ታንዛንያ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት ታንዛንያ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት  (AFP or licensors)

ታንዛንያ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት

ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ብወግዒ ዝተገልጸ ውጽኢት፡ ዘይስሩዕ ምርጫ እዩ ነይሩ ዝብል ዝተለዓዓለ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ዝፈጠሮ ሁከት ዝሃደአ ይመስል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ኣድመይናታትን ሓይሊ ጸጥታን ዘጋጠመ ግጭት ኣማኢት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ 90 ሚታዊ ድምጺ ረኺበ ዝበለት ተዓዊታት ርእሰ ብሔር ሳሚያ ስሉህ ሓሳን ታንዛኒያ ንኻላኣይ ግዜ ንኽትመርሕ ቃለ መሓላ ከም ዝፈጸመትን ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሻቕል ዘሎ፣ ብፍላይ ኣብ ኣባላት ኣድመይናታት ጸረ መግንስቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርቲ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክድዓት ብዝብል ገበን ክኽሰሱ እንከለዉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓያሎ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም እተመሓላለፈ እውን ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ታንዛኒያ ጠቒሱ የመላኽት።

ሁከት ዝመልኦ ኩነታት

ነዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቶም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ታንዛኒያ ኣባ ቻርለስ ኪቲማ፡ ብስልኪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ማዕበል ማእሰርቲ ብቐንዱ ንመንእሰያት ዝጸሉ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ነቲ ሓቀይና ድርኺት ናይቲ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራት ዘይርጉጽነት ይፈጥር ምህላውን፡ "ንማእሰርቲ ዝጥቀሙሉ መዐቀኒታት ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣብ እዋን ማእሰርቲ መሰሎም ይኽበር ድዩ ኣይከበርን ኣይንፈልጥን ኢና። እዚ ጥራይ ኢና ንፈልጥ። ማእሰርቲ ሕጂ እውን ይቕጽል ከም ዘሎ የረጋግጹ።

ቅርበትን ጸሎትን ቤተ ክርስቲያን

ቍጥዐ ናይቶም ገና ፍታሒ ዝጽበዩ ብኣኽበርቲ ሕጊ መማህርቶም ዝተቐተልዎም መንእሰያት ይንዋሕ ይሕጸር፡ መሊሱ ክፈንጀር ከም ዝኽእልን ብንጹር ከም እተዓዘቡ ገሊጾም፡ "ናይ ብዙሓት ካብቶም ዝተቐትሉ ሬሳታቶም ገና ኣይተረኽበን። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ ክርስቲያን መሰላት ህዝቢ ክሕሎን ናይ ህይወት ክብሪ ክኽበር ደጋጊማ ጻውዒት ተቕርብ ከም ዘላ ኣፍሊጦም።

ንጹር መልእኽትታት

ገለ ናይቶም በቲ ዝተፈጥረ ግጭት ዝተቐትሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝፈጸሙ ሊቀ ጳጳስ ሩዋዒቺ ናይ ዳር ኤስ ሰላም ሊቀ ጳጳሳት ይሁድ ታዴዎስ ሩዋዒቺ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ታንዛኒያ ናብ ነባራዊ ሰላም ንኽትምለስ ህጹጽ ፈውሲ የድልያ” ቢሎም፡ ነቲ ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታት ዝወሃብ ምላሽ "ጠያይትን ምቕታልን" ክኸውን የብሉን” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣባ ቻርለስ ኪቲማ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ናይ ታንዛሚያ ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳያት ሰላምን ፍትሕን፡ ዜጋታት ኣብ እዋን ምርጫ መሰላቶም ዝጥቀሙሉ ትኽክለይና ማሕበራዊ ሃዋህው ምፍጣር ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ዘጒልሕ መልእኽቲ ከም ዘውጽአ የመላኽቱ።

ዕርቅን ሰላምን ምዕዋት

“ሕጂ ዕርቂ ንምዕዋት፡ ዘተ የድሊ፡ ኩሉ ሰብ ንጌጋታቱ ኣፍልጦ ብምሃብ ንጸገማት ታንዛንያ ብሓገዝ በርገሳዊ ማሕበረሰብን ቤተ ክርስቲያንን ኣቢላ ናብ ፍትሒ ገጻ ከተብልን ናይ ፈውሲ ጉዕዞ ክትጅምር ተላብዮም ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ እዚ ምሉእ ሓገዛ ከተቕርብ ድልውቲ ምዃና ብምርግጋጽ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።

12 Nov 2025, 15:43