ዘመነ ጾም፦ ጳጳሳት ኬንያ ሰብኣዊ ክብሪ ንምክልኻልን ሓድነት ንምሕላውን ይእከቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያን ሜጥሮፖሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ኪሱሙን ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ሞሪስ ሙሃቲያ ማኩምባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ጳጳሳት ሃገረ ኬንያ መራሕትን ዜጋታትን ንፍትሕን ሰላምን ሓድነትን እንደገና ክዕጠቑ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
እዚ መግለጺ እዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሰበኻ ሎድዋር ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ንጹህ ጽንሰታ ለማርያም ዝተኻየደ ጐስጓስ ዘመነ ጾም ኣብ እተኻየደሉ እዋን ኢዩ ዝነበረ፣ "ፍትሓውን፣ ሰላማዊን ሓድነት ኬንያ ምህናጽ፦ ሰብኣዊ ክብሪ ምድጋፍ " ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መልእኽቲ ድማ ኣመሓላለፉ።
ካብ ትንቢተ ኢሳይያስ 1፡17 ጠቒሶም ድማ — "ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፣ ብቕንዕና ፍረዱ፣ ንጥቑዓ ርድእዎም፣ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሎም፣ ንመበለታት ተጣበቑለን" በሉ፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሙሃቲያ ኣብ መገልጺኦም፣ እቲ ወፈራ መንፈሳዊ ተልእኾን ሃገራዊ ናይ ምንቕቓሕን ጻውዒት ምዃኑ ድማ ገለጹ።
ናይ ጾም ጾም ስጕምቲ ንምውሳድ ዝቐረበ ጻውዒት
ዘመነ ጾም ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዞም ጳጳሳት፣ ንዅሎም ዜጋታት ሃገረ ኬንያ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ዘለዎም ብሕታውን ሓባራውን ሓላፍነቶም ኪምርምሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። እዚ ዘመን ጸሎትን ንስሓን ዕርቅን ምስ ድኻታትን ተነገፍትን ወገናት ዝግበር ጭቡጥ ምትሕብባር እንፍጽመሉ እዋን ምዃኑ ድማ ገለጹ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሙሃቲያ፣ "መጻኢ ሃገርና ኣብቲ ሎሚ እንገብሮ ምርጫታት እተመርኰሰ እዩ፣" ክብሉ እውን ተማሕጸኑ። "ንፍትሒ ካብ ምጕዳል ፍትሒ፣ ንሓድነት ካብ ምክፍፋል፣ ኣገልግሎት ካብ ጥቕሚ ርእስኻ ምድላይ፣ ካብ ግጭት ድማ ንሰላም ክንመርጽ ኣሎና" ክብሉ እውን ተላበዉ።
ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ኮን ዶኾን ዝወርድ ኣይኮነን
እዞም ጳጳሳት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ከም እተፈጥረ ድሕሪ ምጉላሕ፣ እዚ ኸኣ ንክብሪ ተፈጥሮኣውን ኣብ ድርድር ዘይወርድን ይገብሮ ክብሉ ኣመልከቱ። ብዙሓት ዜታት ሃገረ ኬንያ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን፣ ብልሽውናን ዘይምርግጋእን፣ ድሩት ኣገልግሎታት ምርካብን ጸይሮም ይሓልፉ ምህላዎም እውን ኣተሓሳሰቡ።
"ሓንቲ ሃገር ዓብዪ ክፍሊ ህዝባ ብዘይ ተስፋን ዕድላትን ክነብር ከሎ፣ ዕቤት ክትዛረብ ኣይትኽእልን እያ" ብምባል ድማ፣ ምዕባለ ሓቛፍን ኣብ ህዝቢ ዘተኰረን ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ካብ ከፋፋሊ ፖለቲካ ምጥንቃቕ
ቀቅድሚ እቲ ብ2027 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሃገረ ኬንያ፣ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ፣ እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዘነቓቕሕ ምሕጽንታ ዓሌታዊ ምፍልላይን ዓመጽን ዝፍለጥ ቅድሚ ግዜኡ ካብ ዝግበር ወፈራታት ኣጠንቂቖም።
መራሕቲ ደረት ክገብሩሉን ኣብ ኣገልግሎታት ከተኵሩን ተማሕጺኖም፣ ምክፍፋል ዝመልኦ ፖለቲካ ንሃገራዊ ርግኣትን ማሕበራዊ ስኒትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ድማ ኣጠንቒቖም።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሙሃቲያ ወሲኾም፣ "ፖለቲካ ብዋጋ ሃገራዊ ሓድነትን ግላዊ ህርፋን ስልጣንን ምኽንያት ዂናት ክኸውን የብሉን" በሉ።
ምምሕዳርን ተሓታትነትን ግዝኣተ ሕግን
እቲ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ንብልሽውና፣ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ህዝባዊ ሃብቲ፣ ድኹም ናይ ተሓታትነት ሜላታት፣ ከምኡውን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጾር ህዝባዊ ዕዳ ዘጠቓለለ ቀጻሊ ናይ ምምሕዳር ሻቕሎት እውን ጠቒሱ ይርከብ።
እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ስነ-ምግባራዊ መሪሕነትን ሓላፍነት ዝስምዖ ምምሕዳርን ሃገራዊ ሃብቲ ክቕበሉ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ቀረጽ ዜጋታት ናብ ጭቡጥ ኣገልግሎታት ክትርጐም ከም ዘለዎን፣ ቍጠባዊ ፖሊሲ ንማዕርነትን ቀጻልነትን ቀዳምነት ክህብ ከም ዘለዎን ከአ ኣጕሊሖም።
ብተወሳኺውን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ምፍርራህን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እንተላይ ሰላማዊ ኣኼባታትን ቦታታት ኣምልኾን ምቍራጽ ኰኒኖም። ኣብያተ-ክርስትያን ኵሉ ሳዕ ኪኽበር ዚግባእ ቅዱስ ቦታ ከም ዝዃኑ ድማ ብዓጽንዖት መስኪሮም።
ተሳትፎ መንእሰያትን ናይ ምርጫ ድልውነትን
ጳጳሳት ኬንያ ደሞክራስያዊ ምሕዳስ ንምትብባዕ ንመንእሰያት ከም መረጽቲ ክምዝገቡ፣ ኣብ ሲቪላዊ ዝርርብ ክሳተፉን ከምኡውን ናይ መሪሕነት ተራኦም እዋጽኡ ጻውዒት ኣቕሩቦም።
ብተወሳኺውን ፓርላማ እታ ሃገረ ንናይ ምርጫ ተሓድሶ ከቀላጥፍን፣ ናጻ ሽማግሌ ምርጫን ዶባትን ዘተኣማምን ምርጫ ንምክያድ እኹል ምንጪ ከም ዘለዎ ከረጋግጽን ጻውዒት ኣቕሪቦም። ናጻን ፍትሓውን ሰላማውን ምርጫ ንምርግጋጽ፣ ሰፊሕ ናይ መረጻ ትምህርትን ኣብ መላእ እታ ሃገር መስርሕ ምዝገባን ኣድላዪ ምዃኑ እውን ገሊጾም።
እዚ ናይ ካቶሊካውያን ጳጳሳት መልእኽቲ ዘመነ ጾም፣ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ ዝርከቡ ኬንያውያን ፍትሓውን ሰላማውን ሓድነትን ንምርግጋጽ፣ ኣብ ናይ መሪሕነት ባህሊ ሲቪላዊ ተሳትፎን ምምሕዳርን ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ኣርዚኖም ክሓስቡ ተማሕጺኖም።