ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ  

ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ

ብኤሌና ቤካሊ ዝምራሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኤውሮጳ ክሳብ ዕለት 22 ግንቦት ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ዕለት 20 ግንቦት ኣብ ሃገረ ክሮኣሺያ ርእሰ ከተማ ዛግረብ ከም ዝጀመረን እቲ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን’ዚ ንስርዓት መናብርተ ጥበብ ዝጸልው ዘለዉ ዓበይቲ ለውጥታት፡ ማለት ቅልውላው ወሊድ፡ ስነ ኣሃዛዊ ለውጢ፡ ከምኡ’ውን ተቓላዕነት መንእሰያት ወለዶታት ይዝትይ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅልውላው ወሊድ፡ ስነ ኣሃዛዊ ለውጢ፡ ከምኡ’ውን ተቓላዕነት መንእሰያት ወለዶታት ዝብሉ ዛዕባታትም ቀንዲ ናይቲ ኣብ ዛግረብ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ቅዋሜኡ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ፈደራላዊ ካቶሊያውያን መናብርተ ጥበብ ኤውሮጳ (FUCE) ዝክረ ንገር ከም ዝኾነን እዚ ብናይ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዋና ኣመሓዳሪት ኤለና በካሊ ዝምራሕ ናይ ኤውሮጳ ካቶሊካውያን መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓደርቲ ማሕበር - FUCE 61 ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኤውሮጳን ኣስታት 595,000 ተማሃሮ ዝሓቖፈ ኮይኑ - ሓባራዊ ምላሽ ዝሓትት ዝተሓላለኹ ብድሆታት ንምፍታሕ ዘለዎ ተወፋይነት እናወሰኸ ዝኸይድ ኮይኑ በዚ መንጽር እዚ እቲ ዛክይዶ ዓውደ ኣኼባ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቶም ተሳተፍቲ

ካብቶም ዝተሳተፉ ዓበይቲ ኣካላት ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ባህልን ትምህርትን ህየንተ ካርዲናል ጆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፤ ናይ ዛግረብ ሊቀ ጳጳሳት ነበር ካርዲናል ጆሲፕ ቦዛኒች፤ ኣብ ክሮኣሺያን ናይ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ዛግረብ ሊቀ ጳጳሳ ድራዘን ኩትለሻን ኣብ ክሮኣሺያ ናይ ስነ ፍልጠትን ትምህርትን መንእሰያትን  ጉዳያት ሚኒስትር ራዶቫን ፉክስ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ባህልን መራኸቢ ብዙሓንን ኒና ኦቡልየን ኮርዚነክ ይርከብዎም።

እቲ መደብ

እቲ መደብ - ቀንዲ ኣስተምህሮታት፡ ናይ ክቢ ጠረጰዛ ዘተን፡ ዓውደ መጽናዕትታት ብሉጻት ልምድታትን ዕድላት መርበብ ሓበሬታን ዝሓቖፈ - ኣብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ዝጸልዉ ዘለዉ ዓበይቲ ለውጥታት ዘተኮረ ኮይኑ። ዘላቕነት ቀጥዕታት መናብርተ ጥበብ፡ ቅልውላው ወሊድ፡ እደ ጥበባውን ስነ ኣሃዛውን ለውጢ፡ ከምኡ’ውን ተራ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ኤውሮጳዊ ምሕዝነትን ዓለማዊ ስነ ትምህርታዊ መርበባትን ሓዊሱ ሰፊሕ ኣርእስታት ዝድህስስ እዩ። ብፍላይ ኣብ ካቶሊካውያን ትካላት ትምህርቲ ንስነ ትምህርትን፣ ማሕበራውን ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ለውጢ ብኸመይ ምላሽ ክህቡ ከምዝኽእሉ፣ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ውድድር ሃዋህው ንተልእኾኦምን መንነቶምን እሙናት ኮይኖም ክቕጽሉ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘተኩርን ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ካቶሊካዊ ላዕለዎት ማእከላት ትምህርቲ ኣብ ምህናጽ ናይ ሓባር ረብሓ፡ ምምዕባል ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምድንፋዕ ሰብኣዊ ክብርን ክገብሮ ዝኽእል ኣበርክቶ ዝድህስስ ናይ ዘተ መድረኽ ዘጠቓልል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ትምህርታዊ ረባሕታ

ናይ ኢጣሊያ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዋና ሓላፊትን ናይ ኤውሮጳ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ፈደራላዊ ማሕበር ኣደ መንበር ኤሌና ቤካሊ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "መናብርተ ጥበብ ንመተሓላለፊ ሜላታት ወይ ኣምር ጥራይ ዘይኮነስ ንተመኩሮ ፍልጠት እውን ቦታታት ንምዃን ናይ ረባሕታ ለውጢ ሓሳብ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት አለወን፣ በዚ ድማ ባህላዊ ዋጋ ትምህርቲ የጉልሓ - ቢላ ንውጽኢት ናይዚ ሓድሽ ትምህርታዊ ረባሕታ ክዕቅን ዝኽእል ደረጃ የለን፡ እንተኾነ ግን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ጽልዋ ብንጹር ይርአ። ጽንዓት መናብርተ ጥበብ ብፍላይ ድማ ካቶሊካውያን ምስ ዓለማውያን ትካላት ከይተመሳሰላ መንነተን ኣብ ምሕያል ዓቕመን ዝምርኮስ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ክብርታት ዝተመርኮሰ መሰረት ምውድዳር፡ ላዕለዋይ ትምህርቲ ካብ ዕዳጋ ዝመርሖ ጽንሰ-ሓሳብ ምዕቃብ ማለት'ዩ" ትብል።

21 May 2026, 15:39