ኢሃብ ሓሰን፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ተሓታትነት የሎን’ ይብል ኢሃብ ሓሰን፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ተሓታትነት የሎን’ ይብል  (ANSA)

ኢሃብ ሓሰን፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ተሓታትነት የሎን’ ይብል

ኣብ ፍልስጥኤም ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢሃብ ሓሰን ንዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ሰፋሮ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ዘየቕጽዕ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ሓድሽ ተበግሶ ‘ክርስትያን ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣድሕን’ ከም ዘነቓቐሐ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ፍልስጥኤማዊ ክርስቲያን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓሰን፡ “እቲ ዘድሊ እቶም ሰፋሮ ብዝፍጽምዎ ዓመጽን መጥቃዕትን ክሕተቱ ኣለዎም እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዓመጽ ክቕጽል ምዃኑ የጠንቀቕ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2025 ዓ.ም. ንኻልኣይ ግዜ  ኣብዚ ሰሙን’ዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ እቶም ሰፋሮ በቲ ዝወሰድዎ ተግባራት “ዝኾነ ሳዕቤን” ከምዘየጋጠሞም ገሊጹ፡ እቲ ኣብ መላእ ፍልስጤም ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝእክብን ዘካፍልን፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሰፋሮ ንመካይን ብሓዊ ብምንዳድ፡ መሳዂቲ ብምስባርን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እታ ከተማ ዝርከብ ዕደና እምኒ ምሕዛእን ሓዊሱ ብዙሓት ተወሳኺ መጥቃዕትታት ሰኒዱ ይርከብ።

እቲ ጉዳይ፡ እቶም ሰፋሮ እቲ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ዘየቕጽዖም ብምዃኑ ብዘይ ምቝራጽ ይቕጽሉ ኣለዉ፡ መንግስቲ እስራኤል ንገለ ካብ ተግባራቶም ክኹንን እንከሎ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ወይ ተሓተትቲ ንፍርዲ ንምቕራብ “ዝኾነ ሓቀይና ስጉምቲ” ኣይወሰደን ይብል።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ 16 ሰባት ተቐቲሎም

እዚ ጉዳይ እዚ ንታይበህ ይኹን ንማሕበረሰብ ክርስትያን ፍልስጤም ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ “ኣብ ስግር ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ካብ ኬብሮን ክሳብ ጀኒን” ይፍጸም ከምዘሎ ሓሰን ገሊጹ፡

ኣብ ሙጋይር ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ዝርከቦም ክልተ ፍልስጤማውያን ብጥይት ተቐቲሎም እዮም፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ብድምር ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እዚ 16 ፍልስጤማውያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።

"እቲ ብሓቂ ነዞም ሰፋሮ ሓይሊ ዝህቦም ዘሎ፡ ስርዓት መንግስቲ እስራኤል'ዩ - ቢሉ - እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ 34 ሓደስቲ ሰፈራታት ይኹንታ ዝህብ ሕጊ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናሕሪ ከም ዘጽደቐ ኣዘካኺሩ፡ እዚኦም ኩሎም ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይሕጋዊ እዩ - ከምኡ'ውን፡ ሰፈርቲ ኣብ ከተማታትን ኣቝሻትን ፍልስጥኤም መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከም "መሰረት" ይጥቀሙሉ ኸም ዘለዉ ሓሰን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት የጒልሕ።

ናይ ምትሕግጋዝ ጻውዒት

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት፡ ሓሰን ዝሳተፈሉ ዘሎ ሓድሽ፡ ክርስትያን ምዕራባዊ ገማግም ምድሓን ውጥን ድርኺት ከም ዝኾነን፡ እዚ ብኣመሪካዊ ኣፍራዪ ፊልምን ገባሬ ሰናይን ጄሰን ጆንስ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ዘይሕጋዊ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጥንታውያን ማሕበረሰባት ክርስትና ቅድስቲ ምድሪ ዘስዕቦ “ህላወኣዊ” ሓደጋ ንምጉላሕ ዝዓለመ ምዃኑ ስሚሮም፡ “ዝኾነ ፖለቲካዊ መርገጺ ኣይንሓትትን ኢና - ቢሉ - ንሕና እንሓቶ ዘሎና ምትሕግጋዝ ጥራይ እዩ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርስትያን ነዚ መጥቃዕትታት ደው ክብል ኣብ ልዕሊ እቶም ተሓተትቲ ጸቕጢ ክገብሩ” ኢና ንሓትት ዘሎና።

ሃሳን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ምስ ሓንቲ ኣብ ጃሉድ ጥቓ ናቡስ እትርከብ ቤታ መጥቓዕቲ ዝወረዶ ስድራቤት ብስልኪ ከም እተራኸበ ገሊጹ፡ "እቶም ሰፈርቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንደገና መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም ኢሎም ከም ዚሓስቡን ነዚ ደው ንምባል ዋላ ሓደ ስጕምቲ ኸም ዘይወሰድን ነጊሮምኒ፡ እንተ ሞይቶም ከኣ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየስተብህለሉ ዘለዎም ፍርሒ ኣካፊሎምኒ ኣለዉ እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

12 May 2026, 16:25