ናይጀርያ፡ ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተጨውዩ ትሽዓተ መንእሰያት ነጻ ወጺኦም ናይጀርያ፡ ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተጨውዩ ትሽዓተ መንእሰያት ነጻ ወጺኦም  (sodiq adelakun)

ናይጀርያ፡ ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተጨውዩ ትሽዓተ መንእሰያት ነጻ ወጺኦም

ሓይሊ ጸጥታን ናይቲ ከባቢ ንቑሓት ጉጅለታትን ዝተኻየደ ሓባራዊ ስርሒት፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ኣብ ግዝኣት ቤኑዌ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ዮሃንስ ዘጋጠመ ጭውያ ከብቅዕ ከም ዝገበሩን እቶም ተጨውዮም ዝነበሩ መንእሰያት ደሓን ከም ዘለዉን ነዘድሊ ኵለመዳያዊ ክንክን ድማ ንዝምልከቶ ኣካል ከም ዘረከብዎም ዜና ቫቲካን ካብ ናይጀሪያ ዝወጸ ሓብሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ለካቲት 2026 ኣብ ናይጄሪያ ኣብ ግዝኣት ቤኑዌ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተ -ክርስትያን ቅዱስ ዮሓንስ ጸሎት ዋዜማ ዝፍጸመሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እተጨውዩ ትሽዓተ መንእሰያት ዝሓለፈ ቀዳም ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጕጅለታት ብዘካየድዎ ዝተዋደደ ስርሒት ሓራ ከም ዝወጹ ዜና ቫቲካን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይጀሪያ ዝወጸ ሓበሬታ ተወኪሱ ይሕብር።

ሓልዮትን ደገፍን

ግብረኣዊ ኣማኻሪ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቤኑዌ ሶሎሞን ኢዮርፐቭ ዕለት 15 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቶም ዝደሓኑ ተጨውዮም ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣዋልድን ሰለስተ ኣወዳትን ኣብዚ እዋን'ዚ ሕክምናዊ ደገፍን ይረኽቡ ኣለዉ" ከም ዝበለን፡ ናጻ ንኽልቀቁ ዝተተግበረ ስርሒት ከይገለጹ፡ ኣብ ናይጀርያ ዝተጨውየ ናጻ ንኽልቀቕ ጨወይቲ ዝሓትዎ ገንዘብ ምኽፋል ብሕጊ ክልኩል'ኳ እንተኾነ ብዙሓት ዓለምለኻውያን ብዙሕ ግዜ ዝፍጸም ልሙድ ተግባር እውን ምዃኑ የረጋግጹ።

ገና ካልእ ጭውያ

እቲ ዳሕረዋይ ጭውያ ዘጋጠመሉ ዞባ ኣብ ማእከላይ ናይጀርያ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬትን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ንምቁጽጻር ሓረስቶትን ጓሶትን ዘካይድዎ ዓመጽ ዝመልኦ ወጥሪ ዝረኣየሉ ዞባ ምዃኑ ከም ዝፍለጥን እቲ ዞባ፡ ብትውፊት ሸፋቱ ተባሂሎም ብዝፍለጡ ዕጡቓት ጉጅለታት እቲ ከባቢ  ገንዘብ ንምርካብ ዝፍጸም ጭውያታት እናወሰኸ ይከይድ ከም ዘሎን። ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማዕበል ዓመጽ ብሰፊሕ ናይ ዝረኣየላ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ቦላ ቲኑቡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብህጹጽ እዋን ምእዋጅ ነቲ ውሕስነትን ኣልቦ ጸጥታን ዘስዕብ ተግባራት ንምምካትን ገበነይነታት ንምቁጻጻርን ወተሃደራትን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ብፍሉይ ዝተመልመሉ ከዋፍሩ ምዃኖም ገሊጾም ድሒሩ ኣብ ተግባር እውን እንተወዓለ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝድለ ውጽዒት ከም ዘየምጸአ እዩ ዝፍለጥ።

ዶብ ዘይብሉ ዓመጽ

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቦርኖ፡ ናይ ብዙሓት ወተሃደራት ህይወት ንሞትን ማህሰይትን ከቃልዕ ዘኽእል ብእስላማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዘፍሸለ ክሕብር እንከሎ። ኣብታ ማእከል ናይቲ ን17 ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ሽባራዊ መጥቓዕቲ ብዙሕ ዝረኣየሉ ዞባ ቦርኖ፡ ተዋጋእቲ ቦኮ ሓራምን እስላማዊ መንግስቲ ምዕራብ ኣፍሪቃን (ISWAP)  ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ሰላማውያን ዜጋታትን ዝወርድዎ መጥቃዕትታት ክብ እናበለ ይከይድ ከም ዘሎ ይንገር።

17 Feb 2026, 16:04