ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ምድረ በዳ ጅቡቲ ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ምድረ በዳ ጅቡቲ   (AFP or licensors)

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ ዕቝባ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ክብርን ክኽበርን ጻውዒት ኣቕሪቦም

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ፡ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃን፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ኤውሮጳን ኣብ ዝርከብ መስመራት ስደት፡ ከቢድ ሓደጋ ዘጋጥሞም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ዕቝባ ክወሃቦም ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ "መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ ኢዮም እሞ ብጹኣን እዮም" (ማቴ 5፡ 7) ዝብል ቃል ወንጌል ብምጥቓስ፡ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ስደት ናይ ድሕነት እምበር ናይ ምርጫ ጕዳይ ከም ዘይኰነ ኣጕሊሖም።

መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን፡ ደቂ ተባዕትዮን፡ ስራሕን፡ ክብርን፡ ንስድራቤቶም ንምድጋፍ ዘኽእል ዓቕምን ደልዮም፡ ካብ ሃገሮም ይወጹ ከም ዘለዉ መልእኽቲ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ብምጥቓ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ይኹን እምበር ብዙሓት ስደተኛታት፡ ኣብ ክንዲ ዕድላት ዚረኽቡ፡ ምዝመዛን፡ ዓመጽን፡ ዓሚቝ ተኣፋፍነትን የጋጥሞም ኣሎ። እቶም ጳጳሳት ስደተኛታት ኣብ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኪወርዱ ከም ዘይብሎም ኣትሪሮም ምሕጽንታኦም ብምቕራብ፡ እቲ ሰብኣዊ ክብረቶም ወትሩ  ቅዱስ ኰይኑ፡ ብዶባት ወይ ብሕጋዊ ደረጃ ወይ ብቍጠባዊ ስርዓት ኪድምሰስ ከም ዘይክእል ገሊጾም።

እቶም ካቶሊካውን ጳጳሳት፡ ኣብ ንግሥነት ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዘለዉ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዮም ከም ዘሎ ብዝገልጽ ጸብጻባት ዓሚቝ ሻቕሎቶም ገሊጾም። ንሰበ-ስልጣን ድማ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምትታት ደው ኬብሉን፡ ምሕረት ኪገብሩን፡ ቀጥታውን፡ ህጹጽን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ከምኡ ውን ነቲ ስነ-ምግባራዊ ኣድላይነት ምሕረት ብምጕላሕ፡ ፍትሒ ብምሕረት ከም ዘይንኪ፡ የግዳስ ብምሕረት ከም ዝዓቢ፡ እዚ ከኣ ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ዜስግኣሉ ኵነታት ተስፋ ከም ዝህብ ገሊጾም።



ሓደገኛ መገድታት ስደትን ስቓይ ደቂ ሰብን

እቲ ናይ ጕስነታዊ ጻውዒት ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ከቢድ ጸገማት የጕልሕ።

እቶም ብቐይሕ ባሕርን፡ ብየመንን ዚጐዓዙ ሰባት ዓመጽን፡ ምዝመዛን፡ ሞትን ዜምጽእ ሓደገኛ ጕዕዞ የጋጥሞም። ኣብ ሃገረ ሊባኖስ እውን ቀጻሊ ዘይምርግጋእ፡ ንብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ከም ዝኣትዉ ገይርዎም ኣሎ። እዚ ድማ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝቐረበ ጻውዒት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ፡ ዞባዊ ውጥረት ንማሕበረሰብ ስደተኛታት ውሕስነት ከም ዘይህልዎ ይገብር ኣሎ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝለዓለ ናይ ዓሌትነት ዓመጽ፡ ንሕይወትን መነባብሮን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ የእትዎ ኣሎ።

ብፍላይ እቲ ዜሻቕል መገዲ ሱዳን-ሊብያ-ኤውሮጳ ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ ስደተኛታት ምድረ በዳ ኺሰግሩ ክብሉ፡ ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ስራሕ፡ ከምኡውን ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ዝኾነ ብማእከላይ ባሕሪ ይሰግሩ። ብዙሓት በዚ መገድታት እዚ ሕይወቶም ይስእኑ፣ ውሑዳት ግን ናብ ገማግም ላምፔዱሳ ይበጽሑ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ምስክርነት

ቀጺሎም እቶም ጳጳሳት ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቝባን ዘለዋ ነባሪ ተወፋይነትን ኣገልግሎትን ዘኪሮም። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ላምፔዱሳ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ፡ ንዝኽሪ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ዘንበርዎ ዕንባባ ሓያል ምልክት ርሕራሐን ሓድነትን ምዃኑ ሓቢሮም።

ከምኡ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ላምፔዱሳ ክበጽሑ መደብ ከም ዘለዎም ኣብ ግምት ብምግባር፡ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጐድኒ ስደተኛታት ደው ንምባልን፡ ክብረቶም ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ንምክልኻልን ዘለዋ ተልእኾ ቀጻሊ ምዃኑ ሓቢሮም።

ጻውዒት ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ

ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ተመርኲሶም ድማ፡ እተን ዝያዳ ምዕቡላት ሃገራት ነቶም ድሕነትን፡ ውሑስ መነባብሮን ዚደልዩ ደቂ ሰባት ናይ ምቕባል ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ከም ዘለወን ደጊሞም ይገሊጾም (CCC 2241)። ንሓድነትን፡ ፍትሕን፡ ሓላፍነትን፡ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መብጸዓ ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ድኽነትን፡ ሽቕለት ኣልቦነትን፡ ግጭትን፡ ኣከባብያዊ ብከላን፡ ሕጽረት ዕድላትን ዝኣመሰለ ብምጥቓስ፡ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ኣጕሊሖም። ነዚ ጕዳያት እዚ ዕሽሽ ምባል ከኣ ነቲ ቕልውላው ዝያዳ ከም ዘዕብዮ ኣጠንቒቖም።

እቲ ናይ ሓቂ መለክዒ ሰብኣውነትን፡ ስልጣኔን፡ ሓደ ሕብረተሰብ ነቶም ኣዝዮም ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዝርከቡ ኣባላቱ ብኸመይ ከም ዚናብዮም ከም ዝኾነ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እቲ ምሕጽንታ ጳጳሳት፡ ነቲ ናይ ስደት ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ዘተን፡ ምሕረትን ክግበር፡ ጥበብ ከኣ ከም ዘድሊ ጻውዒት ብምቕራብ ይዛዘም።

እቶም ጳጳሳት፡ ንኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን፡ ስድራቤቶምን፡ ነቶም ኵሎም ውሳኔታት ዝህቡ ኣካላትን፡ ኣብ ምሕረትን ሓልዮትን ናይቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብምውፋይ፡ ርሕራሐ ኣብ ልዕሊ ስቓይ ኪዕብልልን፡ ሰብኣዊ ክብሪ ድማ ወትሩ ምእንቲ ኪኽበርን ብጸሎት መልእኽቶም ዛዚሞም።

 

23 May 2026, 12:54