ብጥርጡር ግህሰት ዝተኸሰሰ ካርዲናል ሎፔዝ ሮሜሮ ንግዚኡ ካብ ሓላፍነቶም ክቝጠቡ ይውስኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳሳት ራባት ካርዲናል ክሪስቶባል ሎፔዝ ሮሜሮ ወዲ 74 ዓመት ሳሊዥያዊ ዕለት 7 ሓምለ ካብ መሪሕነት እታ ሃገረ ስብከት ንግዚኡ ተገሊሎም ክጸንሑ ከም ዝመረጹ ኣፍሊጦም፣ ድሕሪ’ቲ ብሓያሎ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረቡ ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ቀጻሊ መርመራ ስዒቡ ዝወሰድዎ ውሳነ ኮይኑ፡ ካርዲናል ሎፔዝ ሮሜሮ ባዕሎም ኣብ ዝሃብዎ - ብዛዕባ ሓሙሽተ ኣንስቲ ዝዛረብ ሓበሬታ ብAFP እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ጸኒሑ ዝተዘርገሐ፡ "ኣብ መወዳእታ ፍረ ዘለዎ ናይ ጉስነት ዓመት፡ ኣብ ራባት እትርከብ ቤተክርስትያንና ከቢድ ፍጻመ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘይግቡእ ጠባይ ኣርኢኻ ብዝብል ክሲ ተኸሲሰ ኣለኹ። እዚ ኩነታት እዚ ቤተክርስትያን መባእታዊ መርመራ ክትጅምር ዝደረኸ ከም ዝኾነን፡ እቲ መርመራ ኣብ ኢድ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዩ" ዘሎ ዝብል ምዃኑ ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዞም ካብ ኣልሜርያ ዝኾኑ ስፓይናዊ ካርዲናል ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተካይዶ መርመራ ምሉእ ምትሕብባሮም ክገብሩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ከምኡ'ውን ብልክዕ ነዚ መርመራ ንኸይዕንቅፍ፡ "ኣብ ህዝባዊ በዓላት ካብ ምምራሕን ኣብ ንጥፈታት ጉስነት ካብ ምስታፍን ክቑጠብ መሪጸ ኣለኹ" እንክብሉ ከም ዝገለጹ የመላኽት።
ምንጪ ምዝንባዕ
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት ካርዲናል ዝተሰምዩ ሊቀ ጳጳሳት ሎፔዝ ሮሜሮ፡ ነቶም ምእመናን ብቐጥታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ኣብ ርድኢትኩም እኣምን እየ - ቢሎም - እዚ ፍጻመ ንኹላትና ምንጪ ጭንቀት'ዩ፡ ከም ሊቀ ጳጳሳት መጠን "እቲ ዘስዕቦ ዘሎ ጸገማትን ንኹሉ ከልዕሎ ዝኽእል ሕጋዊ ሕቶታትን ምሉእ ብምሉእ ይፈልጥ እየ፡ ካብዚ እዩ ድማ "ኣባላት ማሕበረሰብ ሃገረ ስብከት ብቕልጡፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕለይ ቀሪቡ ዘሎ ክሱ ክፈልጡ ዝወሰንኩ” ከም ዝበሉን ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን እናተጸበዩ፡ እቶም ካርዲናል ኩሉ ሰብ ብሓባር "ነቶም ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝሳቐዩ ዘለዉ"፡ ንቤተ ክርስቲያን ሞሮኮ፡ ከምኡ'ውን ንሓድሕዶም ክጽልዩ ተላብዮም - ጸሎት ንግበር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓደ ካብ ምዃን ዘይምብኳር
ሓሳቦም ክገልጹ ወይ ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ ክዝተዩ ዝደልዩ ምእመናን ራባት ምስ ካህናት ሰበኻኦም ክራኸቡ ካርዲናል ሎፐዝ ሮሜሩ ኣነጺሮም፡ ብተወሳኺ ናይ ሃገረ ስብከት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ግህሰት ናይ ሓገዝ መስመር ክራኸቡ ከም ዝኽእሉን፡"ናይ ሃገረ ስብከት ቤተክርስትያንና ህያው እያ እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ "ብምትእምማን ብወንጌል ንጽናዕ። ሓድነትና ንዓቅብ፡ ክርስቶስ ህይወት ክገዝእን ንቕድሚት ክድርኸናን ንፍቀደሉ፡ እዚ ድማ መሰረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎ" ከም ዝበሉን ነቲ ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ
ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ቀጺሎም ምስቲ መርመራ ዘካይድ ኣካል ምሉእ ምትሕብባር ከም ዝገብሩ ደጊሞም ብምግላጽ፡ "መጥቃዕቲ፡ ይኹን ዓመጽ፡ ወይ ጾታዊ ትንኮሳ" ከምዘይፈጸሙ ድማ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።