ኣብ ካሜሩን ሊቀ ጳጳሳት ክሌዳ ኢሰብኣዊ ኩነታት ቤት ማሕቡስን ብልሽውናን ይነቅፍ ኣብ ካሜሩን ሊቀ ጳጳሳት ክሌዳ ኢሰብኣዊ ኩነታት ቤት ማሕቡስን ብልሽውናን ይነቅፍ 

ኣብ ካሜሩን ሊቀ ጳጳሳት ክሌዳ ኢሰብኣዊ ኩነታት ቤት ማሕቡስን ብልሽውናን ይነቅፍ

ኣብ ካሜሩን ናይ ርእሰ ሰበኻ ዱዋላ ሊቀ ጳጳሳት ሳሙኤል ክሌዳ ኣብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጉስነታዊ መልእኽቲ ብዛዕባ ዅነታት ቤት ማእሰርቲ ዝምልከት ኮይኑ ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም እቲ ኣብታ ሃገር ዝረኣ ምጭዋይን ብሃውሪ ምእሳርን ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ኢሰብኣዉ ኩነታትን ዘስግእ ምዃኑ ከም ዘጠንቀቑ ፊደስ እተሰምየ ትካል ኣገልግሎት ዜና ሃገረ ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ሳሙኤል ክሌዳ "ንእሱራት ከመይ ገይርና ከም እንሕዝ ንስዕቦ ኣገባብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለና ርክብ መዐቀኒ እዩ። ስቓዮም ሸለል ምባል ማለት ንክርስቶስ ሸለል ምባል ማለት እዩ። ስቓዮም ንምንካይን ፍትሒ ንምምላስን ምውፋይ ማለት ንክርስቶስ ምግልጋል ማለት እዩ" እንክብሉ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ብዛዕባ ኩነታት ኣባይቲ ማሕቡስ ብዝምልከት ኣብ ዝጸሓፍዎ ጉስነታዊ መልእኽቲ ከምዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ እንሰምዖ ትምህርቲ ኢየሱስ "ተኣሲረ በጺሕኩምኒ” ዝብል ጽሑፍ፡ ሊቀ ጳጳሳት ክሌዳ መሰረት ገይሮም እታ መልእኽቲ "ካብ መንፈስ ክትዕ ዘይኮነስ ካብ ናይ ሓላፍነት ስምዒትን ግዴታን ህጹጽ ርህራሄን ዝተወልደ ናይ ሓቅን ግብሪ ጓሳዊ ፍቕርን ከም ዝኾነ ድማ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።

ስርዓታዊ በደል

ዕላማ ናይቲ ጉስነታዊ መልእኽቲ "ነቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታውን ማእሰርትን ብዙሓት ዜጋታት ካሜሩን ዘሎ ስርዓት ዘይፍትሓዊ ተግባር ንምዅናን እዩ፡ እቲ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ክሌዳ እቲ ጒስነታዊ መልእኽቲ "ነቲ ዘይጽወር ጭውያትን ግሉል ምእሳርን ኣብ መደበራት ሓይሊ ጸጥታን ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ መደበራትን ዘሎ ዘዋርድን ሃሳዪን ኵነታት ንሓቅነት ስርዓት ቤት ማእሰርቲ ንብምሉኡ ስርዓት ፍትሒ ዝጸሉ ከምኡ’ውን ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ጥሕሰት ገበናዊ ኣገባባት ንምቅላዕ ዝኣመተ ኮይኑ፡ ሊቀ ጳጳሳት ፈለማ ብዛዕባ ዝጠፍኡ ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት ኣጕሊሖም፣ "ሰባት  ወይ ሲቪላዊ ኽዳን እተኸድኑ መኰንናት መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ትእዛዝ ይእሰሩን ይጭውዩን እዮም። ኣብ ምስጢራዊ ቦታታት ድማ ከም ዝዳጎኑን ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥን። ናይ ኢድ ተለፎናቶም ተዓጽዩ ኣበይ ከም ዘለዉ ዚሕብር ኵሉ ኣሰር ድማ ከም ዝድምሰስ” ገሊጾም፡ "ብፍርሒ ዝተኸቡ ኣባይቲ ስድራ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኣባላቶም ንምድላይ፡ ካብ ሓደ መደበር ሓይሊ ጸጥታ ናብ ካልእ ኮለል ከም ዝብሉን፡ ዝኮነ ይኹን ሓበሬታ ከም ዘይረኽቡን ዘይምግዳስ ወይ'ውን ምፍርራሕ እውን የጋጥሞም ኣሎ" ከም ዝበሉ ፊደስ ኣገልግልቶ ዜና የረጋግጽ።

'ግሁድ ምጥሓስ ሕጊ'

"እዚ ኣብ ዘይፍለጥ - ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ዘይወግዓዊ - ቦታታት ብሕቡእ ዝፍጸም ናይ ምእሳር ተግባር፡ ቅሉዕ ምጥሓስ ሕጊ'ዩ" እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ሳሙኤል ክሌዳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጒስነታዊ መልእኽቶም ብምምልካት፡ ኣብ ውሽጢ ወግዓውያን ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብምኹናን፡ ሕክምናዊ ክንክን ምርካብ "ካብ ሕልሚ ንላዕሊ ኣይኰነን - ቢሎም - ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ማእከላት ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምቕራብ ዘድሊ ንዋት ዘይብሉ ምዃኑ ገሊጾም፡ ሰራሕተይናታት ሕክምና ድማ ምስ ህሙማን ዝመጣጠን ቁጽሪ ዘይብሎም ብምዃኑ ብጻዕቂ ስራሕ ከም ዝሳቐዩ ኣፍሊጦም፡ "ከም ዓባይ ሰዓል ከምኡውን ፌራ ዝኣመሰሉ ተመሓላላፊ ሕማማት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ብዝዀነ መገዲ ይዝርጋሕ ኣሎ" እንክብሉ ጓሂኦም ብምግላጽ "ኣይድስ ወይ ሽኮርያ ዘለዎም እሱራት ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምና ጥዕናኦም ብቕልጡፍ እናተበላሸወ ይኸይድ ኣሎ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣተሓሒዙ፡ ሕጽረት ቪታሚንን ካሎሪን ዘለዎ ምግቢ ነቶም ድሮ ጥዕናኦም ኣብ ሓደጋ ዘእተወ እሱራት ንምዕቃብ እኹል ከም ዘይኰነን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብህይወት ኪነብሩ ዚኽእሉ "መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደገፍ ኣዝማዶም ወይ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዚምርኰስ" ከም ዝበሉ ይሕብር።

ስክፍታ ንደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመን።

ሊቀ ጳጳሳት ክለዳ እውን ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዘለዎም ዓቢ ስክፍታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጒስነታዊ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ "መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሬት ንደቂ ኣንስትዮ ክረኽባ ከምዘይክእላ" ከምኡ'ውን "ገሊአን ምስ ዕሸላተን ብሓባር ዝተኣሰራ ከም ዝኾናን፡ ንንቡር ምዕባለ ዝምችእ ኩነታት ብዘይምህላዉ ድማ እቶም ሕጻናት ድሕሪ መቑሕ ዝዓብዩ ብምዃኖም መጻኢኦም ንኸቢድ ሓደጋ ዝተቓልዐ እዩ ዝኸውን - ቢሎም - "ካብ ዓበይቲ ተፈልዮም ግቡእ ትምህርታዊ ደገፍ ክግበረሎም ዝግበኦም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንገዛእ ርእሶም ተጠንጢኖም፡ ንሕጊ እቶም ዝሓየሉን ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ግህሰትን ምዝመዛን ይቃልዑ" እውን ምህላዎም ኣጽኒዖም ብምምልካት። እዚ ግህሰታት እዚ “ንብልሽውናን ምዕምጻጽ ፍትሕን ክኡል ይገብር - ቢሎም - ነቲ ቅድሚ ክሂሎት ዚግበር ማእሰርቲ ብሰፊሑ ዚፍጸም ዘሎ ግህሰት ብምውቃስ፡ “እቲ ፍሉይ ስጕምቲ ኪኸውን ዚግብኦ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓመታት ዚጸንሕን ብውጽኢታዊ መገዲ ንጹሓት ሰባት ናብ ገበነይናታት እሱራት ዚቕይርን ኣገባብ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣስዒቡ። እዚ ፍትሒ ምኽሓድ እዚ “ድርብ መቕጻዕቲ የስዕብ: ናጽነት ምምንዛዕን ኣብ ውሽጢ ርትዓዊ ግዜ ፍትሓዊ ፍርዲ ናይ ምርካብ መሰል ምግሃስን” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ክብሪ ንምኽባር ዝግበር ጻውዒት

ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ክሌዳ ማእሰርቲ "ንሕብረተሰብ ንምዕቋብን ነቶም እተፈርዱ ሰባት ክብረቶም ምሉእ ብምሉእ ብምኽባር ምስ ተፈትሑ ዕዉት ናብ ሕብረተሰብ ንኽወሃሃዱ ዘድሊ ክእለት ዘንጸባርቑሉን ዝንስሑሉን ሃዋሁ ንምፍጣር" ክጠቅም ከም ዘለዎ ደጊሞም ብምጒላሕ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ካሜሩን ካብ ዕለት 13 - 23 ሚያዝያ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ዘካየዱለን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃና ከም ዝዘከሩ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

08 Jul 2026, 15:26