ሊቀ ጳጳሳት ታንዛንያ፡ ድሕሪ ምርጫ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ 'ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን' እዩ!’ ሊቀ ጳጳሳት ታንዛንያ፡ ድሕሪ ምርጫ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ 'ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን' እዩ!’  (AFP or licensors)

ሊቀ ጳጳሳት ታንዛንያ፡ ድሕሪ ምርጫ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ 'ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን' እዩ!’

ኣብ ታንዛኒያ ናይ ዳር ኤስ ሰላም ሊቀ ጳጳሳት ጁድ ታዴዎስ ርዋኢቺ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ዘጋጠመ ዓመጽ ግዳያትን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ዝተወፈየ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ እቲ ምፍሳስ ደም “ንሓቀይና ወጅሂ ታንዛንያ ዘየንጸባርቕ” ምዃኑ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ብወግዒ ዝተገልጸ ውጽኢት ዘይስሩዕ እዩ ዝብል ዝተራእየ ናይ ተቓውሞ ኣድማ፡ እቲ ቁጽሪ ወግዓዊ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣማኢት ሰባት ከም እተቐትሉ ካብ ታንዛኒያ ዝወጹ ምንጭታት ሓበሬታ የመላኽት። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምእንቲ እቶም ግዳያትን ዝተጎድኡን ኣባይቲ ስድራን እተቕርቦ ጸሎት ትቕጽል ከም ዘላን ናይ ሰበኻ ዳር ኤስ ሳላም ሊቀ ጳጳሳት ጁድ ታዴዎስ ርዋኢቺ ዕለት 9 ሕዳር ምእንቲ እቶም ኩሎም ግዳያትን ኣባይቲ ስድራን መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ናዕብን ሁከትን ነጸብራቕ ሓቀይና ወጅሂ ታንዛንያ ኣይኮነን

ሊቀ ጳጳሳት ታደውስ ርዋኢቺ ነቲ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ህዝብና ቆሲሉ፣ ህዝብና ድማ ክብሩ ስኢኑ” እንክብሉ ድሕሪ ምርጫ ዘጋጠመ ፍጻመታት ኣስሚሮም። እታ ሃገር ኪኖ ክብራ ምጥፋእ፡ “ብዘይ ኣፈላላይ” ዝተቐትሉ ሰባት ከም ዝሰኣነት የጒልሑ።

ይኹን እምበር ሊቀ ጳጳሳት ርዋኢቺ፡ ንናይ ተቓውሞ ኣድማታት ግብረ መልሲ ጥይት ክኸውን የብሉን እቲ ዝረአ ዘሎ ሁከትን ዓመጽን፡ "ንሓቀይና ወጅሂ ታንዛንያ ብፍጹም ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። ዓመጽ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ" እንክብሉ ሞጊቶም፡ ነቲ ኣብቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተነቡ ምንባባት ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ገይሮም፡ ፍትሕን ጥበብን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቃላት እንከስተንትኑ፡ "ታንዛንያ ኣብ ፍትሒ ዝነበራ ራእይ ስኢና ኣላ፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብጹዕነቶም እቲ ብዛዕባ ሰላም ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣማእኪሎም ፍትሒ “መሰረት ሰላም’ዩ” ስለዚ ብዛዕባ ፍትሒ ምዝራብ የድሊ፡ ኩሎም ስም ብጥበብ ዝምርሑ እንተድኣ ኮይኖም ገዛእ ርእሶም ይፈትሹ እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ምጅማር

ብተመሳሳሊ ናይ ዞባ ምዋንጀልዋ ማእከል ከተማ ምቤያ ሊቀ ጳጳሳት ጀርቫስ ጆን ምዋኪክዋብሂላ ንያይሶንጋ ኣብ ቤተ ክርሲትያን ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ  ህልው ኩነታት ሃገሮምን ከምኡ እውን ነቶም በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናዕቢ ኣደዳ ንዝኾኑን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ዝተጎድኡን ስድራቤቶምን ይቕረ ክብሉን ከም ብሓድሽ ክጅምሩን ኣተባቢዖም -  ይቕረ ምባል ምፍራሕ ዘይኮነስ ከም ተባዓት ሰባት ንረብሓ እቶም ህሉዋትን መጻእን ወለዶታትን ነቲ ዝዓነወ ዳግማይ ንምህናጽ ድሉዋት ዝኾኑን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታንዛኒያ ንነፍሲ እቶም ምስ ምርጫ ዝተኣሳሰረ ዓመጽ ዝሞቱ፡ ንዝተጎድኡን ንምጽላይን እቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ንኽርከቡ ሓገዛ ካብ እግዚኣብሔር ንምርካብን ንብረቶም ዝሰኣኑ ንምጽንናዕ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ኩነታቱ ከስተንትን፡ ከምኡ’ውን ካብ እግዚኣብሔር ፈውስን ዕርቅን ክምህለሉ ንምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ከም ዝዓደመት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ሊቀ ጳጳሳት ንያሶንጋ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ትሑታት ክኾኑ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ትሕትና ድኽመት ኣይኰነን የግዳስ ብርታዐ ናይቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ ዚግብኦ ቦታ ኺሕዝ ዝኽእል ሰብ የሎን ቢሉ ናይ ዝኣምን ሰብ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ኩሎም ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ኣብቲ ናይ ቅዳሴ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክጥርነፉ ኣተባቢዖም፡ “ሓዘንተይናታት ዋላ’ኳ ሓዘኖም ከቢድ እንተኾነ ምጽንናዕ ክረኽቡን፡ ዝተጎድኡና ክፍወሱ ዝጠፍኡ ክርከቡ፡ ንብረቶም ዝሰኣኑ ክተባብዑ” ንጸልይ ብህይወት ክሳብ ዘለና ተስፋ ኣሎና” ከም ዝበሉ የመላኽት።

11 Nov 2025, 16:44