ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን፡ ካብ ጳጳሳት ካምፓንያ - ኢጣሊያ ዝቐረበ ጻውዒት ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን፡ ካብ ጳጳሳት ካምፓንያ - ኢጣሊያ ዝቐረበ ጻውዒት 

ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ረብሓን፡ ካብ ጳጳሳት ካምፓንያ - ኢጣሊያ ዝቐረበ ጻውዒት

ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ካምፓንያ ዕለት 8 ግንቦት ናብ መካነ ንግደተ ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐይን ናፖሊን፡ ከምኡ’ውን ዕለት 23 ግንቦት ኣብ ኣቸራን ዘካየድዎ ክልተ ጒስነታዊ ምብጻሕ - ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ካምፓኒያ "ኩሎም እቶም እንግደሰሎም ጉዳያት ህሉው ድሌታት ዞባና" እንክብሉ ዝገለጽዎ ክብሪ ህይወት፡ ስደተይናታት፡ ስራሕን ዘይውሕስነት ቤት ማእሰርትን ዝምልከት ሰነድ ከም ዘቕረበ ናይቲ ዞባ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምክልኻል ተነቃፍን ዝሳቐን ህይወት፡ ምስቲ ኣብ ጉዳያት መወዳእታ ህይወት ዝግበር ክትዕ፡ ኣድላይነት መሕወዪ ክንክን፡ ስክፍታታት ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲን ንሕክምና ካብቲ ዞባ ወጻኢ ዝግበር ጉዕዞ ቀስ ብቐስ ምንካይን፤ ከበድቲ ናይ ጥዕናን ክንክን ጥዕናን ጉዳያት፣ ብፍላይ ዞባዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ዘይምዕሩይነትን ክንክን ጥዕና ንምርካብ ዝያዳ ኣጸጋሚ ዝገብሮን ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝጸሉን፤ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ጸገም እሱራት፡ ኣባይቲ ስድራኦምን ሰራሕተይናታት ቤት ማእሰርትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ምእሳር ወጻኢ ዝኸይድ ግን ከኣ ክብሪ፡ ሓላፍነት፡ ምሕዳስ ፍትሕን ዳግመ ውህደትን ዝሓቖፈ መንገድታት ኣድላይነቱ፡ ብሰፊሕ ዝድህስስ ሰነድ ምዃኑ ናይ ዞባ ካምፓኒያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ኣቸራ ጳጳስ ኣንቶንዮ ዲ ዶናን ናይ ካምፓኒያ ጉባኤ ጳጳሳት ጉዳይ ግብረ ሰናይ ሓላፊ  ናይ አጊኖ ፖሊካስትሮ ጳጳስ ኣንቶኒዮ ደ ሉካ ነቲ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የስተብህሉ።

ረሳዒ ዘይምዃን

እዚ ሰነድ እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካምፓንያ ዝገበርዎ ክልተ ናይ ጉስነት ዑደት፣ ብፍላይ ንምክልኻል ምህዳርን ዝተወፈየ እዩ። "ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ካምፓንያ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ንቤተ ክርስቲያን እቲ ዞባ ሸለል ክንብሎ ዘይንኽእል መልእኽቲ ሂቦምዋ እዮም። ቅዱስ ኣቦና ንኹሉ ሰብ ናብ ክብርን ሓላፍነትን ጸዊዖም፣ ሕይወት ከገልግሉ፣ ፍትሒ ክመርጹ፣ ናይ ሓባር ጥቕሚ ልዕሊ ውልቃዊ ረብሓ ከቐምጡ ይዕድሙን - ቢሎም - መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓና ብዛዕባ ማሕበረሰባትና፡ ኣባይቲ ስድራናን፡ መንእሰያትና፡ ኣረጋውያን፡ ሕሙማት፡ ሰራሕተይናታትና፡ ስደተይናታት፡ እሱራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ከባቢታት ዝነብሩ፡ ኣብ ከተማታትን ማሕበራውን ሕድጋት፡ ብብከላ፡ ዘይሕጋውነትን ሸለልትነትን ዝቖሰሉ መሬታት ንኽንሓስብ ዘዘኻኽር እዩ።"
ኣተኵሮ

በቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጻውዒት፡ ዋዕላ ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ካምፓንያ፡ "ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ንምምላስ ዝሳለጠሉ መጽንሒ ማእከላት፡ ጸገም ስደተይናታትን ነገድ ሮምን፡ ከምኡ'ውን ውልቀሰባትን ህዝብን ብመሰረት ፍትሕን ሕጋውነትን ምርኻብን፡ ክድገፉን ክውሃሃዱን ዘለዎም ወጅህታት ኣሕዋትን ኣሓትን እምበር ክንጸጉ ከም ዘለዎም ጸገማት ኮይኖም ከይረኣዩ” ኣብ ዝገብርዎ ሰብውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ዘተባብዕዎን ዝላበውን እውን ምዃኑ ጳጳስ ኣንቶኒዮ ደ ሉካ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም ፡ ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዝረኣ ምዝመዛ፡ ጸገም መንእሰያት፡ ምጉዳል ህዝቢ፡ ምዕጻው ብዙሓት ኣገልግሎታትን ትካላት ትምህርትን እውን ዘተኮረን መሳለጥያታትን ትምህርትን ኣቃልቦ ክግበር ዝጸውዕ እውን ምዃኑ የስተብህሉ።

ጳጳስ ኣንቶንዮ ዲ ዶና፡ "ወትሩን ኣብ ኩሉ ደረጃን ህይወት ምሕላው"

"እዞም ጉዳያት፡ ንዓና፡ ዘይተኣሳሰሩ ኣይኮኑን፡ ዝተፈላለዩ ኣይኮኑን። ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ መወዳእታ ክትሕሎ ኣለዋ፡ እንተኾነ ግን ብግብረ ምዝመዛ ኣብ ሓደጋ ምስ እትወድቕን መጻኢ ክትሕረምን እንከላ'ውን ክትሕሎ ኣለዋ" እንክብሉ ጳጳስ ኣንቶኒዮ ዲ ዶና ኣብ ዝሃባዎ መግለጺ ኣጒሊሖም፡ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዕሽሽ ክበሃል ዘይክእል ኣገዳሲ ፍጻመ ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ ነዚ ኢና ድማ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘረባ፡ ምዕዳኖም ወሲድና ብመርሓ ግብራዊ ኣገባብ ከነቕርቦ ዝወሰንና። ኩሎም ናብ ልብና ዝቐረቡ ጉዳያት ህሉው ድሌታት ዞባና እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Jul 2026, 16:00