ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቱርኪ ንዳግመ ምንቕቓሕ መንፈስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቱርኪ ንዳግመ ምንቕቓሕ መንፈስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ 

ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቱርኪ ንዳግመ ምንቕቓሕ መንፈስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ

ጳጳስ ፓውሎ ቢዘቲ ናይ ኣናቶልያ ሓዋርያዊ መስተናብር ነበር ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቱርኪ ከካይድዎ ዝኾነ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቅንስል - Mosaic ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ማሕበርሰብ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቱርኪ “ድሕሪ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዝተገብረ ሓባራዊ ምንቅስቓስን ምድግጋፍን ኣረጊት መናድቕ ምፍልላይ እናፈረስና፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝብሉዎ ዝነበሩ፡ እቲ ዝዓሞቐ መልክዕ ዘተ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት፡ ናይ ሕይወት ዘተ ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት ምዃኑ ርኢና።” ነዚ ዝበሉ ካብ 2019 ክሳብ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጥራይ ናይቲ ብካሪስታ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ቱርኪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ጳጳስ ፓውሎ ቢዘቲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ምትሕብባር፡ ሓደ ካብቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሕሉ ነዊሕ ዓመታት ትርጉም ዘለዎ ክሳብ ሕጂ ብኽብሪ ዝዝክርዎ ተመክሮታት ምዃኑ የረጋግጹ።

ጳጳስ ቢዘቲ ካብ 2015 ክሳብ 2024 ኣብ ኣናቶሊያ ናይ ላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ኮይኖም ዘገልገሉ ነቲ ዞባ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 27 – 30 ሕዳር ኣብ ቱርክን ኣብ ኣንካራን ኢስጣምቡልን ኢዝኒን (ጥንታዊት ኒቅያ) - ንዝኽሪ መበል 1700 ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ምኽንያት ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዳግማይ ንምንቕቓሕ ኣጋጣሚ ከም ዝኸውን የብርሁ።

ካብ ዕለት 27 ክሳብ 30 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክገብሩ እዮም። ናብታ ክርስትያን ውሑዳት ዝኾኑላ ቱርኪ ክበጽሑ እዮም። ብናትኩም ኣርኣእያ እዚ ምብጻሕ እዚ ነቶም ውሑዳት ክርስቲያን ቱርክ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ነቲ መጓሰ ብኣካል ምብጻሕን ቅርበት ሕያዋይ ጓሳ ምቕራብን - ዕላማ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ጉዕዞኣታት እዩ። ቱርኪ ብዘይ መጠን ኣገዳሲት ሃገር እያ፣ ብሰንኪ ሕሉፍ ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነትስ - ክርስትና ከምቲ እንፈልጦ ኣብ ኣንጾክያ፣ ኣብ ኦሮንስ (ኣብ ዘመናዊ ቱርኪ) እዩ ተወሊዱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ጉባኤ ኤቍመናዊ ኒቅያ ከብዕሉ እዮም

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓቢ ኤቍመናዊ ዕድል እውን እዩ። ዝኽሪ ኒቅያ ነቲ ንኣቦታት ጉባኤ ህያው ዝገበረ መንፈስ ዳግማይ ንምንቕቓሕ ክሕግዝ እዩ: እምነት ብሓድሽ ቃላትን ምድባትን ምግላጽ፣ ከምኡውን ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝላበውዎ ዝነበሩ፡ እቲ ዝጥርንፍ ምድላይ እዩ። እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ከም ብሓድሽ ክንጅምሮ ዘለና ዕማም እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መጹ እንታይ ዓይነት ሃይማኖታዊ መልክዕ ከጋጥሞም እዩ?

ቱርኪ ቅንስል (Mosaic) እያ። ፖለቲካዊ እስልምና፣ ባህላዊ ሃይማኖታዊ እስልምና፣ ሱፊያዊ ዋሕዚ፣ ምንቅስቓስ ኣለቪ፣ ኣግኖስቶሳውነት (እግዚኣብሔር ምህላዉን ዘይምህላውን ዝፍለጥ ኣይኮነን ዝብል ፍልስፍና ዝኽተሉ) . . . ከምኡ እውን ውሑዳት ማሕበረሰብ ክርስቲያን እትሓቑፍ ሃገር እያ። ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጒስነታዊ ዕማም ድሩት እዩ፣ ኣብ ቱርኪ ዘሎ ሕግታትን ልምድታትን ቤተ ጸሎት፣ ማእከላት መንእሰያት ወይ ባህላዊ ቦታታት ንምህናጽ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ኩሉ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ቍምስናታት እዩ ዝፍጸም፣ ቅድሚ ሓደ ዘመን ብመሰረት ውዕል ሎዛን ኣብ ዝተመስረታ።

ዕለት 6 ለካቲት 2023 ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ሶርያን ቱርክን 7.8 ሪኽተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ከምዘጋጠመን ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም እዩ ዝፍለጥ። ካሪታስ ቱርኪ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ዋላ’ኳ ዓቢ ጸገማት እንተሃለዎ፡ ሰፊሕ፡ ተወፋይነትን ኣድማዕን እዩ ነይሩ። እቲ ተመክሮ ከመይ ነይሩ?

እቲ ሓቀይና ቍጽሪ ናይቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ዝሕብር ካብ ዝተዋህበ ወግዓዊ ጸብጻብ ኣዝዩ ዝለዓለ ምንባሩ እዩ ዝእመን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ተመዛቢሎም። ሰብኣዊ ድሩትነትና ዘቃልዐ ዘይተኣደነ መዓት እዩ ነይሩ፣ ሳዕቤናቱ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብቶም ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ከቢድ እዩ። ንዓና ከም ካሪታስን ኣብ ካሪታስን፡ ቀልጢፍና ክንዓቢ ዘገደደና ኩነት እዩ ነይሩ - እዚ ክብል እንከለኹ ብዘይ ጸገምን ጌጋን ኣይኮነን። ግን ኣበርክቶና ብምግባርና፣ ምስ ከባብያውን ሃገራውን ትካላት ረድኤት ብምትሕብባር፣ ኣብ ኣንካራ ተጸዊዕና ብወግዒ እውን ምስጋና ከም ኩለን ትካላት ግብረ ሰናይ ዝተወሃበና ኢና። ኣዚና ድማ ተሓጒስና (ግብረ ሰናይ ንኽትምስግን እትፍጽሞ ተግባር እውን እንተዘይኮነ)። ንሕና ተፈላጥነት ረኺብና ፣ ቅድሚ ሕጂ ተፈጺሙ ዘይፈልጥ ነገር፣ ንሰባት ብተወፋይነት፣ ብዘይ ኣፈላላይ ዝሕግዝ ትካል እውን ምዃኑ መስኪርና። እዚ እውን ተራእዩ እዩ። ከም ካቶሊካውያን መጠን፡ ነቲ ካብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ምድሪ ብለጋስነት ዝመጸ ሓገዝ ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል፡ ንእሽቶ ኣበርክቶና ብምግባርና ንሕበን።

ንኣስላም ይኹን ንክርስትያን ብዘይ ኣፈላላይ ዝሕግዝ ዕዮ ካሪታስ ቱርኪ፡ ኣብ ዝምድና ክልቲኦም ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ ድዩ?

ድሕሪ ርእደ መሬት ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ እቲ ኣረጊት ፈላላይ መናድቕ እናፈረስና፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝብሉዎ ዝነበሩ፡ እቲ ዝዓሞቐ መልክዕ ናይ ሓድሕድ ሃይማኖታት ዘተ፡ ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት ዝግበር - ዘተ ሕይወት ምዃኑ ኣርኢና።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ቱርኪ ኣብቶም ኣብ ካሪታስ ቱርኪ ዝሰርሑ ሰባት እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ትብሉ?

ንኹሎም ሰራሕተይናታት ካሪታስ፡ ኣካል ህዝቢ ኣምላኽ ኮይኖም ክስምዖም ዝገብር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ - እዚ ኸኣ ከምቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ወትሩ ዝነብርዎ ንኢየሱስ ብምስዓብ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ኣብ ምግልጋልን ሓልዮትን ሓድነት ዘለዎም ኰይኑ ኺስምዖም እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

11 Nov 2025, 16:39