ጳጳሳት ኤውሮጳ ንግዳያት ውግእን ብምሕባር ምእንቲ ኣብ ዘመነ ጾም ምእንቲ ሰላም ጸልዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ናይ ሎም ዓመት ዘመነ ጾም፣ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መላእ ኣህጉር ዝርከብ "ኣቅላሲያዊ ሰንሰለታዊ ጸሎት" የስፋሕፍሕ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ ምእንቲ ግዳያት ውግእ ንሰላምን ዝጽልዩሉ ኣብ መላእ ኣህጉር ዝርከብ ተበግሶ የስፋሕፍሕ ኣሎ።
ኣብቲ መግለጺ ከም ዘመልከትዎ፣ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ካብ ጐይታ ሰላም ንምምህላል ኣብ ዙርያ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ክትእከብ ከም እምነ ዘላ ገለጹ።
እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤውሮጳ ስሩዕ ናይ ዘመነ ጾም ቈጸራ ዀይኑ ኣሎ፣ እዚ ድማ "ሰንሰለት" ሕብረትን ተስፋን ተመክሮ ክኸውን ኢዩ።
ካብ ምጅማር ዘመነ ጾም ክሳዕ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኣባል ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጵሳት ኤውሮጳ ዝኾነ፣ እንተ ወሓደ ሓደ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ እቶም ብውግእ እተጐድኡ ሰባት ማለት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ "ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘጥፍእን ሰላም" ክብሉ ዝገለጽዎ መንፈስ ጸሎት ክሰርዑ ኣለዎ።
ምእንቲ ሃገረ ዩክረይን ቅድስቲ መሬትን ንዅለን ብዓመጽን ብግጭታትን ዝሳቐያ ዘለዋ ዞባታት ፍሉይ መደብ ጸሎት ድማ ክስርዓለን ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም እዞም ጳጳሳት፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 59 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቶም ንዝበልዎ ቃላት ዘኪሮም።
ቅዱስ ኣቦና "ዘይከኣልን ክንበጽሖ ዘይክእልን ከም ዝዀነ ኣብ ክንዲ እንኣምን፣ ንሰላም ንቀበሎን ኣፍልጦ ንሃበሉን" በሉ። ኣስዒቦም ድማ “ሰላም ሓደ ሸቶ ጥራይ ኣይኰነን፤ ህላወን ጕዕዞን እዩ" ድማ በሉ።
ሎሚ ረቡዕ ኣብ ምጅማር ዓቢይ ጾም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ናይ ሮማ ኣብ ኣቨንቲን ሂል ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ብዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘመነ ጾም ብዕሊ ከፊቶምዎ ይከቡ።
እቲ መሥዋዕተ ቅድሴ ቀቅድሚ እቲ ልማዳዊ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀልን ናይ ንስሓ ዑደትን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኣንሰልም ብምጅማር ኢዮም ዝፈለምዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ለካቲት እውን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴሮስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ናይ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ምስ ኣባላት ኩርያ ሮማና ክሓቢሮም ክሳተፉ ኢዮም።