2026.05.13 Fr Nathaniel Asuwaye 2026.05.13 Fr Nathaniel Asuwaye 

ሃገረ ናይጄሪያ፦ ሓደ ተጨውዮም ዝጸንሑ ካቶሊካዊ ካህን፣ ድሕሪ 3 ወርሒ ናጻ ወጺኦም

ኣብ ሃገረ ናይጄሪያ ዝርከብ ካቶሊካዊ ሰበኻ ካፋንቻን፣ እቶም ብዕለት 7 ለካቲት 2026 ካብቲ ኣብ ግዝኣት ካዱና ዝርከብ ቍምስና እተጨውዮም እተወስዱ ክብር ኣባ ናትናኤል ኣሱዋይ ከም እተፈትሑ ኣፍሊጡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 12 ግንቦት ኣብ ዝወጸ መግለጺ፣ ካቶሊካዊ ካህን ክቡር ኣባ ናትናኤል ኣሱዋየ፣ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ጭውያ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብደሓን ስለ ናብ ቤቶም ስለ እተመልሱ "ንኣምላኽ ዓሚቝ ምስጋና" ነቕርብ ክብል የመላኽት።

"ክቡር ኣባ ናትናኤል ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ደሓን ዝኾነ ኩነታት ከም ዘለውን፣ ኣድላዪ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝረኸቡን ክነበስረኩም እንከሎና፣ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓና" ይብል እቲ መግለጺ። "ኵነታቶም ጽኑዕ እኳ እንተነበር፣ ሕጂ ግና ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ኣለዉ፣ ስለቲ ጸሎትኩምን ደገፍኩምን ድማ ነመስፍን።"

ኣብ ካርኩ ኣውራጃ ካውራ ግዝኣት ካዱና ኣብ እትርከብ ቍምስና ደበረ ቅድስት ስላሴ፣ ክቡር ኣባ ናትናኤል ብዕለት 7 ለካቲት ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፣ ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ ብዝፈጸሙ ሰባት፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ድሕሪ ምውራሮም ኢዮም ተጨውዮም ዝወሰድዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፣ በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት ዓሰርተ ምእመናን ተጨውዮም ከም ዝተወስዱን፣ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሰባት ድማ ከም እተቐትሉን ኢዩ ዝሕበር ዘሎ።

እቲ ሰበኻ ከም ዘመልከቶ፣ ነቲ ድሕሪ እቲ ጭውያ ዝነበረ ኣዋርሕ ብምዝካር፣ ነቶም ምእመናንን እዞ ኻህንን ሓራ ምእንቲ ክወጹ ክጽልዩ ብቐጻሊ ኸም ዝተማሕጸንዎም ገለጸ።

"ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዓመታዊ መንፈሳውነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ካልእ መደባት ጸሎትን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነዛ ወርሒ ግንቦት ንኣምላኽ ወፊናያ ነበረ" ይብል፣ እቲ መግለጺ ወሲኹ ድማ፣ "ነቶም ስሙ ዝጾሩን ዝጽውዕዎን ዘይሓድጎም ኣምላኽ ጸሎትና ሰሚዑ ንክቡር ኣባ ናትናኤል ብደሓን ክምለሱ ፈቒዱልና ኣሎ" ድማ ይብል።

ብፁዕ ኣቡነ ጁልየስ ያኩቡ ኩንዲ ምስ ካህናትን ምእመናንን ሰበኻ ካፋንቻን ብምትሕብባር፣ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጽንኩር እዋን ንቤተ-ክርስትያን ዝደገፉ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ንስድራቤት እዞም ካህን ዝተኸናኸኑን ዘጸናንዑን፣ ብጸሎትን ብሓድነትን ንማሕበረሰብ ዘሰንይዎም ሰባት ምስጋናኦም ገሊጾም።

"በዚ መልሲ ዝረኸበ ጸሎትና ክንሕጐስ ከሎና፣ ኣብ እምነት ጽኑዓት ንኹን፣ ከም ሓንቲ ስድራቤት ሓድነት ይሓልወና፣ ንሓድሕድና ድማ ንደጋገፍ" ብምባል፣ ብፁዕነቶም ነቶም ምእመናን ንሓድሕዶም ንቑሓትን ርሕሩሓትን ክዀኑ ኣተባብዕዎም።

ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስግኣት

ብመሰረት ትካል ኣገልግሎት ዜና ፊደስ ዝወጸ መግለጺ፣ ብዛዕባ መጻኢ እቶም ምስ ክቡር ኣባ ናትናኤል እተጨውዩ ዓሰርተ ምእመናን ዝገልጽ ሓበሬታ ግና ገና ኣይተተኽበን ዘሎ።

እዚ ናይዞም ካህን ናጻ ምውጻእ ዝተሰምዓሉ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ ክፋላት ናይጄሪያ ብዛዕባ ጭውያ ካህናትን ተወሳኺ ዘይምርግጋእን ብቐጻሊ ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ፣ ሻቕሎት ኣብ ዝኸበደሉ እዋን ኢዩ ዝተሰምዐ።  ፊደስ ከም ዝሓበሮ እንተ ወሓደ ክልተ ካቶሊካውያን ካህናት ገና ኣብ ጭውያ ከም ዘለዉን - ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2022 እተጨውዩ ክቡር ኣቦ ጆሴፍ ኢግዌጉ ካብ  ሰበኻ ኣጉለሪ ኣብ ግዝኣት ኣናምብራን ከምኡውን ብዕለት 2 ታሕሳስ 2025 እተጨውዩ ክቡር ኣቦ ኢማኑኤል ኢዜማ ካብ ሰበኻ ዛሪያ ግዝኣት ካዱና ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘየሎን የመላኽት።

ኣብ ናይጄሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ብዓመጽን ገበናዊ መጥቃዕትን እተተንከፉ ማሕበረሰባ ህይወት ደቂ ሰብ ንምዕቃብን ሰላም ንምምላስን ጽኑዕ ናይ ጸጥታ ስጕምትታትን ሓድሽ ጻዕርታትን ክግበር ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከተ ኣቕርብ ትርከብ ኣላ።

14 May 2026, 11:27