ጳጳሳት ኣመሪካ ንመበል 250 ዓመት ኣዋጅ ናጽነት፣ ንኣመሪካ ናብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ከወፍይዋ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB)፣ ካብ ዕለት 10-12 ሰነ ኣብ ኦርላንዶ ፍሎሪዳ ናይ 2026 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘመነ ጽድያ ከካይዱ ኢዮም።
ከም ክፍሊ ኣኼባኦም፣ እቶም ተጋባእቲ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣባኡ ድማ ንመላእ ሃገረ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ናብ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ከወፍዩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እቲ ናይ ወፈያ ሥርዓት፣ ሓሙስ ዕለት 11 ሰነ ክካየድ ኢዩ፣ እቶም ጳጳሳት ድማ ቅድሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕራጐም፣ ብዛዕባ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝምልከት ኣስተምህሮታት ክካፈሉ ኢዮም።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 250 ዓመት ናይቲ ብዕለት 4 ሓምለ ኣዋጅ ናጽነት እታ ሃገር እተፈረመትሉ ዕለት ክትጽምብል ኢያ።
እዚ ተበግሶ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ድማ፣ ኣብቲ ዝኽሪ ዝሰፍሐ ተሳትፎ ንኼተባብዕ ተስፋ ይግበረሉ ኣሎ፣ ብመስመር ኢንተርድነት ድማ ኣብ ናይ YouTube መስመር ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ ብቐጥታ ክመሓላለፍ ኢዩ።
ቍምስናታት ካቶሊካውያን ውልቀ-ሰባት ኣብቲ ነቲ ወፈያ ንምስንዳው ዝካየድ ናይ 250 ሰዓታት ስግደት ቅዱስ ቍርባንን /ወይ ኣብ 250 ተግባራት ምሕረትን ክሳተፉ ተዓዲሞም ኣለዉ።
ኣብ 2024 እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ብዛዕባ ሰብኣውን መለኮታውን ፍቕሪ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዝገልጽ ዝኣወጅዎ “ውእቱ ኣፍቀረ” (Dilexit nos ) ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ፣ ነቲ መንፈሳውነት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ድማ ከም ብሉጽ መድሓኒት ናይ ዘመናዊ ሕማም ደጋውነት ምዃኑ የጕልሕ።
ሓፈሻዊ ኣኼባ ጳጵሳት ኣብ ዘመነ ጽድያ
ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጵሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘመነ ጽድያ፣ ኣብ ዕለት 10ን 11ን ሰነ ህዝባዊ ኣኼባታት ዘጠቓልል ከካይዱ ኢዩም ይብል፣ እዚ መደባት እውን ብቐጥታ ብመስመራት ኢንተርነት ክመሓላለፍ ኢዩ።
ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ኦክላሆማ ሲቲ ብፁዕ ኣቡነ ፖል ኮክሊ፣ ንህዝባዊ መደባት እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘካፍልዎ መደረ ክኸፍትዎ ኢዮም፣ እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ ኮይኖም ካብ ዝምረጹ ዘካይድዎ ሕዝባዊ መደብ ክኸውን ኢዩ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ጆርዳኖ ካቺያ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ነቶም ጳጳሳት መደረ ከቕርቡሎም ምዃኖም ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።
ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት፣ እንተላይ ብዛዕባ መስርሕ ኣዋጅ ቅድስና ጆሴፍ ፍራንሲስ ቡህን፡ ጆን ሪክ ሚለርን እውን ክዛተዪ ምኾኖም እውም ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።
ኮሚተ ሥርዓተ ኣምልኾ ድማ ብወገኖም፣ ገለ ክፋል ናይቲ ሓድሽ ሕታም ናይ መጽሓፈ ግጻዌን መእተውን ከምኡውን ናይ 2025 ናይ ሮማ መጽሓፈ ቅዳሴን፤ መጽሓፈ ሰዓታትን፣ ስምረት ጳጳሳት ንኽረክብ ከቕርቡሎም ኢዮም።
እቶም ጳጳሳት ብተወሳኺ ምዕባለ ዘድልዮም ረቛሒታት ብምምላእ፣ ነቲ ኣብ ቻርተር ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዘሎ መምርሒታት ምትዕርራይ ንምግባር ክመያየጡ ኢዮም።
ብመሰረት እቲ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ መአረምታ ናይዞም ጳጳሳት፣ "ዓመጽ ንምክልኻልን፣ ንኽስታት ምላሽ ንምሃብን መዋቕር ከም ዝህሉ ንምርግጋጽን፣ ዘለዎም ቀጻሊ ቘራጽነትን" የጕልሕ ኢዩ።
ኮሚተ ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ከም ዝገለጾ፣ እቲ ዝቐረበ ለውጥታት ነቶም ግዳያት ካብ ዓመጻ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት፣ ዘለዎም ተነቃፊነት ምስ ግቡእ መስርሕ መሰላት ተኸሰስትን ከምኡውን ቀኖናዊ ሕጊ ሚዛናዊ ንምግባር ምዃኑ እውን የመላኽ ።
ቤተ-ክርስትያን ናብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት 2027 ኣብ ሴኦል ደቡብ ኮርያ ንምክያድ ኣብ እትቀራረበሉ ዘለአ ድማ፣ እዞም ተጋባእቲ ጳጳሳት ብዛዕባ ተሳትፎ ቤተ-ክርስትያን ኣመሪካ ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበረሎም።
ብተወሳኺ ብዛዕባ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትታን፣ ኪደት ሲኖዶስን ከምኡውን ኣብቲ ኣህጉራት ዘሳትፍ መደብ ጸሎት ታስዕቲ ጓዳሉፓ ንምስታ፣ በዕለት 12 ታሕሳስ ዝጅምር ዘሎ ኣኸዳታት ድማ መደረታት ክሰምዑ ኢዮም።