2026.06.29 ዓውደ ኣኼባ ካቶሊካውያን መራሕቲ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ታይላንድ 2026.06.29 ዓውደ ኣኼባ ካቶሊካውያን መራሕቲ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ታይላንድ 

ዓውደ ኣኼባ ካቶሊካውያን መራሕቲ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ታይላንድ

መርበብ ታሊታ ኩም ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዘመናዊ ምዝመዛን ንምምካት ትምህርቲ፣ መሰረታዊ ኣመራርሓን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ኣብ ዘስፍሓሉ ዘሎ እዋን፡ ታይላንድ ካብ 23 ሃገራት ዝመጹ ካቶሊካውያን መራሕቲ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ ዕለት 24 – 30 ሰነ ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘአንገደት ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

6ይ ዓለምለኻዊ ሕታም ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዘመናዊ ምዝመዛን ንምምካት ዝዓዪ ማሕበር ታሊታ ኩም ናይ ኣመራርሓ ሕንጸት ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 24 - 30 ሰነ ኣብ ሳምፍራን፣ ምዕራባዊ ሸነኽ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕንጸት ጉስነት ባን ፉ ዋን ካብ 23 ሃገራት ዝመጹ 30 ተጋባእያን ኣሳቲፉ ከም እተካየደ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ታሊታ ኩም (“ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ እብለኪ ኣለኹ”) ዝተሰምየ ዓለም ለኻዊ መርበብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምክልኻል፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ንምክልኻልን ነቲ ሰባት ንምዝመዛ ተቓላዕቲ ዝገብሩ ስርዓታዊ ኩነታት ንምፍታሕን ዝዓይን ዝሃንጽን እዩ።

ብመሰረት ዳሕረዋይ ግምታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 49.6 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዘመናዊ ባርነት ወዲቖም ከም ዝርከቡን፡ ካብዚኦም እቶም 27.6 ሚልዮን ኣብ ግዱድ ስራሕ፡ 22 ሚልዮን ድማ ኣብ ግዱድ መርዓ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ዕጸፋርስን ገበንን (UNODC) ኣብ 2022 ቁጽሪ ናይቶም ዝተረኽቡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ብ25% ዝለዓለ ምዃኑ ዘረጋግጽን፡ ግዳያት ህጻናት ብ31% ከምዝወሰኸን፡ ካብቶም ዝተለለዩ ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን 71% ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ (ILO)፡ ግዱድ ዕዮ ኣብ ዓመት ኣስታት 236 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዘይሕጋዊ መኽሰብ ከም ዘምጽእን፡ ግዱድ ጾታዊ ምዝመዛ ድማ 173.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ወይ ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ናይቲ ጠቕላላ መኽሰብ ከም ዝበጽሕን ይግምት።

ኤሽያን ፓስፊክን ዝኸበደ ጾር ዘመናዊ ባርነት ዝስከማ ኣህጉራት ኮይነን፡ 29.3 ሚልዮን ሰባት ኣብ ምዝመዛ ይነብሩ ከምዘለዉ ይግመት። ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ግዱድ ዕስክርና ዓመታዊ ኣስታት 62 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዘይሕጋዊ መኽሰብ ከምዘምጽእ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ይግምት።

ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ዕጸፋርስን ገበንን (UNODC) ብተወሳኺ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ምስ ናይ ኣብ መስመር (መርበብ) ምትላል ውህደታት ዝተኣሳሰር ቀንዲ ማእከል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምዃኑ ኣለልዩ፡ ብውሑዱ 300,000 ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ መላእ ሚያንማር፡ ካምቦድያ፡ ላኦስን ፊሊፒንስን ኣብ ዝርከባ ማእከላት ምትላል ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ይግምት።

እዞም ገበነይናታት ትካላት ዓመታዊ ካብ 50 ክሳብ 75 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝግመት ኣታዊ ዘምጽኡ ኮይኖም፡ ስርሓት ምትላል ንምስፋሕ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ዓሚቝ ሓሶት ምሉእ ብምሉእ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እተቐየረ ወይ እተፈጥረ ስነ ኣሃዛዊ ትሕዝቶ (ናይ ርእየትን ምስማዕን ወይ ኣሳእልን) እውን ዝጥቀሙ እያቶም፡ ብምዕቡል ዓሚቝ ትምህርቲ ኣቢልካ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንገጽ ኪትክኦ ምንቅስቓስ ኣካላት ኪቕይር ወይ ከኣ ድምጺ ሓደ ሰብ ኣብ ክውንነት ዘይተፈጸመ ነገራት ከም ዚዛረብ ወይ ከም ዚገብር ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እደ ጥበብ እናመዝመዙ ይመጹ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ማሕበር ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ግዳያት ንግዲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሸየጥቲ እንከለዉ ብዝፈጸምዎ ገበናት ከይከሰሱ ንምርግጋጽ ናይ 2025 መምርሒ ናይ መቕጻዕቲ ዘይምህላው መሰረታዊ ሕጊ ኣጽዲቑ ይርከብ።

ብናይ ታሊታ ኩም ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት - ማሕበራት ደናግል (UISG) ዝተዋደደን ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝርከብ ታንጋዛ መንበረ ጥበብን ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀልን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ዓመታዊ ዓለም ሓቆፍ መደብ ህንጸት ኣብ ውሽጢ መርበብ ታሊታ ኩም ንዝርከቡ መራሕቲ ንስርዓታዊ ተቓላዕነት ምላሽ ክህቡ የዳሉ።

ብኮንራድ ኤን. ሂልተን ትካል ዝድገፍ እቲ ድቑል ስልጠና፡ ጽኑዕ ናይ መስመር - መርበባዊ ምድላው ስልጠናን ኣብ ቅጥዒ መሪሕነት ሲኖዶሳውነት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ከምኡውን ኣብ መደብ ውጥን ዘተኰረ ጽዑቕን ጭቡጥን ስነ ኣሃዛውን ዘጣመረ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምትእኽኻብ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጐሊሑ ዝረአ፡ ትምህርቲ ብኸመይ ሓደ ካብቶም ድልዱላት መከላኸሊታት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ ኣቀራርባ ታሊታ ኩም ታይላንድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ተቒሱ የመላኽት።

30 Jun 2026, 16:18