መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን ንኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል ኣብ ሩስያን ካዛኪስታንን ከዕብይዎ ይጽዕሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን ንኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል ኣብ ሩስያን ካዛኪስታንን ከዕብይዎ ይጽዕሩ  

ምእመናንን መራሕቲ ሃይማኖትን ሩስያን ካዛኪስታንን ንምክልኻል ሕይወት ተወፋይነት አርእዩ

ብዕለት 18 ሕዳር 1920፡ ሶቭየት ሕብረት (USSR) ኣብ ዓለም ብሕቶ ንዝቐርብ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ዝገበረት ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና። ብመሰረት መዝገብ ጆንስተን፡ ኣብቲ ን70 ዓመታት ዝቀጸለ ግዝኣት ሶቭየት፡ ልዕሊ 260 ሚልዮን ምንጻል ጥንሲ ተኻይዱ። እቲ መስርሕ ብሰፊሑ ሕጋዊን ቀሊልን ምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ "ባህሊ ምንጻል ጥንሲ" ንክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብ እዋን ሶቭየት፡" "ምንጻል ጥንሲ ከም ንቡርን ልሙድን መስርሕ እዩ ዝርአ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ብምልእታ ስድራቤት ኣዕናዊ ጽልዋ ኣለዎ። ናብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን፡ ስምዒታዊ ምፍልላይን ዋላ እውን ንዓመጽ ይመርሕ። ስለዚ እዩ ድማ ሎሚ ኣብቲ ድሕሪ ሶቭየት ዝመጸ ዓለም፡ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ—ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ—በቲ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዝመጽእ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ይጽሎ ኣሎ ኢለ ዝኣምን" ክትብል ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ኢሪና ማልትሰቫ ትገልጽ።

ሳዕቤናት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ሩስያ፡ ከም ህዝባዊ መዘራረቢ ዛዕባ ክለዓል ዝጀመረ፡ ኣብ መወዳእታ 1990ታት እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝርርብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሃይማኖታውያንን፡ ስነ-ኣእምሮኣውያን ዓንኬላትን ጥራይ ዝተሓጽረ ነበረ።

ድሕሪ ዳርጋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቀዳሞት ሕጋዊ ስጉምትታት ተራእዮም። ንኣብነት፡ ኣብ 2011 "ናይ ስቕታ ሰሙን" ዝብል ግዱድ ሕጊ ተኣታትዩ—እዚ ድማ ኣንስቲ ኣብ ውሳነአን ክሓስባሉ ዕድል ንምሃብ ተባሂሉ፡ ቅድሚ ምንጻል ጥንሲ ዝግበር ናይ ግድን ናይ ምጽባይ ግዜ እዩ።

መንፈሳዊ ፈውሲ ካብ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ

ካብ መጀመርታ 2000 ኣትሒዞም፡ ዝተፈላለዩ ካቶሊካዊ ማሕበረሰባት "ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል" (Rachel’s Vineyard) ዝተሰምየ፡ መደባት ናይ መንፈሳዊ ሱባኤ ንምድላው ይጽዕሩ ነይሮም። እዚ ካብቲ ብሰንኪ ምንጻል ጥንሲ ዝመጽእ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ንምሕዋይ ዝሕግዝ መንፈሳዊ መንገዲ—ብውልቃዊ ጣዕሳን፡ ኣብ ደጋፊ ከባቢ ኴንካ ብምሕረት ኣምላኽ ብምስትንታን ዝፍጸም ኮይኑ—ብኣመሪካዊት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ተሬዛ ቡርክ ዝማዕበለ እዩ።

ኣብ ሩስያን ካዛኪስታንን፡ እቲ መደብ ብሓባራዊ ጻዕሪ እቶም ንምክንኻን ሕይወት ከም ናይ ሕይወቶም ጸዋዕታ ገይሮም ዝሓረዩ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ምእመናንን ዓቢ ውጽኢት ኣርእዩ ኣሎ።

ኣባላት ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል (እናቴ ስቴላ ኣብ ማእከል)
ኣባላት ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል (እናቴ ስቴላ ኣብ ማእከል)

 “ሕይወት ንምክልኻል ቃል እኣቱ”

ናይ ኢሪና ማልትሰቫ፡ እቲ ናይ ንምክልኻል ሕይወት ዝዓለመ ኣገልግሎታ ዝጀመረ፡ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብክኢላ ስነ-ኣእምሮ አንድሬ ቪንክለር ዝተመርሐ ሰሚናር ምስ ተሳተፈት እዩ።

“ኣብቲ ሰሚናር ንምስታፍ ዝኸውን ገንዘብ ኣይነበረንን፣  ነቶም ናይ ሰበኻ ዓቓቤ መንበር ደዊለ ኩነታተይ ምስ ገለጽኩሎም፡ ንሶም ድማ፡ ‘ሕይወት ንምክልኻል ርእስኺ ክትውፍዪ ቃል እተዊለይ’ ኢሎምኒ። ኣነ ድማ ቃል ኣተኹ” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ።

ምእመናንን መራሕቲ ሃይማኖትን ብሓባር

ኣብ 2018፡ ኢሪና ኣብቲ ብክብር ቲእናቴ ኤም ስቴላ ዊተር (CJD) ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ዳግማይ ዝተመስረተ ናይ “ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል”  ናይ መንፈሳዊ ሱባኤ መደብ ተሳቲፋ። እቲ ናተን ምርኻብ፡ ነቲ ምክልኻል ሕይወት ከም ናይ ሓቂ ጸዋዕታኦም ዝረኣዩ ምእመናንን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሓባራዊ ጻዕሪ መበገሲ ኮይኑ። ሎሚ፡ ኣብ መላእ ሩስያን ካዛኪስታንን ሽዱሽተ ጉጅለታት ብንጥፈት ይሰርሑ ኣለዉ።

ክብርቲ እናቴ ስቴላ፡ "ኣብዘን ሃገራት ገዳማትን፡ ቍምስናታትን ናይ 'ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል' መአከቢ ቦታታት ኮይኖም ኣለዉ" ትብል። "እዚ ድማ ንብዙሕ ናይ መጓዓዝያን፡ ምድላዋትን ጸገማት ፈቲሕዎ እዩ። እተን ገዳማውያት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ንምእመናንን፡ ታሪኽ ሕይወቶምን ኣጸቢቐን ይፈልጣ እየን። ንሰባት ናብቲ ናይ ሱባኤ መደባት ይዕድማን፡ መንፈሳዊ ደገፍ ይህባን።"

ደገፍ ብጸሎት

ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ናይቲ ጉጅለ ኣባል ዝኾነት ክብርቲ እናቴ ኣና ዛካሮቫ፡ "ነፍሲ ወከፍና ብዝተፈላለየ መንገዲ ሰብ ሞያ ኢና" ትብል።

"ኣብ ጉጅለና፡ ናታልያ ፕሮስኩሪና እትበሃል ምእመን፡ ኣማኻሪት ስነ-ኣእምሮ እያ። ንሳ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ልዕሊ ኩሉ እትጽበዮ ነገር ጸሎት ምዃኑ ትነግረኒ።" እቶም ናይ ካርሜላውያን ገዳማት ድማ ንኣባላት "ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል" ከም ፍሉይ ናይ ጸሎት ዕርዲ ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ክብርቲ እናቴ ኤም ኢዳ ኻን (OCD) ብወገና፡ "ኣብ ሩስያ ወይ ካዛኪስታን መዓስ ናይ ሱባኤ መደብ ከም ዝካየድ ወትሩ ንፈልጥ ኢና፡ ብጸሎት ድማ ንድግፎም። ኣብ ካብ ማሕበና ሰለስተ ኣሓት ኣብቲ መደብ ተሳቲፈን ነይረን፤ ንዓና እዚ ፍሉይን ዓሚቕን ተመክሮ እዩ ነይሩ" ትብል።

ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል ንዓና ሱባኤ ምግባር ጥራይ ኣይኮነን ሓቐይና ነፍሳት ናይ ምድላይ ኢዩ
ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል ንዓና ሱባኤ ምግባር ጥራይ ኣይኮነን ሓቐይና ነፍሳት ናይ ምድላይ ኢዩ

"ኵላትና ክሳዕ ክንደይ ዚኣክል ምሕዋይ ከም ዘድልየና"

ኣብ ካራጋንዳ ካዛክስታን እትነብር ቪክቶሪያ ኢሊንስካያ ዝስማ ወለንተይና "ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ስቓይን ምንጻል ጥንስን ሒዘ እየ መጺአ" ብምባል እቲ ጕዕዞ ቀሊል ከም ዘይነበረ ትገልጽ።

"ኣብቲ ናተይ ጕጅለ ሓደ ካህንን፡ ኣሓት ደናግልን ነበሩ። ኣነ ከኣ ስለምንታይ እዮም መጺኦም ብምባል ብውሽተይ ተቃወምኩ። ንሳቶም ምንጻል ጥንሲ ዝገበሩ ኣይኰኑን። ግን ምስ ኵሉ ሰብ ሓቢረ ስቓየይ እናሓለፍኩ ምስ ከድኩን፡ ንብዓት ካልኦት ምስ ረኣኹን ግን፡ ኵላትና ክሳዕ ክንደይ ምሕዋይ ከም ዜድልየና ተገንዘብኩ።"

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጕጅለ ብዛዕባ እዚ ሓባራዊ ተመክሮ እዚ፡ ኣብቲ ስቓይ ዝመልኦ ኣካል ክርስቶስ ከም ዝተሳተፌ ገይሩ እዩ ዚዛረብ።

ኣብ መወዳእታ ዘውጽእዎ ንብዓት

ዕዮ እዘን ጕጅለታት እዚኣተን ካብቲ ሱባኤታት ንላዕሊ እዩ ዚዝርጋሕ። ንሕይወት ንምዕቋብ ዝተወፈየ ሓደስቲ መንፈሳዊ ልምድታት ኣቚሞም ይርከቡ።  መንፈሳዊ ሓልዮት ክረኽቡ ምእንቲ ዘይተወልዱ ሕጻናት ይጽልዩ፣ ምእንቲ ዘይተወልዱ ሕጻናት ናይ ጾምን፡ ጸሎት ፍኖተ መስቀልን መደባት ይሰርዑ፣ ኣብቲ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ዝኾነሉ ዕለት ከኣ ንምሉእ ለይቲ ኣብ ጸሎት ነቒሖም ይሓድሩ።  

ኢሪና ማልትሴቫ "ንብዙሓት ሰባት እዚ ዓይነት ጸሎት እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ከፍስስዎ ዝተፈቕደሎም ንብዓት እዩ ዚኸውን። ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ መብዛኢሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ስድራ ቤት ስቕታ እዩ ዚፍጠር። ሓደ ሰብኣይ ኣብ መደብ ሱባኤ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ናባይ መጺኡ 'ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ይስምዓኒ ኣሎ፤ ልበይ ኪትኰስ ቀሪቡ ኣሎ። እንታይ እዩ ኣጋጢሙኒ ዘሎ?' በለኒ። ኣነ ከኣ 'እዚ ነቶም ብሰንኪ ምንጻል ጥንሲ ዝጠፍኡ ቘልዑ ዜጋጥሞም ስቓይ እዩ፣ ቅድሚ ሕጂ ከኣ ንነፍስኻ ከምኡ ዓይነት ስቓይ ክስመዓ ኣየፍቐድካን’ በልክዎ። ኣብቲ ሱባኤ ምስ በዓልቲ ቤቱ ይሳተፍ ነበረ። ኣብ ግዜ ሱባኤ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ  ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጥቓኣ ኮፍ ኢሉ ኢዳ ሓዛ ። ብሓባር ድማ በኸዩ። እዚ ንብዓት እዚ ከኣ ንሕይወቶም ቀይርዎ” ክትብል ትገልጽ።

"ባህሊ ምንጻል ጥንሲ" ምስዓር

ሚኒስትሪ ጥዕና ሩስያን ካዛኪስታንን ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ቍጽሪ ምንጻል ጥንሲ ነክዩ እዩ።

ይኹን እምበር ነቲ "ባህሊ ምንጻል ጥንሲ" ምስዓር ምእመናን፡ ካህናትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኪመላለስዎ ዘለዎም ነዊሕ ጕዕዞ እዩ።

ሓለፍትን ወንተይናታትን ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል ኣብ ካዛኪስታን
ሓለፍትን ወንተይናታትን ኣታኽልቲ ወይኒ ራሄል ኣብ ካዛኪስታን

 

 

24 Jun 2026, 15:46