ሊቀ-ጳጳሳት ፓኪስታን ንሕጻናት ካብ ዓመጽ ንምክልኻል ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ቤተ-ክርስቲያን ከም ዝሕደስ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
"ምክልኻል ሕጻናት ወሳኒ እዩ።"
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት አቡነ ጆሴፍ አርሻድ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ፓኪስታን እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ዓመጽ ሕጻናት "ዓሚቝ ተገዳስነት" ከምዘለዎም ብምግላጽ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጥቢቖም ኣገንዚቦም።
እቶም ሊቀ-ጳጳሳት ንጳጳሳዊ ትካል ዜና ፊደስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ኣብ ፓኪስታን ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ሕጻናት ኣዝዩ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ ህጹጽ ቆላሕታ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ" ኢሎም።
ጭውያን፡ ዓመጽን፡ መዓልታዊ ዓመጽ ህጻናትን
ኣብ መላእ ሃገር ዝፍጸሙ ዓመጽ ሕጻናት መዓልታዊ እትከታተል ሳሂል ዝተባህለት ዘይመንግስታዊት ትካል ፓኪስታን፡ "ጨካናት ቁጽርታት" ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ብምጥቃስ፤ እቶም ሊቀ-ጳጳሳት ኣብ 2025 "ዘሰንብድ ብ8 ሚእታዊት ወሰኽ ዝተራእየሉ ኮይኑ፡ 3,630 ዝተረጋገጹ ናይ ዓመጽ ፍጻሜታት ተመዝጊቦም፤ እዚ ድማ ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ትሽዓተ ሕጻናት ዓመጽ ይፍጸም ማለት እዩ" ኢሎም።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ጭውያን ዓመጽን እቶም ዝበዝሑ ዝፍጸሙ ገበናት ክኾኑ ከለዉ፡ ኣዋልድ 53 ሚእታዊት ናይቶም ግዳያት ምዃነንን፡ ካብ 11 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕጻናት ድማ ዝያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖምን ገሊጹ ኣሎ።
እቶም ሊቀ-ጳጳሳት "ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸሙ ገበናት፡ ካብቶም ኣዝዮም ዘሕፍሩን ክጽወሩ ዘይኽእሉን ጥሕሰት ሰብኣዊ ክብሪ እዮም" ክብሉ ነቲ ኩነታት ኮኒኖምዎ።
'ብልዑል ስነ-ምግባራውን፡ ማሕበራውን፡ ሕጋውን፡ ትካላውን ሓላፍነት ክሕለዉ ይግባእ'
"ሕጻናት ኣብ ትሕቲ ስግኣትን፡ ፍርሕን፡ ዘይውሑስ ኩነታትን ክሳብ ዘለዉ፡ ዝኾነ ሕብረተሰብ ርእሱ ፍትሓዊ፡ ሰላማዊ ወይ ስልጡን ኢሉ ክጽውዕ ኣይኽእልን እዩ" ክብሉ ኣጥቢቖም ተዛሪቦም። ሕጻናት "ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቡ ቅዱስ ህያብ" ስለዝኾኑ ድማ፡ ብልዑል ደረጃ ስነ-ምግባራዊን፡ ማሕበራዊን፡ ሕጋዊን፡ ትካላዊን ሓላፍነት ክሕለዉ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሊቀ-ጳጳሳት አርሻድ ንመንግስቲ ፓኪስታን፡ ንትካላት መኽበርቲ ሕጊ፡ ንክፍልታት ዑቝባ ሕጻናትን ንኹለን ዝምልከተን ትካላትን፤ "ኣብ ልዕሊ እቶም ናይዞም ገበናት እዚኦም ተሓተቲ ዝኾኑ ሰባት፡ ህጹጽን፡ ጽኑዕን፡ ግሉጽን፡ መምሃሪ ዝኸውንን ስጉምቲ ክወስዱ" ተላብዮም።
"ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ብዘይ ውልውል ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ ስቕታን፡ ዕሽሽ ምባልን፡ ሕጊ ንምትግባር ዝርአ ምድንጓያትን ድማ ተቐባልነት ክስእን ኣለዎ" ክብሉ ጸዊዖም።
ነዚ ጉዳይ እዚ ቆላሕታ ንምሃብ፡ ኣብ ሰሜን ፓኪስታን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ኢስላማባድ-ራዋልፒንዲ፡ ንዓመተ 2026 "ዓመት ሕጻናት" ብምባል ንሕጻናት ሰይሞምዋ ኣለዉ።
ናይ ቤተ-ክርስቲያን ጽኑዕ ተወፋይነት
እዚ ተበግሶ እዚ፡ "ቤተ-ክርስቲያን ንክብሪን፡ ዑቝባን፡ ትምህርትን፡ ስልጠናን፡ ኵሉ-መዳያዊ ድሕንነት ሕጻናትን ንምድንፋዕ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነትን ዘንጸባርቕ እዩ" ክብሉ ኣስሚሮምሉ ይርከቡ።
እቲ ናይ ሰበኻ ማሕበረሰብ ብመንገዲ ቁምስናታትን፡ ኣብያተ-ትምህርትን፡ ማኅበራትን ገይሩ፤ "ንቕሓት ናይ ምስፋሕ ስርሑ ክቕጽል ምዃኑን፡ ስድራቤታትን፡ ኣብያተ-ትምህርትን፡ ማሕበረሰባትን፡ ንውሕስነትን፡ ዕብየትን፡ ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘተባብዕን" ገሊጾም።
ብተወሳኺ፡ ሊቀ-ጳጳሳት አርሻድ ንወለዲ፡ መምህራን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ማሕበረሰብ ሓፈሻን ኩሎም ዜጋታትን "ንሕጻናት ኣብ ምክልኻል ዘለዎም ሓላፍነት ክግንዘቡ" ጸዊዖም።
ንወለዲ ድማ "ንቑሓት ክኾኑን፡ ምስ ደቆም ናይ እምነት ርክብ ክሃንጹን፡ ብጥንቃቐ ክሰምዕዎምን፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ድሕንነቶም ክምህርዎምን" ተማሕጺኖም።
'ዝኾነ ይኹን ጥርጣሬ ዓመጽ ንዝምልከቶም ኣካላት ክሕበር ኣለዎ'
ሕብረተሰብ "ስቕታን፡ ፍርሕን፡ ነውሪን፡ ዕሽሽ ምባልን ክነጽግ ኣለዎ" ዝበሉ እቶም ሊቀ-ጳጳሳት፤ "ዝኾነ ይኹን ጥርጣሬ ዓመጽ ምስ ዝህሉ፡ ንዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ጸብጻብ ክቐርብ ኣለዎ" ኢሎም።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት አርሻድ፡ "ድሕንነት ሕጻናት ናይ ስድራቤት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሃገራዊ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት እዩ" ክብሉ ኣስሚሮምሉ። ወሲኾም ድማ "ፍቁራት ደቅና፡ ብዘይ ፍርሒ ዝነብሩሉን፡ ብክብሪ ዝዓብዩሉን፡ ብተስፋ ናብ መጻኢ ዝጥምቱሉን ሕብረተሰብ ይግብኦም እዩ" ኢሎም።
እቶም ፓኪስታናዊ ሊቀ-ጳጳሳት፡ ኵሉ ሰብ ብዘይ ፍልልይ ሃይማኖት፡ ንድሕንነትን፡ ጥዕናን ሕጻናት ብሓባር ክሰርሕን ግዲኡ ከበርክትን ብምጽዋዕ ቃሎም ዛዚሞም።