ካርዲናል ፈራኦ ኣብ COP30፡ ምዝንባላት ደው ምባል፡ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ደረጃ ብደረጃ ምውጋድ ካርዲናል ፈራኦ ኣብ COP30፡ ምዝንባላት ደው ምባል፡ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ደረጃ ብደረጃ ምውጋድ 

ካርዲናል ፈራኦ ኣብ COP30፡ ምዝንባላት ደው ምባል፡ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ደረጃ ብደረጃ ምውጋድ

ናይ መላእ ሃገራት እስያ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፈደራላዊ ሕብረት ኣቦ መንበር ካርዲናል ፊሊፐ ኔሪ ፈራኦ ኣብ ጎኒ እቲ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ዘለዎ ግዴታ ደጊሞም ብምሕባር፣ ሰባት ነቲ ትኹረት ዝሰርቕ ነገራት ምስዓብ ደው ኣቢሎም ነዛ ናይ ሓበር ቤትና - መሬት ንምድሓን ክተግሁ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፊሊፐ ኔሪ ፈራኦ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ጎዋን ዳማንን ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ህንድን ናይ ሃገራት እስያ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር (FABC) ኣብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት ኣብ በለም፡ ኣብያተ ክርስቲያን ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ነቲ ቅልውላው ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ንምፍታሕ “ግብረ ገባውን መንፈሳውን ቅርጺ” ኢለን ዝገልጸኦ ሓባራዊ ሰነድ ከም ዘቕረባ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜናቭ ኣቲካን ፍራንቸስካ መርሎ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እቲ ሰነድ 1.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ገደብ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ንምዕቃብን ስጉምቲ ከባቢያዊ ኣየር ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትህቦ ትምህርቲ ውሁድ ስነ ምህዳር መሰረት ዝገበረን ሰነድ “ጽቡቕ ተቐባልነት” ከምዝረኸበን፡ “እዚ እውን ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጥረትን ደቂ ሰባትን ዘሎ ዝምድና ዘጉልሕ እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ምህዳራዊ ምልዋጥ “ንኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን” - እንኮላይ ደቀባት፡ ስደተይናታት፡ ከምኡ’ውን ደቂ ኣንስትዮን መልሲ ንምሃብ፡ ልቢ፡ ኣእምሮ፡ ነፍስን ማሕበረ - ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣቃውማታት” ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ሃብታማት ኣህዛብን ስነ-ምህዳራዊ ሓላፍነትን

ኣብ ቤለም መራሕቲ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ቤተክርስትያን፡ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ እስያ “ኣብ ቅድመ ግንባር ስነ ምህዳራውን ቁጠባውን በደል” ከምዘላ ኣስተብሂሎም። ኣብ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ዝያዳ ተሓታትነት ዘለወን ሃብታማት ሃገራት ንጹር ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ዝስከማ ከም ዝኾና ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ “ምህዳራዊ ዕዳኦም ክኸፍሉ ኣለዎም፡ እዚ ማለት ነቲ ምቁራጽ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ምምራሕ፡ ገለልተይናነት ካርቦን ምዕዋትን ዝኣተውዎ ቍጠባዊ መብጽዓ ምኽባርን ማለት እዩ።”

ቍጠባ ልቓሕ ዘይኮነስ ንክሳራን ዕንወትን ብመልክዕ ድጋፍን ህዝባዊ ምወላን ዝምልከትን ምትዕጽጻፍ፡ ንህንጸት ዓቕምን ምስግጋር እደ ጥበብን ድኻታት ሃገራት ክድግፍ ኣለዎ እንክብሉ የመላኽቱ።

ነቐፌታ ሓምላይ ርእሰማላውነት

ካርዲናል ፈራኦ ብዛዕባ እቲ “ቀለስቲ ቁጠባን ሓምላይ ርእሰማላውነትን” ዘለዎም ስክፍታታት እውን ኣልዒሎም፣ ገለ ዝቐረቡ መፍትሒታት ዓበይቲ በከልቲ ካብ ሓቀይና ለውጢ ንኽድሕኑ ከምዘኽእሎም ገሊጾም። “ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ደረጃ ብደረጃ ንምውጋድ ንጹር ናይ ግዜ ገደብን ሸቶታትን የድልየና። ከም ድልድል ነዳዲ፡ ካርቦን ዝጥቀም እደ ጥበብን ንግዲ ካርቦንን ዝኣመሰሉ ትኹረትና ዝሰርቁ ነገራት ደው ከነብሎ ኣለና።” ናብ ዝተሓዳሰ ጸዓት ዝግበር ምስግጋር ፍትሓዊ ክኸውን ከምዘለዎን፡ ኣብ ጽላት ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ  ዝምርኮሱ ሰራሕተይናታትን ማሕበረሰባትን ብዳግመ ስልጠናን ማሕበራዊ ሓለዋን ዝከላኸል ክኸውን ኣለዎ።”

ልኡላውነት ደቀባትን ተራ ደቂ ኣንስትዮን

ሰነድ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ብተወሳኺ ምክልኻል መሬት ደቀባትን ኣፍልጦ ንፍልጠት ደቀባት ኣብ ስልቲ ምጽዋር ከባብን ይጽውዕ፡ "ኣግራብ ክሕሎ ኣለዎ፡ መሰል ዋንነት ደቀባት ድማ ክረጋገጽ ኣለዎ - ቢሎም - ደቂ ኣንስትዮ - ብዘይመጠን ብብዝሒ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ዝተሃስያ - ቀዳምነታተን ብሰነዳት፡ ማዕረ ተበጻሕነት መሬት፡ ስልጠና ኣብ ዘላቒ ኣሰራርሓ፡ ከምኡ'ውን ንዓመጽ ብዜሮ ተጻዋርነት ክስምዓ ኣለወን ይብሉ።

ቁጠባ ከባቢያዊ ኣየርን ዘይተፈትሑ ውዕላትን

ኣስዒቦም ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ንከባቢያዊ ኣየር - ቍጠባ ዝኣተዎወ መብጽዓታት ከም ዘይተፈጸመን እዚ ቍጠባዊ መብጽዓ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብልቓሕ ከም ዝትካእን ምስቲ ቤተ - ክርስትያን ዕዳ ድኻታት ሃገራት ንኽስረዝ ንነዊሕ እዋን እተቕርቦ እዩ፡ "ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕዳ ንኽስርዙ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምሉእ ብምሉእ እሰማማዕ፡ "ሰሜን ንደቡብ ንፍቀ ክቢ ዓለም ብምምዝማዝ ሃብታም ኰይኑ እዩ። ዝለዚ እቲ ሰሜን ንፍቀ ክቢ ዓለም ዝፈጸሞ ምዝመዛ ነቲ ዕዳ ብምስረዝ ክኽሕሶ እዩ ዘለዎ" ይብሉ።

ክውንነት ከባቢያዊ ኣየር ኤስያ

ብዛዕባ ጭቡጥ ጽልዋ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ዞባኦም ምስ ተሓተቱ፡ ብቕልጡፍ እናወሰኸን እናተደጋገመን ዝረአ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ኣመልኪቶም። "እስያ ካብቲ ዓለማዊ ማእከላይ ደረጃ ብዕጽፊ ዋዒ ዝረኣየላ ኮይና ኣላ። ማዕበል ዋዒ: ህቦብላ: ድርቂ: ውሕጅ: ምዕልቕላቕ ማይ፡ ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ: ከምኡውን ምምካኽ በረድ ዝያዳ ብርቱዕን ተደጋጋምን እናኾነ ይውስኽ ኣሎ።” ከምዚኦም ዝበሉ ፍጻመታት ብፍላይ ኣብ መንጎ ዝተገለሉ ማሕበረሰባት ንዘሎ ማሕበረ - ቁጠባዊ ተቓላዕነት ከምዘዕምቑ የብርሁ።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም

ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ንዝሳተፉ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ገሊጾም፡ “ብቃሎምን ሓሳቦምን ተተባቢዕና። ፍጥረት ብዝወርዶ ዘሎ ብውሕጅን ድርቂን ህቦብላን ዋዒን የእውይ ኣሎ፡ ካብ ሰለስተ ሰባት ሓደ ኣብ ዓቢ ተቓላዕነት ከምዝነብርን ሓቢሮም፡ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህጹጽን ሓባራዊን ስጉምቲ ከምዘድሊ ዝጸውዕ እዩ።

ኣብ ኒውደልሂ ዝፍጸም ዓመጽን ጻውዒት ዘተን

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኒውደልሂ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 10 ሰባት ዝቐተለ፡ ካልኦት 32 ድማ ዘቑሰለን ኣስተንቲኖም፡ እቲ መዓት ኣብ መላእ እስያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘጉልሕ እዩ። "መብዛሕትኡ ግዜ ዓመጽ ካብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን በደል እዩ ዝምንጩ። ዘተ፡ ምርድዳእን ምፍላጥን - ዓመጽ ዘይኮነ - ንሓባራዊ ህይወት ዝመርሕ እዩ። ኣብታ ክርስትያን ውሑዳት ዝኾኑላ እስያ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣማራጺ ኣይኮነን፤ ግድን እዩ። እዚ . . . መገዲ ህይወት እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

25 Nov 2025, 16:59