ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮቤል 25 ዓመት ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተፋማርያም
ግርማይ ኣስፍሃ - ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ
ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፡ መጥሮጶሊሳዊ ሊቀ-ጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ ቀዳም 27 ሰኔ 2026 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ጳጳስ ኤጳርቅና ባረንቱ፡ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነማርያም የዕብዮ ጳጳስ ኤጳርቅና ከረን፡ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ኤጳርቅና ሠገነይቲ፡ ምስ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ገዳማትን ሊቃነካህናትን ዝርከብዎም 55 ለባስያን ካህናት ተሰኒዮም፡ ቆሞሳት መላእ ርእሰ-ኤጳርቅና ኣሥመራ ምስ ምእመናኖም፡ ብዙኃት ካህናትን ደናግልን ምእመናን ቍምስናታት ኣሥመራን፡ ከምኡ ድማ ቤተሰብን ፈተውትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብናይ ምስጋና መሥዋዕተ-ቅዳሴ ብሩራዊ ኢዮቤል ሢመተ- ጵጵስናኦምን ቅብዓቶምን ኣኽቢሮም።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣብቲ ድሕሪ ማኅሌት ዘነግህ ዝዓረገ፡ ውዕዉዕ መንፈስ ምስጋና ዝዓዘዞ መስዋዕተ-ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት “ናሁ ሠናይ ወናሁ ኣዳም ሶበ ይሄልዉ እኁው ኅቡረ - እንሆ ሕዝቢ እግዚኣብሔር (ኣኅዋት) ብሓደ ኃቢሮም ኪነብሩ ኣዚዩ ሠናይን ጥዑምን እዩ” ዝብል መዝሙር ቅዱስ ዳዊት ጠቒሶም፡ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ሓቢርና ብምኽንያት እዚ ብሩራዊ ኢዮቤል ንእግዚኣብሔር ከነመስግኖ እንከሎና ናይ ብሓቂ ዘሐጕስ እዩ” ምስበሉ ከምታ ኣመስጋኒት ድንግል እግዚእትነ ማርያም “ተዕብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር” እትብሎ፡ ንሕና’ውን መዓልቲ መጸ ብኹሉ እቲ ሠናይ ዝገበረልና ከነመስግኖ ይግብኣና ኢሎም። ቀጺሎም ብብዝሒ ካብ መዝሙር ዳዊት ዝተወስደ ሓሳባት ምስጋናን ልመናን እናጠቐሱ፣ እዚ ዚስዕብ ቃለ-እግዚኣብሔር ኣስሚዖም።
ብፁዐን ጳጳሳት፣ ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ጳጳስ ዘመንበረ ባረንቱ፣ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ዘመንበረ ከረን፣ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ፣ ጳጳስ ዘመንበረ ሠገነይቲ፣ ኲልኹም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩም ካህናትን ደናግልን ኣኃውን፣ ኣኃትን፣ ምእመናንን። ቅድሚ ኲሉ እንቋዕ ናብዚ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ብድኃነ ሰላም መጻእኩም ክብል እፈቱ። ዳዊት “ናሁ ሠናይ ወናሁ ኣዳም ሶበ ይሄልዉ ኣኅው ኅቡረ” “ኣኅዋት ብሓደ ኃቢሮም ክነብሩስ፣ ኣዝዩ ሠናይን ጥዑምን እዩ” (መዝ 133) ከምዝበለ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ከምዚ ኢልና ኃቢርና ንእግዚኣብሔር ከነመስግን ከሎና ንሱ ይሕጐስ ንሕና ድማ ንባረኽ። ዝተባረኸ መዓልቲ ከኣ ይግበረልና። እዚ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ናይ ኣዴና ማርያም፣ ናትና ምስጋና’ውን እዩ። ነዚ ብተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር ዝፍለጥ መዝሙር ብምዝማራ እግዝእትነ ማርያም፣ ንኲልና እያ ንኣኣ ክንመስል ትዕድመና ዘላ። እዛ ወትሩ ኣመስጋኒት ድንግል፣ ንሕናውን መዓልቲ መጽአ ኣመስገንቲ ክንከውን ተተባብዓና ኣላ።
ነዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ናይ ጵጵስናዊ ኣገልግሎተይ ክሓስብ ከሎኹ፣ ቀዲሙ ዝመጽኣኒ ጥቕሲ ቅዱስ መጽሓፍ መዝሙር 124 ፍቕዲ 1 እዩ። እዚ መዝሙር እዚ ከኣ፣“እግዚኣብሔር ምሳና እንተ ዘይነብርሲ እንታይ ምኾንና ነቢርና? ብዝብል ሕቶ እዩ ዝጅምር። ቀጺሉ ድማ “እስራኤል ምላሽ ይሃብ” እናበለ የተባብዕ። ሎሚ ናተይ መልሲ ብካልእ ጥቕሲ መዝሙር ዳዊት እየ ዝህቦ። መዝሙር 116 ሕቶን መልስን ዝሓዘ መዝሙር ስለዝኾነ ሓጋዚ ኮይኑ ረኺበዮ። “ኣብ ክንዲ እቲ ኲሉ ዝገበረለይ ሠናይስ፣ ንእግዚኣብሔር እንታይ ሞሳ ክመልሰሉ እየ?” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፣ “ናይ ምድኃን መስዋዕቲ ክሥውዕ እየ፣ ስም እግዚኣብሔር ከኣ ክጽውዕ እየ”(መዝ 116:12-13) ዝብል ንጹር መልሲ ይህብ። ኣነ’ውን ምልስ ኢለ ነዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ክርእዮ ከሎኹ፣ ኣብቲ ኲሉ ናይ ውጻእን ውረድን ጒዕዞይ፣ ባዕሉ ልዑል እግዚኣብሔር ከምዘሰነየኒ ርጉጽ እየ። ስለዚ ሎሚ ዝስምዓኒ ስምዒት ናይ ልባዊ ምስጋና ጥራይ እዩ። ከምቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 40 ዝብሎ፣ ደጋጊመ “ጐይታይን ኣምላኸይን ንኣና ዝገበርካዮን፣ ንኣና ዝሓሰብካዮን ዚገርም ሓሳባትን ብዙኅ እዩ፣ ንኣኻ ዝመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን ኣንተደለኹስ፣ ምቚጻሩ ዘይከኣል ብዙኅ እዩ” (መዝ 40:5) ክብል እፈቱ። ምስ እዚ ምስጋና እዚ ግን ንዝተረፈ ሕይወተይ እውን ምስቲ ዘማሪ ኮይነ፣“ንእግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቡ መብጽዓይ ክፍጽመሉ እየ” (መዝ 116:14) ክብል ምደለኹ። ልዑል ኣምላኽ ነዚ መብጽዓይ ክፍጽም ከኽእለኒ ከኣ ምሳኻትኩም ኮይነ እልምኖ።
መዛሙር ዳዊት ናይ ሕወትና መስትያት እዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስለንን። ብሓቂ ከኣ፣ ዝኾነ ሰብ፣ ኣብ ሓጐስ ኮነ ኣብ ሓዘን፣ ኣብ ውዑይ ኮነ ኣብ ዝሑል፣ ኣብ ቀሊል ኮነኣ ኣብ ከቢድ ኲነታት ተረኺቡ ብመዝሙር ዳዊት ንዘለዎ ኲነትን ስምዒትን ዝገልጽ ጸሎት ከፍስስ ይኽእል እዩ። መዛሙር ዳዊት ንኣምልኾን ውዳሴን፣ ንምስጋናን ዕልልታን፣ ንልመናን ንንስሓን ዝኸውን ሀብታም ትሕዝቶ ዘለዎ በቲ ሓደ ወገን፣ ቃል ኣምላኽ፣ ቃል ሕይወት እዩ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንኣና ዘደንቕን መሃርን ቤት ትምህርቲ ጸሎት እዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና። መዝሙር 136 እንተወሰድና እውን፣ ብምሉኡ ናይ ውዳሴን ምስጋናን መዝሙር እዩ። ከራሪ ንኲሉ ተግባራት እግዚኣብሔር ክዝርዝር ከሎ ተቐበልቲ ከኣ “እስመ ለዓለም ምሕረቱ፣ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ” እናበልና ንምልስ። ብሓቂ ከኣ ምሕረት እግዚኣብሔር ወሰን የብሉን።
ኣምላኽና፣“ዘይክል ኲሎ ኣልቦ ዘኢሰኣኖ”፣ ኲሉ ዝኽእል፣ ዝሰኣኖ ዘይብሉ ስለዝኾነ፣ ንሱ ዘይደለዮ፣ ንሱ ዘይፈቐዶ፣ ንሱ ዘይደገፎ፣ ዝኾነ ጽቡቕ ነገር ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዝጠቐስኩዎ መዝሙር ከኣ በተን ቀዳሞት ሠለስተን በታ ናይ መበል 26ን ፍቕድታትን ጥራይ ንኲሉ ገሊጹዎ ይርከብ። ሎሚ’ውን ኩልና ኃቢርና፣ “እግዚኣብሔር ሰናይ እዩ እሞ ኣመስግኑዎ፣ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ። ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግኑዎ፣ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ። ንጐይታ ጐይቶት ኣመስግኑዎ፣ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ። ዓበይቲ ተኣምራት ዚገብር ንሱ በይኑ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ”። ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግኑዎ፣ ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ” (መዝ 136:1-3. 26)፣ እናበልና ከነምልኾን፣ ክንውድሶን፣ ከነመስግኖን እዩ ዝግብኣና።
መዝሙር 138 እውን ኣዝዩ ዘገርም ጸሎት እዩ። ብወገነይ፣“ኦ እግዚኣብሔር ብምሉእ ልበይ ኣመስግነካ ኣሎኹ፣ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ከኣ መዝሙር ምስጋና እዝምረልካ ኣሎኹ። ቃልካን ስምካን ዓቢይ ከምዝኾነ ኣርኢኻ ኢኻ እሞ፣ ናብ ቅዱስ መቅደስካ ኣቢለ ክሰግድ፣ ንስምካውን ስለምሕረትካን ሓቅኻን ኢለ ከመስግኖ እየ” እናበልኩ ልባዊ ናይ ኣምልኾን ምስጋናን ጸሎተይ ከዕርግ እዩ ድልየተይ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ብዘይጥርጥር፣ ተኣማሚነ፣“ምስ ጸዋዕኩኻ መለስካለይ፣ ብኃይልኻ፣ ኣበርታዕካኒ” ክብሎ ክኢለ እየ። ከመይ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት“ብማእከል መከራ እኳ እንተ ከድኩ፣ ንስኻ ትሕልወኒ፣ ንዂራ ጸላእተይ ትቃወሞ፣ ብኃይልኻውን ተድኅነኒ”፣ ዝብል እመነት ብጣዕሚ እዩ ሓጊዙኒ። ሕጂ’ውን እንተኾነ፣ “ኦ እግዚኣብሔር ንተስፋታትካ ክትፍጽመለይ ኢኻ፣ ምሕረትካውን ንዘለዓልም እዩ። ንፍጡርካ ኣይትኅደጎ” ዝብል ልመናን እምነትን እዩ ዘሎኒ።
ቅድሚ ወንጊል ሠራዒ ካህን ናብ ርባዕተ መኣዝን ምድሪ እናባረኹ ዝደግምዎ ጸሎት ከምዚ ይብል፣ “እግዚኣብሔር ልዑል ይባርክ ላዕለ ኲልነ፣ ወይቀድሰነ በኲላ በረከት መንፈሳዊት፣ ወይረሲ በኣተነ ውስተ ቤተክርስትያኑ ቅድስት፣ ኅቡረ ምስለ መላእክቲሁ ቅዱሳን እለ ይትቀነዩ ሎቱ ወትረ በፍርሀት ወበረዓድ፣ ውይሰብሒዎ በኲሉ ጊዜ ወበኲሉ ሰዐት፣ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም ኣሜን”- ልዑል እግዚኣብሔር ንኲልና ይባርኸና፣ ብኲሉ መንፈሳዊ በረኸት እውን ይቀድሰና፣ ናብ ቅድስቲ ቤተክርስትያኑ ምእታውና ከኣ፣ ውትሩ ምስቶም ኲሉ ጊዜን ኲሉ ሰዓትን፣ ብፍርሃትን ብራዕድን ዘገልግሉዎን ዘመስግኑዎን ቅዱሳን መላእኽቲ ይግበረልና። መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ መላእኽትን ምስ ቅዱሳንን ኃቢርና እነዕርጎ መስዋዕተ ምስጋና ስለዝኾነ፣ ብሓጎስን ብመንፈሳውነትን ንቀጽሎን ንፈጽሞን። ብኣማላድነ ኣዴና ማርያምን ኲሎም መላእኽትን ቅዱሳንን ዘድልየና ጸጋን ቡራኬን ክንረክብ የኽእለና። ነቶም ብሞት ንዝቐደሙና ወለድን ኣኅዋትን ኣኃትን መላእ ቤተሰብን፣ ጳጳሳትን፣ ካህናትን ደቂ ማኅበርን ደቂ ርእሰ-ኤጳርቅናን ክንዝክሮም ጽቡቕ እዩ።
ከም እንፈልጦ እዚ ናይ ሥርዓት ግእዝ መንበረ ጵጵስና እዚ ብኣይ ኣይተጀመረን። ብ1930 ብጹዕ ኣቡነ ኪዳነ ማርያም ካሳ ካብ ዝኸፍቱዎ፣ ኣቡነ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ፣ ኣቡነ ኣሥራተ ማርያም የምሩ፣ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ፣ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፣ ዘጽንሑለይ መንበር እዩ። እዚ መንበር እዚ ሠለስተ ካልኦት መናብር፣ ማለት መንበረ ባረንቱ፣ ንመንበረ ከረን፣ መንበረ ሰገነይቲ እውን ፈርዩ እዩ። ኣብዚ መንበር እዚ ኣነ መበል ሻዱሻይ ኣገልጋሊ እየ ዝኸውን ዘሎኹ። ደጊም ኣነውን ዝትክኡኒ ጳጳስ ቀልጢፎም ክመጹ እየ ዝጽሊ ዘሎኹ። ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ነፍስ ወከፍና አእጃምና ንገብር ዝተረፈ ከኣ ድሕሬና ዝመጹ ይምልእዎ። ነቶም ቅድመይ ዝሓለፉን ዝሰርሑን ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክምነየሎም ከሎኹ ነቶም ድሕረይ ዝመጹ ከኣ ኣምላኽ ኣኻእሎን ጥበብን ኃይልን ክህቦም እጽሊ።
ኣብዚ ናይ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጒዕዞይ ግን በይነይ ኣይነብርኩን። ብጸሎትኩም፣ ብምኽርኹም፣ ብሓሳብኩም፣ ብጒልበትኩም፣ ስለዘሰነኹምኒ፣ ኣብ ገለ ጊዜ ከኣ ስለዝበዳህኩምኒ’ውን፣ ንኲልኹምም ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ውፉያት፣ ምእመናን፣ ናእሽቱ ምስ ዓበይቲ፣ መላእ ቤተሰብን ፈተውትን፣“ንእግዚኣብሔ ምሳይ ኮይንኩም ኣዕብዩዎ፣ ንስሙ ኃቢርና ልዕል ነብሎ “(መዝ. 34:3) እናበልኩ ምስ ልባዊ ምስጋና ክዕድመኩም ፍቐዱለይ። ብፍላይ ከኣ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣክህነትን ሰብ ውፉያትን፣ መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኲልኹም ምእመናንን ርእሰ-ኤጳርቅና ኣሥመራ፣ በቲ ሰበኻ ኣሥመራ ከም ሓንቲ ሥምርቲ ስድራ ዝብል ጭርሖና፣ ኦ ጐይታ ኣብ መኣድኻ ከምእንኃብር ግበረና ዝብል ጸሎትናን ኣብ ስራሕ ስብከተወንጌልን ግብረ-ኣምልኾን ምሕደራን ብትዕግስትን ብትግሃትን ዝተሓባበርኩምንን ዝጾርኩምንን ብልቢ ኣመስግነኩም። ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎኹም ካህናትን ደናግልን ምእመናንን እውን ከይዘከርኩዎም ክሕላፍ ኣይደልን። ኣካል ናይ ቤተክርስትያንና ስለዝኾንኩም ኣብ እመነትኩምን ሥርዓትኩምን ጸኒዕኩም ክትነብሩ ባዕላ ኪዳነ ምሕረት ትሕግዝኩም። ጻማኹም ካብ መድኃኔ ዓለምን ካብታ ፍቅርቲ ወላዲቱን ርኸቡዎ። ብወገነይ ድማ ምስታ ኪዳና ዘይውዳእ ፍቅርቲ ኣደይ ኪዳነ ምሕረት ኮይነ፣ እቲ ኲሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ገቢሩለይ እዩ እሞ፣ ስሙ ቅዱስ እዩ” (ሉቃ 1:49) ብምባል፣ ንኣምላኸይ “ኲሉ መዓልቲ ከመስግነካ እየ፣ ንዘለዓለም ዓለም“(መዝ145:2) እብሎ ኣሎኹ። ኣብ ትሕቲ መድኃኔ ዓለምን ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን፣ ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳንን፣ ተብዓት ሰበኽቲ ወንጌል ጳጳሳትን፣ ብእማላድነቶምን ብኣብነቶምን ኣብዚ ናይ ጉስነት ኣገልግሎተይ ፍሉይ ተራ ኣለዎም ክብል እኽእል። ንሳቶም ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስን፣ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒን እዮም። ንግሆ ንግሆ ከስንዩንን፣ ከማልዱለይን እልምኖም እየ።
እዚ መዓልቲ ምስጋናን ኅውነትን ዕውት ምእንቲ ክኸውን ንዝመደብኩምን ከይተሓለልኩም/ክን፣ ኣብ ስነጽሑፍ፣ ሥርዓተ ኣምልኮ፣ ማኅበራዊ ኣገልግሎት ንዝሰራሕኩምን ዝሰራሕክንን ካህናት ውፉያት ኣዴታት ኣቦታት መንእሰያት ምእመናን ብልቢ ከመስግነኩም እፈቱ። ጻማኹም ካብ መድኃኔ ዓለም ርኸቡዎ፣ ጽላልን ኣማላድነትን ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ከኣ ኣይፈለኹም ክብለኩም እደሊ። እግዚኣብሔር ንቤተክርስትያንናን ንሃገርናን ይባርኽ፣ ብጠለ ዝናሙ ይተዓረቐና፣ ሓቀይናን ነባርን ሰላም ይዓድለና። ኣሜን።
ኣብ ምዝዛም መስዋዕተ-ቅዳሴ፡ ንታሪኽ ሕይወቶምን ኣብዚ 25 ዓመት ዘመነ ጵጵስናኦም ዝገበርዎ ኣገልግሎት እውን ዝምልከት ብክቡር ኣባ ቶማስ ነጋሽ ብሰፊሑ ተገሊጹ።
“ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ቁጸር፡ ድምሩ ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ። ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብመዓልቲ ኅድገት ኃጢአት፡ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። ነታ መበል ኃምሳ ዓመት ቀድስዋ፡ ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ኩሎም ከኣ ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም። ዝኾነ ዝተሸጠ ንብረት ናብ ናይ ቅድም ዋናኡ ይመለስ። ከም ባርያ ዝተሸጠ ሰብ ድማ ናብ ስድራኡ ይመለስ። . . . እዚኣ ዓመት እልልታ ስለ ዝኾነት ቅድስቲ ትኹነልኩም።” (ዘሌ 25፡8-12)።
ኣብዚ ቅዱስ መጽሓፋዊ ትምህርቲ ዓመተ ኢዮቤል ተሰሪቱ፡ ኣብ ቤተክርስትያንና ናይ 25፡ 50፡ 75 . . . ዝኽሪ ኢዮቤላት ብምግባር ንእግዚኣብሔር ምምስጋንን፡ ምስ ገዛእ ርእስኻን ስራሕካን ምትሕስሳብን ዝውቱርን ልሙድን ነገር ኢዩ። ሎሚ ድማ ጸጋ እግዚኣብሔር ረዲኡና ነዚ ብሩራዊ ኢዮቤል ዓመታት ጵጵስና ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ እንከነኽብር፣ ማዕረኡ ድማ ነቲ በዚ ዓመታት ዝተኻየደ መደብ ስብከተወንጌል ንኽንግምግምን፡ ናይ መጻኢ መደባት እውን ንኽንውጥንን ንርከብ ኣሎና። ቅድሚ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይኹን። ከምኡ`ውን ነዞም ነዚ 25 ዓመታት ንቤተክርስትያንን ንኣምላኽን ንምግልጋል ሕራይ ዝበሉን እሙን ኮይኖም ዝተረኽቡን ብፁዕ ሊቀጳጳሳት እንቋዕ ኣመጐሰኩም ንብል።
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ካብ ነፍስኄር ተስፋማርያም ወልዱን ካብ ነፍስኄሪት ወለተኢየሱስ ሰቛርን ብወርኂ ታሕሳስ 1948 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዓዶም በራቒት ዓባይ ተወልዱ። ንሶም ካብ ኣኅዋቶም ታሽዓይን ሕንሳስ ልደን እዮም።
ድኅር`ቲ ኣብ ዓዶምን ቁስምስናኦምን ዝረኸብዎ ዓመታት መባእታዊ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ኩስኰሳ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ብዕለት ዝኽሪ ኣቡነ ዳንኤል ኮምቦኒ ብ10 ጥቅምቲ 1963 ኣብ ንኡስ ዘርኣ-ክህነት ማኅበር ኮምቦኒ ኣብ ደቀምሓረ ኣትዮም ክሳዕ ዓሥራይ ክፍሊ ድኅሪ ተማሂሮም፤ ብ1969 ድማ ናብ ኮምቦኒ ኮለጅ ኣሥመራ ኃሊፎም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ብዓወት ዛዚሞም። ድኅሪ’ዚ ናይ ክልተ ዓመት ተመኲሮ ኪገብሩ ስለዝነበሮም፣ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ኣብ ኣዋሳ (ሲዳሞ-ደቡብ ኢትዮጵያ) ፈጺሞም ብበዓል ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዮስጢኖስ ብ25 ሰነ 1973 ዓ.ም.ፈ. መጀመርያ መብጽዓ ገበሩ። (ልክዕ ቅድሚ 27 ዓመት ናይ’ታ ንጵጵስና ዝተሸሙላ ዕለት ማለት’ዩ፡ ሎሚ ከኣ ልክዕ 52 ዓመታት ኮይኑ ማለት ኢዩ)። ብድኅር`ዚ ካብ1973 ክሳዕ 1975 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኣሥመራ ትምህርተ ፍልስፍና፣ ካብ የካቲት 1975 ክሳዕ ታሕሳስ 1978 ድማ ኣብ ዩጋንዳ ትምህርተ-መለኮት ወዲኦም ብ15 መጋቢት 1978 ዓ.ም.ፈ ብዓቢይ መብፅዓ ናብ ኣምላኽ ተወፈዩ። ብ23 ሚያዝያ ናይቲ ዓመት ከኣ መዓርገ ዲቁና ለበሱ። ብ18 የካቲት 1979 ዓ.ም.ፈ. ድማ ኣብ ውሽጢ ገዳሞም ማኅበር ኮምቦኒ ኣሥመራ ምስ ክልተ ብጾቶም ኣባ ተስፋጊዮርጊስ ሃይለን ኣባ ተስፋማርያም ገብረክርስቶስን ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ መዓርገ ክህነት ሰበሱ።
- ብድኅር`ዚ ክህነታውን ሚስዮናውን ተልእኾኦም ብኸምዚ ዝስዕብ ፈጸሙ፡
- ንሠለስተ ወርሒ ኣብ ዓዶም በራቒት ዓቢይ፡ ኣብ ምምሃር ትምህርተ ክርስቶስን፡ ምኹስኳን መንእሰያትን፣
- ካብ ወርሒ ሓምለ 1979 ጀሚሮም ንሠለስተ ወርሒ ኣብ ጠቕላሊ ጉባኤ ማኅበር ኣብ ሮማ ተሳቲፎም፣
- ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 1979 ክሳዕ 1985 ኣብ ዩጋንዳ ፍሉይ ስሙ “ካራሞጃ” ዝበሃል ሚስዮን፡ ኣብ ኣገልግሎት ቁምስና፡ ምርዳእ ጥሙያት ኣብ ጊዜ ዓጸቦ፡ ኣብ ሰበኻዊ ኮሚቴ ትምህርተ መለኮትን፡ ትምህርቲ ክርስትናን፡ ሥልጠና መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ብዓቢይ ተጸምዶን ትግሃትን ኣገልግሉ፣
- ካብ 1985 ክሳዕ 1990፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተቐይሮም፣ ናይ ማኅበሮም ጸሓፊ (ሰክረታሪ)፡ ኣብ ተቅዋመ ሥነመለኮትን ወ ትምህርተ ፍልስፍና ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ጉለሌ ከም መምህር፡ ሓለቓ ፖስቱላንት ደቂ ማኅበር፣ ማዕረ ማዕረኡ ድማ ኣብ ቁምስና ደብረ መድኃኔ ዓለም ብሓገዝ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝነኣድ ጊዜ ኣሕለፉ። ካብቶም ምስ መሳርሕቶምን ብጾቶምን ብምዃን ዝመሃርዎም ብዙኃት ኣብ ክህነት፡ ገለ እውን ኣብ ጵጵስና ዝበጽሑ ኣለዉ (ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ፍቅረ ናይ ሰበኻ እምድብር ጳጳስ፣ ብፁዕ ኣቡነ ተሥፋስላሴ ታደሰ ሊቀጳጳሳት ናይ ኣዲስ ኣበባ ክንጠቅስ ንኽእል) ።
- ካብ 1990 ክሳዕ 1996 ኣብ ቺካጎ፡ ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ ማኅበሮም መጀመርያ ከም ተሓጋጋዚ ደሓር ግና ከም ሓለቓ ሰብ መብጽዓ ተማሃርቲ ብምዃን ከቢድ ኣገልግሎት ኣወፈዩ። ማዕረኡ ድማ ብ ፓስቶራል ቲዮሎጂ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርቶም ዛዘሙ። ኣብዚ ጊዜ`ዚ ኣብ ቺካጎ ኮነ ኣብ ከባቢ ሳን ፍራንሲስኮ ንዝነበሩ ካቶሊካውያን እውን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብሥርዓቶም ክረኽቡ ዝከኣሎም ሰሪሖም ኢዮም።
- 1997 ዓምፈ ዓመተ ኣስተንትኖን ዕረፍትን ክትኮነሎም ስለዝሓተቱ፡ ኣሕሉቖም ምስ ፈቐዱሎም ኣብ “School of Applied Theology ኦክላንድ-በርክሊ ካሊፎርኒያ፡ ዕረፍትን መንፈሳዊ ሕንጸትን ዝረኸቡላ ዓመት ኮነት።
- ካብ ነሓሰ 1998 ጀሚሮም ክሳዕ ሰነ 2001 ዓ.ም.ፈ ኣተሓባባሪ ናይ ሰበኻ ኣሥመራ ሓዋርያዊ ግብረ-ተልእኾ ኮይኖም ብተወፋይነት ሠሪሖም። እቲ ብብዙኅ መዳያቱ ንመንፈሳዊ፡ ጉስነታውን ምሕደራውን ሸነኻት ሰበኻ ኣሥመራ ኣብ ምሕዳስ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ ቀዳማይ ሰበኻዊ ሲኖዶስ ኣብ ምክያድ ድማ ብላዕለዋይ መሪሕነትን ቡራኬን ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ተዲግፎም፡ ከም ዋና ኣንቀሳቓሲ ኮይኖም ተረኽቡ።
- ብ25 ሰነ 2001 ዓ.ም.ፈ. ንበዓል ጥዑም ዝኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ብምትካእ ጳጳስ ሰበኻ ኣሥመራ ክኾኑ ብቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ተሰምዩ። ብዕለት 16 መስከረም 2001 ድማ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት፡ ብሰብ ጽቡቕ ዝኽሪ ኣቦታት፡ ቀባኢ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ተሓጋገዝቲ ቀባእቲ ብፁዓን ኣቡነ ሉቃስ ሚለዚን ኣቡነ ተስፋማርያም ብድሆን ማዕርገ ጵጵስና ተቐቢኦም መንበሮም ተረኪቦም።
ብ19 ጥሪ 2015፡ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊዊት ቤትከርስትያን፡ ናብ ደረጃ መጥሮጶሊሳዊት ርእሰ ምሕድርቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝደየበትሉ፡ ቀዳማይ መጥሮጶሊሳዊ ሊቀጳጳሳት ብምዃን ከገልግሉ፡ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ተሓርዩ።
ሎሚ ድኅሪ 25 ዓመታት ሲመተ ጵጵስናኦም ኣብዚ ጊዜ ምሥጋና ኮይንና ብመንጽር እቲ `ክርስቶስ ጐይታ` (Christus Dominus) ዝተሰምየ ብዛዕባ ተልእኾ ጳጳሳት ዝዛረብ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንዓመታት ኣገልግሎት ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም እንክንርእዮ፡ ብዝተኻእለ መጠን ነተን ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልወን ሠለስተ ተልእኾታት ብዝግባእ ከንጸባርቕ ዝኸኣለ ኮይኑ ንረኽቦ። ካብ ብዙኅ ሒደት ክንጠቅስ እንተኾይንና፡ -
ንትምህርቲ ዝምልከት፡ ብቐጻሊ ሠለስተ ጊዜ ኣብ ዓመት ዝወጽእ ጉስነታዊ መልእኽታት ዓበይቲ በዓላት፣ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ወትሩ ሠሉስ ንኣባላት ርእሰ ኤጳርቅና ቤት ምኽሪ ምእመናን ነበር ዝወሃብ ተኸታታሊ ትምህርቲ፡ ኣብ ርእሰ ኤጳርቅናዊ ማእከል ሥልጠና መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ዝህብዎ ናይ ጉስነታዊ ሥነ-መለኮትን ወዘይመስሎን ዓውደ ትምህርታት ክንጠቅስ ንኽእል። ብዘይካ`ዚ፡ ምቛም ማእከል ሥልጠና መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ፡ መደብ ቀጻሊ ሥነ-መዕበያ ካህናትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን፡ ምስ Holy Apostles College and Seminary ብምርድዳእ ዝተገብረ ንኃያሎ ካህናት፡ ደናግልን ምእመናንን ናይ ማስተርስ ዲግሪ ከም ዝረኽቡ ዝገበረ መደብ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ እውን ኣሎ። ኣብ ዓውደ ዓመታትን፡ ዓበይቲ በዓላትን፡ ሱባኤታት ካህናትን ደናግልን ዝወሃብ ስብከታትን ኣስተምህሮታትን ከኣ ዝኸኣለ ይቑጸሮ።
ብወገን፡ ምቕዳስ ዝምልከት፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት፡ ኣብ ዓመት ብዙኃት ሰናብቲ፡ ዓበይቲ በዓላት፡ ወርኃ ፍልሰታ፡ ሰሙነ ሕማማትን፡ ታስዕቲ ንበዓለ ኪዳነምሕረትን ካልእ ጊዜያትን፡ ንሕዝብኻ መሪሕካ ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴታትን፡ ምህለላን ጸሎታትን ምምራሕ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝምስክሮ ኢዩ።
ኣብ ናይ ጉስነት መደብ ገለ ክንጠቅስ እንተኾይንና ድማ፡ ሰፊሕ ንቁምስናታትን ገዳማትን ዘጠቓለለ ቀጻሊ መደብ ኃውጾተ ኖላዊ ኣብ መላእ ርእሰ ኤጳርቅናን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን፣ ኣብ ምሕናጽ ኣብያተክርስትያንን፡ ኣብያተ ቆሞሳትን፡ ኣዳራሻትን ዝተራእየ ንጥፈታት፣ ኣብ ምሕናጽን ምትብባዕን ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝኾና ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ሕክምናን፡ ማእከላት ምዕባለ ደቀንስትዮን ካልእ ናይ ልምዓት ስራሓትን ምስ ገበርቲ ሠናይ ብምዃን ብኃልዮ ሕዝብኻ ዘሎካ ተገዳስነት ኣብ ምንጽብራቕ ንታሪኽ ዝጸንሕ ዝጥቀስ ንጥፈታት ዝነበሮ ዓመታት ነበረ። ምትብባዕ ምእመናን፡ ብፍላይ ድማ ኣብያተ ምኽሪ ምእመናን ብደረጃ ርእሰ ኤጳርቅናን ቁምስናን፡ ብዕምቆት ንመንነትን ተልእኾን ቤተክርስትያን ተረዲኦም፡ ብተወፋይነትን በብሞያኦምን ከገልግሉ ዝገበረ ዝጥቀስ ሞያ ነበረ። ንጉስነት መንእሰያትን ተማሃርቲ ዘርኣክህነትን ዘርኣይዎ ተጸምዶን ሠናይ ድሌትን ተበግሶታትን እውን ዓቢይ ኣሰር ዝገደፈ ምንቅስቓስ ኢዩ።
እምበኣር፡ ኩሉ ተፈጺሙ እኳ እንተዘይተባህለ፡ እዘን ዓመታት እዚአን ሞያአን ንኹሉ ግሉጽ፡ በሓቂ ከኣ ኣብ ታሪኽ መንፈሳውን ኅብረተሰብኣውን መዳይ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያንና ዓቢይ ኣሰር ገዲፈን ዝሓለፋ ምዃነን ብምዝካር፡ ንብፁዕ ሊቀጳጳሳት፡ በሓቂ `እዛ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም` ንብሎም።
እግዚኣብሔር ስለ ኩሉ ጸጋታቱ ዝተመስገነ ይኹን!
ብድሕር’ዚ ብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ጳጳስ ኤጳርቅና ባረንቱ፡ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነማርያም የዕብዮ ጳጳስ ኤጳርቅና ከረን፡ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ኤጳርቅና ሠገነይቲ፡ ናይ ‘እንቋዕ ሓጎሰኩም’ መልእኽታቶምን ናይ ዚመጽእ ሠናይ ትምኒቶምን ገሊጾም።
ድኅሪ ቅዳሴ ንኹሉ ምእመን ዝኸውን መኽፈልቲ ኣብ ቅርዓት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት እንክዕደል፡ ንቀዳስያን ድማ ኣብ ኣዳራሽ ብፁዕ ገብረሚካኤል ቁርሲ ተቐሪቡ። ኣብ ጊዜ ቁርሲ ተማሃርቲ ርእሰኤጳርቅናዊ ንኡስ ዘርኣ ክህነት - ደብረ ቅዱስ ጊዮርጊስ - ብምዕሩግ መንፈሳዊ ሳዕስዒት ኣሰንዮም ሓንቲ ወረብ ኣቕሪቦም።
ድኅር`ዚ መደብ በዓል ካብ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቀ. ጀሚሩ ኣብ ዓቢይ ኣዳራሽ ቀጺሉ። ኣብኡ ዝተረኽቡ፡ ንመላእ ርእሰ ኤጳርቅና (ምእመናንን፡ ቤተክህነትን፡ ገዳማውያንን)፡ ቤተሰብን ወከልቲ ሰበኻታትን ብፁዓን ጳጳሳትን ነበሩ። ድሕሪ ናይ ምሳሕ እንግዶት፡ ናይ ‘እንቋዕ ሓጎሰኩም’ መልእኽቲ፡ ብጠቕላሊ ህየንተ ሊቀጳጳሳት ኣባ ከሰተ ገብረዮሓስ ንቤተክህነት ርእሰ ኤጳርቅና ብምውካል፣ ብፕረሲደንት ረኪበ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ውፉይ ሕይወት ኃው ኢሳይያስ ጸጋይ፡ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ምእመናን ርእሰ-ኤጳርቅና ኣሥመራ ኣቶ ደበሳይ ረዘነ፡ ዋና ጸሓፊት ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እናቴ ጽጌረዳ ዮሓንስ፡ ብስም ስድራቤት ኣቶ ጴጥሮስ ተስፋማርያምን ኣቶ ተኽለን በብሓደ ቀሪቡ። ተመሃሮ ዓቢይ ዘርኣ-ክህነት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ብወገኖም ወረብን ግጥምን ኣቕሪቦም። ጉጅለ መዝሙርን ሙዚቃን መንእሰያት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ድማ ብጥዑምን ውሁድን ሙዚቃ ዝተሰነየ፡ ዝተፈላለየ መዛሙር ነቲ ዕለት ኣብ ምድማቕ ተረኺቦም። ቀጺሉ ምቑራስ ምቁር ኅብስትን ናይ ህያባት ምቕራብ መደብ ስዒቡ።
ኣብ መወዳእታ መደብ ናይቲ ዕለት ከኣ ሓጺር ጸብጻብ ኮሚቴ ምስንዳው ብሩራዊ ኢዮቤል ሊቀ-ጳጳሳት ብኣወሃሃዲ ኮሚቴ ክቡር ኣባ ቶማስ ነጋሽ ምስተነበበ፡ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ሓጐሶም ገሊጾም፣ ብኹሉ እንደገና ንኣምላኽ ኣመስጊኖም። ንብፁዓን ጳጳሳት፡ ንተሳተፍቲ በዓልን ኮሚቴን እውን ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪቦም፣ ብጸሎት ከኣ ናይቲ ዕለተ ኢዮቤል ጽንብል ፍጻሜ ኮነ።
ብምኽንያት እዚ ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮቤል ሢመተ-ጵጵስናን ቅብኣትን፡ ነቲ ኣብ ዝኃለፈ 25 ዓመታት ኣብ ነፍስወከፍ በዓላት ቅዱስ ዮሓንስ፡ ልደትን ትንሣኤን ዝልእክዎ ዝነበሩ መልእኽታት ዝኃዘ “ጕስነታዊ መልእኽቲ ዓበይቲ በዓላት ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት” ዘርእስቱ መጽሓፍ፡ ከምኡ’ውን ንሓጺር ታሪኽ ሕይወቶምን ዝሃብዎ ኣገልግሎትን ዝገልጽ መጽሔት ተሓቲሙ ኣብቲ ዕለት ናብ ምእመናን ተዘርጊሑ።