ጳጳስ ሰበኻ ቶምቡራ ደቡብ ሱዳን ደቂ ሰባት ድልድል ሕውየትን ሰላምን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ ጳጳስ ሰበኻ ቶምቡራ ደቡብ ሱዳን ደቂ ሰባት ድልድል ሕውየትን ሰላምን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ  (ANSA)

ጳጳስ ሰበኻ ቶምቡራ ደቡብ ሱዳን፦ ኵሎም ደቂ ሰባት "ድልድል ሕውየትን ሰላምን" ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም

ጳጳስ ሰበኻ ቶምቡራ ያምቢዮ ሃገረ ደቡብ ሱዳን፡ ብፁዕ ኣቡነ ኤድዋርዶ ሂቦሮ ኩሳላ፡ ንሰበ-ስልጣን መንግሥትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ኵሎም ሕዝብን ኣብ ዘቕረብዎ ዝርርብ፡ ነቶም ካብ ኵሉ ድሕረ ባይታ ንዝመጹ ሰባት "ናይ ምክብባር ዘተን፡ ዕርቕን፡ ሓድነትን ባህሊ ከዕብዩ" ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ሰበኻ ቶምቡራ ያምቢዮ፡ ኣብ ሃገረ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ግዝኣት ምዕራባዊ ኢኳቶርያ "መሶብ እንጌራ ደቡብ ሱዳን፡ ከምኡ ውን፡ ከም መሶብ ሓቢርካ ብሰላም ምንባርን፡ ቀጠልያ ልቢ ደቡብ ሱዳን፡ ናይ እንግዶት ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ናይ ዘተ ሃገር፡ ጻዕራም ሕዝቢ፡ መቕደስ ሰብኣዊ ክብረት" ተባሂላ ትጽዋዕ ከም ዝነበረት ይገልጹ።

እንተዀነ ግን ንዓመታት ዝወሰደ ዓመጽን፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን፡ ቍጠባዊ ጸገማትን፡ ዘይምትእምማንን፡ ካብ መረበትካ ምዝንባልን፡ "ንማሕበራዊ ቅርጽና ጐዲእዎ" ኢዩ ክብሉ፡ ንሰበ-ስልጣን መንግሥትን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖትን፡ ንብምሉኡ ሕዝብን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ገሊጾም።

ብመሰረት ትካል ዜና ቫቲካን ፊደስ፡ ግዝኣት ምዕራባዊ ኢኳቶርያ፡ ካብ ተቃዋሚ ግንባር ሰራዊት ኣምላኽ (LRA) ብዙሕ መጥቃዕትታት ኣጋጢምዋ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ዝተፈላለየ ግጭታት ከም ዘጋጠመ ጸብጻባት ይገልጹ። ይኹን እምበር ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ "ኵለን ናይ ስቅያት ዓመታት" ሓደ ንጹር ሓቂ ጥራይ ከም ዘሎ ኣጕሊሖም። ንሱ ከኣ፡ "ዓመጽ ንማሕበረሰብና ኣየሕወየልናን፣ ጽልኢ እውን ምትእምማን ኣየመለሰልናን፣ ሕነ ምፍዳይ ከኣ ሰላም ኣይፈጠረልናን" ክብሉ ገሊጾም።

ሕይወት ውህበት ኣምላኽ ኢያ

ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ ቀጺሎም፡ “እቲ ናይ ሓቂ ሰላም ብዘተ ኢዩ ዚመጽእ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ነቲ ሓድሕድ ብምክብባር ዚግበር ዘተን፡ ዕርቅን፡ ሓድነትን እንደገና ነሐድሶ። መራሕቲ ከኣ ንማሕበረሰብ ብቕንዕና ክዛረብዎ ኣለዎም" ክብሉ ኣብሪሆም።

ከምኡ ውን ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ፡ ነቶም ኣብ ኵሉ ደረጃታትን፡ ቦታታትን ንዚርከቡ ሰበ-ስልጣን ማለት ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣሕሉቕ ኣብያተ-ክርስትያን፡ መንእሰያት፡ ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ ስድራ ቤታት ኵሎም "ድልድል ሕውየትን ሰላምን" ኪዀኑ ተማሕጺኖም። ኣብ ርእሲ እዚውን "ሕይወት ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝዀነት" ቅድስና ሕይወት ደቂ ሰብ ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም።

ሓደጋታት መራኸቢ ብዙሓን

ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ ኣብ መልእኽትም፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙሓን ክሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ሓቢሮም።  "ሎሚ ሓደ ብሸለልትነት ዝወጸ መልእኽቲ፡ ነቲ ንወለዶታት እተሃንጸ ርክባት ኬበላሽዎ ይኽእል ኢዩ" ብምባል ውን ኣጠንቂቖም። "ቃላት ሓያላት ኢዮም" ምኽንያቱ ክንዲ እቲ ዝሓነጽዎ፡ ኬፍርሱን፡ ከሕብሩን፡ ኪኸፋፍሉን ይኽእሉ ኢዮም።  

ኣብ ርእሲ እዚውን ሓደ ሕብረተሰብ "በቶም ኣብ ውሽጡ ዝርከቡ ሕዝቢ፡ ብቓላትን፡ ብኣረኣእያን፡ ብተግባራትን ገይሮም፡ ብቐጻሊ ብዝተኽልዎ ነገራት" ከም ዝዓብን ከም ዝሕነጽን ገሊጾም። በዚ ምኽንያት እዚ ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ፡ ዘሕብርን፡ ዜኽብርን፡ ጥበብ ዝመልኦ፡ ዜተባብዕ፡ ሓላፍነት ዚስምዖ ቋንቋ ምጥቃም ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ንዅላቶም ናብ ጸሎት ኪምለሱ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ መስፍን ሰላም ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጥምቱ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ሰላም "ኣረኣእያ ይቕይር፡ ተዘክሮታት የሕዊ፡ ምሬት የለሳልስ፡ ንማሕበረሰብ ድማ የሐድሶ" ክብሉ ገሊጾም።

ጻውዒት ንዅሎም ህዝብታት ሰላም

ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ ኣብ ምዕራባዊ ኢኳቶርያ ደቡብ ሱዳን ዝርርብ ንምምዕባልን፡ ሰብኣዊ መሰላት ንምዕቃብን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ብተወፋይነት ክሰርሑ ጸኒሖም። ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ናብ ሓድነት ክምለስ ተማሕጺኖም። "ንፖለቲካውያን መራሕቲ ድማ፡ መሪሕነት ኣገልግሎት ደኣ እምበር ምክፍፋል ኣይኰነን። ንመንእሰያት፦ ብትምህርትን፡ ሕርሻን፡ ምህዞን፡ ንግድን፡ ሰላምን ኣቢልኩም፡ መጻኢኹም ንምሕናጽ፡ ጕልበትኩምን፡ ምስትውዓልኩምን ተጠቐሙሉ”  ክብሉ ምኽሮም ለጊሶም።

ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ድማ፡ "ውሕስነት ሕይወትን፡ ሕውየትን፡ ዕርቅን" ኰይነን ክጐዓዛ ኣብ ተልእኾአን ኣተባብዕወን። ነቶም ባህላዊ መራሕቲ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዘተን፡ ምጽውዋርን፡ ስነ-ምግባራዊ መሪሕነትን ዚርከብ ጥበብ ኪመልስዎ ከም ዘለዎም ተማሕጺኖም። ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ፡ ንኣሕዋቱ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን፡ ብዘይ ፍርህን ቀቢላዊ ምፍልላይን፡ “ሓቅን፡ ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ሓድነትን ኣብ ምዕባይ ጸኒዖም ክጣበቑ” ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ "ንሕዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፡ መንግስትና ኣብ ሓድነትን መጻእን ደቡብ ሱዳን ትብዓት ዝመልኦ ኣበርክቶ ምእንቲ ኽገብር፡ ንምዕራባዊ ኢኳቶርያ ናብ ምሉእ ሰላምን፡ ምዕባለን፡ ብልጽግናን ንምምላስ ብሓባር ንስራሕ” ብምባል ናይ መወዳእታ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

20 May 2026, 12:43