ኣብ ዶብ እስራኤል እትርከብ ናይ መወዳእታ ክርስትያናዊት ቁሸት፡ 'ብሰላም እትነብር ሊባኖስ ኢና ንደሊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ብሰላምን ቅሳነትን እትነብር ሊባኖስ ኢና ንደሊ፤ ንመንእሰያትና ስራሕ ክንረኽበሎም ንደሊ፤ ኣባይቲ ስድራ ድሕሪ ደጊም ካብ ዓዶም ክወጹ ዝግደዱ ኮይኑ ከይስምዖም ንደሊ።" ምኽንያቱ "ጎይታ ንኹሉ ሰብ ከነፍቅር ምሂሩና እዩ። ኣነ ንኹሉ ሰብ እፈቱ: ሺዓ: ሱኒ: ድሩዝ - ንኹሎም። ግን ዝያዳ ድምጽና ከነስምዕ ግዜኡ በጺሑ ኣሎ፡ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ኣይንደልን" ነዚ ዝበሉ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዶብ እስራኤል እትርከብ ናይ መወዳእታ ቁሸት ርመይኽ ናይ ዘሎ እንኮ ቁምስና ቅዱስስ ጊዮርጊስ ቆሞስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህን ኣባ ቶኒ ኤልያስ ነቲ ብኢራንን ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ለይቲ ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንሊባኖስ ከምዘይምልከት ንዝቐረበ ሓበሬታ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ጽንዓት ርመይኽ
ኣባ ኤልያስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ርማይኽ ቅድሚ ዶብ እስራኤል ዘላ ናይ መወዳእታ ክርስትያናዊት ቍሸት እያ። ኣብ ጥቓ ዶብ ኣይኰንናን፣ ኣብ ዶብ ኢና ዘሎና። ኣብዚ ቦታ እዚ ሰራዊት እስራኤል ድሮ ነቲ ዘለናዮ ቦታ ሓሊፉ ዘካይዶ ዘሎ ወፈራ ይቕጽል ኣሎ እቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ብሓቂ ውርደት እውን ይስምዖ ኣሎ፡
እስራኤል ዕለት 8 ሚያዝያ ንግሆ እቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ተዂሲ ናብ ሊባኖስ ከም ዘይዝርጋሕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣረጋጊጻ እያ። ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ደቡባዊ ኽፋላት በይሩት ከምኡውን ኣብ ምብራቓዊ ስንጭሮ በቃ መጥቃዕቲ ኣየር ኣጋጢሙ እዩ፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ንልዕሊ 100 ማእከላት ኣዛዚ ሂዝቦላህን ወተሃደራዊ ቦታታትን ዘጥቃዐትሉ እቲ ዝዓበየ ማዕበል ደብዳብ ኣየር ምዃኑ እውን ከም ዘረጋገጸት ይንገር።
በዓል ፋሲካ ምብዓል
እዚ እናሃለወ ኣባ ኤልያስ ሕብረተሰቦም ገና በዓል ፋሲካ ከብዕሉ ከምዝኸኣሉ ሓቢሮም፡ "ንጐይታ በዚ ነመስግኖ ምኽንያቱ፡ ሰሙነ ሕማማን በዓለ ፋሲካን ከነብዕሎ ክኢልና። እዚ እዩ ሕመረት ተቓውሞና፡ እምነት፡ ኣብ ጎይታ ምውካልን ንዕኡ ኢድካ ምሃብን። ተስፋ ዘይምቑራጽ - እንታይ ደኣ፡ ኣብ ጎይታ ምውካል። እዚ እዩ ብሓቂ ኣብ ማእከል እዚ ከቢቡ ዘሎ ውሕጅ ውግእን ግጭትን ተጻዋርነት ዘለዎ ህዝቢ ዝገብረና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅርበት ቤተ ክርስቲያንን ኣገደስቲ ድሌታትን
እዚ ምትእምማን እዚ እውን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝረኸቦ ደገፍ ዝእንጸባረቕ ምዃኑ ዝረጋገጹ ኣባ ኤልያስ ኣስዒቦም፡ "ድምጽና ካብ እነስምዕ ኣትሒዝና ቤተ ክርስቲያን ቅርበታን ጸሎታን ካብ ምርግጋጽ ዓዲ ኣይወዓለትን። ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ይኹን ኣብዚ ውግእ ዓቢ ደገፍ ተገይሩ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ንጸሎትን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘለዎ ዓቢ ኣድናቖት ገሊጹ እዩ። ሎሚ ንግሆ ጥራይ ኣብ ሊናኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጅያ ከመይ ከምዘለናን ዘድልየና እንታይ ምዃኑን ብኣካል ተረኺቦም ሓቲቶምና። ኣብዚ ቅንያት እዚ ዝርዝር መድሃኒታት የዳሉ ኣለኹ። መንሽሮ ዘለዎም ወይ ከቢድ ሕክምና ዝገብሩ ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም ኣዝዮም ፍሉያት ወይ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ መድሃኒታት የድልዮም፣ ብዙሕ ዋጋ ዘለዎም ወይ ድማ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ከባቢና ክርከቡ ዘይክእሉ። እዞም ኣገደስትታት እዚኣቶም የድልዩና፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ክግበር ንሓትት።
ነዚ ዝርዝር ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ምስ ካሪታስ ብቐረባ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ፈረሰይናታት ማልታ ክሰድድዎ ይፍትኑ ከምዘለዉ ሓዋርይዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ገሊጾምለይ ኣለዉ - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ “ንሕና ኣብዚ ኣብ ቁምስና ዘሎና ምሉእ ጾር ተሰኪምና ኣሎና፣ ደገፍ ብኸመይ ከም እንረክብ እውን ክንርዳእ ንፍትን ኣሎና። ኣብ ሰላማዊ ተቓውሞና ድማ ጽኑዓት ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።