላይ ኣብተን ብመጥቃዕቲ ሰፋሮ እናተኸበባን እናተሓነቓን ዝመጻ ንኣሽቱ ዓድታት፣ ካብ ሰብመዚ ጸጥታ እኹል ሓለዋ ዘይግበረለን፣
ነቲ ንማሕበረሰባት ክርስትያን ዘጋጥሞም መዓልታዊ ዘይርጉጽነት ኣጒሊሖም፣ ህይወቶም በቲ ግጭት “ዝተሓላለኸን መሪርን” ዝኾነ ዋላ’ውን ንደሕንነት፣ መገሻን ተበጻሕነት ኣገልግሎታትን ዝምልከት ስሩዕ ውሳኔታት ይጸልዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
“ቃል ተስፋ” ንምቕራብ ዝግበር ጻውዒት
ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፡ ፖለቲካዊ ሓተታ ዘይኮነስ፡ መንፈሳዊ መምርሒ ናይ ምሃብ ዘለዋ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣጉሊሖም፣ "ንሕና ፖለቲካዊ መግለጺ ክንህብ ወይ ድማ ንፍጻመታት ስነ ሜላዊ ትንተና ክንህብ ኣይኮናን ኣብዚ ዘሎና። ዓለም ድሮ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቃላት ዝተመልአት እያ፡ እዚ ድማ ነቲ ክውንነት ዝቕይር ሳሕቲ እዩ። የግዳስ ኣብ ወንጌል ጸኒዕና ክንጸንሕ ዝሕግዘና መንፈሳዊ ራእይ ኢና ንደሊ - ቢሎም - ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋ፡ ኣብታ መሬት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ “ሰብኣዊ ነፍሲ ብዙሓት፡ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ መላእ ዓለምን” እንከስተንትኑ፡ መከራ ናብ ንቡር ከይቅየር ኣጠንቂቖም፣ “ዝጠፍአ ህይወት፡ ዝወረደ ነፍሲ ወከፍ ቁስሊ፡ ዝተጻወረ ጥሜት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓብይ ዕንቅፋት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ይሕብ።
ኣዒንትና ኣብ ኢየሱስ ምቕማጥ
ኣብ ቅድሚ “ምስጢር ሕጊ ኣልቦነትን ተስፋ ናይ ምቑራጽ ፈተናን፡ ምእመናን ጠመተኦም ኣብ ክርስቶስ ኣጽኒዖም ክጸንሑ ካርዲናል ፒዛባላ ተላብዮም፣ "ኣብ በይንና ነዚ ምስጢር ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ብናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ኣብ ቅድሚ ምስጢር ክፍኣት ደው ኢልና ክንቃወሞ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ድማ ኣዒንትና ናብ ኢየሱስ ካብ ምጥማት ከይበኽራ - ንኢየሱስ ንጠምት (እብ 12፡2) እንክብል ህጹጽ ጻውዒት አቕርብ። ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንብዓት - ናይቶም ዝፈትውዎም ሰባትን ገዛውቶምን መነባብሮኦምን ዝሰኣኑ - ብምዝካር መልሲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕርን ይቕሬታን ዝሰረተ እምበር ሕነ ምፍዳይ ክኸውን ከም ዘይብሉ ደጊሞም ድሕሪ ምግላጽ፣ "ኢየሱስ መምህርናን ጎይታናን ህያብን ይቕሬታን ዝኸውን ፍቕሪ ናይ ሕይወቱ ምርጫ ገይርዎ እዩ። ቁስሉ ሕነ ንምፍዳይ ዝድርኽ ዘይኮነስ ብፍቕሪ ተበጊሱ ናይ ምጽዋር ክእለት ምልክት እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መወዳእታ ኲናት ናብ ሰላም ዝወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ ጥራይ እዩ
ካርዲናል ፒዛባላ፡ እቲ ውግእ ሕጂ እንተ ዚውዳእ እውን፡ “እቲ ግርጭት ገና ሱር መበገሲኡ ስለ ዘይተፈትሐ፡ ክቕጽል ዝከእኣል ምዃኑ” ኣጠንቂቖም፣ ምትእምማን ዳግማይ ንምህናጽን ልብታት ካብ ጽልኢ ሓራ ንምውጻእን ቀጻሊ ተወፋይነት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ተስፋ ዝጭበጥ ንምግባር ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነዊሕ መንገዲ ብምምልካት፡ “ምውዳእ ኲናት ናይ ግድን ምጅማር ሰላም ዘመልክት ኣይኮነን፡ ንህንጸቱ ግን ቀዳማይ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ - ቢሎም - ነቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ብምዝኽካር ነቶም ምእመናን "ስቓይ ንዘለኣለም ኣይኪነብርን እዩ" ከምኡውን "እቲ ንበረኻ ዘተርከሰ ንብዓት ንገነት በዓል ትንሳኤ ኸም ዘዕምብብ" ኣረጋጊጾም፣
መዓልቲ ጾምን ጸሎትን
ፓትርያርክ ንዅሎም ሰበኻታትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰባትን ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ጥቅምቲ ምእንቲ ሰላም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክፍጸም ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ክሓብሩ ብምዕዳን ዘመሓላለፍዎ ጉስነታዊ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።