2026.07.09 Caritas Venezuela 2026.07.09 Caritas Venezuela 

ካሪታስ ቬንዙዌላ፦ 14,700 ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ተረኺቡ

ካሪታስ ቬንዝወላ ካብ ዕለት 25 ሰነ ክሳዕ 6 ሓምለ ብዛዕባ እተገብረ ናይ ረድኤት ጻዕርታት ኣመልኪቱ ጸብጻባትን ሓበሬታታትን ዝሓዘ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ መጽሔት ኣሕቲሙ። ኣብ መላእ ሃገራውን ኣህጉራውን ምንቅስቓስ ረድኤት ናይቶም ብምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጐድኡ 40,000 ሰባት ንኽርከብ ኣኽኢሉ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ደድሕሪ እቲ ብዕለት 24 ሰነ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ናይታ ሃገር ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኣስታት 14,700 ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ቬንዙዌላ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ካብዚ ጠቕላላ 9,000 ቶን ድሮ ተዘርጊሑ 5,700 ቶን ከኣ ኣብ መኽዘናት ተዳልዩ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ደረጃ ናይ ረድኤት ተዳልዩ ዘሎ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ብካሪታስ ቬንዙዌላ ዝወጸ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ መጽሔት "ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ፍቕሪ ዘርእስቱ፣ ነቲ ግብረ መልሲ ኣብ መላእ ዓባይ ካራካስን ላ ጓይራን ብዝርከብ 26 ናይ ምእካብ ቦታታት 73,356 ዩኒት ሕክምናዊ ናውትን መድሃኒታትን፣ ከምኡውን 8,000 ሓፈሻዊ ረድኤት፡ 5,000 ጥቕላላት መግቢ፡ 3,000 ናይ ጽሬት መሳርሒታት ዘጠቓልል ኢዩ።  ከምኡውን 1,000 ናይ ህጹጽ ረድኤት ጕጅለታት ዝሳተፍዎ ምንቅስቓሳት ኢዩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፣ ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 25 ሰነ ክሳዕ 6 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ዓሰርተው ክልተ መዓልትታት፣ ነቲ 7.2 ከምኡውን 7.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ግብራዊ ምላሽ ንምሃብ፣ እተገብረ ሰብኣዊ ንጥፈታት ብዝርዝር ጸብጻብ ይህብ ። ነቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ረድኤት ምስ ንነፍሲ ወከፍ ጽዕነት ንምቍጽጻር፣ ጽኑዕ ሥርዓት ዘጣመረ ናይ ረድኤት ጻዕርታት ይገልጽ። እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፣ ዝርዝር ስታቲስቲክስ፣ ብዓይነታት እተኸፋፈለ ረድኤት፣ ካርታ ናይቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዚካየድ ንጥፈታት፣ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ግብራዊ ምላሽ ዝገልጽ ስእልታት ዘጠቓልል እዩ።

ልዕሊ 8,000 ስድራ ቤታት ሓፈሻዊ ሓገዝ ይረኽቡ

ካሪታስ ቬንዙዌላ ድሕሪ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ልዕሊ 3,800 ሰባት ዝቐተለ ዕንወት ካብ ዝኽሰት ንነጀው፣ ካብ ናይ መጀመርታ ሰዓታት ኣትሒዛ፣ ነቶም ብብቱዕ እተጐድኡ ማሕበረሰብ እንተላይ ላ ጓይራ ርእሰ ኸተማ ኣውራጃ ካራካስ ከምኡውን ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ቬንዙዌላ ዝርከባ ሓያሎ ዞባታት ንምሕጋዝ፣ ኣብ ናይ ሰበኻታትን ቍምስናታትን መርበብ ኣበርክቶኣ ኣዳልያ ትርከብ ኣላ።

ዋሕዚ ናይቲ ዝለዓለ ግደ  ዝርግሐ ረድኤት ብድምር 4,031 ቶን፣ ስዒቡ ድማ 3,247 ቶን መግቢ ኢዩ ዝንበረ። ልዕሊ 8,000 ስድራ ቤታት ካብ 32,000 ክሳዕ 40,000 ዚዀኑ ሰባት ዝውክሉ፣ ሰፊሕ ሓገዝ ተኺቦም ኣለዉ። ብሓፈሻ ክሳብሕጂ ኣስታት 730,000 መቝነን ምግቢ ተዘርጊሑ ይርከብ ኣሎ።

ኣባላት ካሪታት ነቲ ዝወረደ ዕንወት እንክግምግሙ
ኣባላት ካሪታት ነቲ ዝወረደ ዕንወት እንክግምግሙ   (© Cáritas Venezuela)

3,360 ወለንተኛታት ዝቘመ ወፈራ

ካሪታስ ከም ዝገለጾ፣ እዞም ወለንተኛታት ከም "ልቢ" ናይዚ ህጹጽ ረድኤት ተግብራዊ ምላሽ ይህቡ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ። ብገምጋም 280 ካብቶም 3,360 እተመዝገቡ ወለንተኛታት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ዕዮ ምዝርጋሕ ረድኤት ይሳተፉ ኣለዉ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ሸውዓተ ሰዓትን ፈረቓን ኣገልግሎት ይገብሩ፣ ብድምር ድማ 2,100 ሰዓታት ወለንተኛታት ንእተጐድኡ ስድራቤታት ንምሕጋዝ ኣብ መዓልቲ ዕማም ይሳተፉ ኣለዉ።

እዚ ዕዮኦም ከአ በቶም ካብ ፖርቶ ሪኮን ቺለን ዝመጹ ጉጅለታት ወለንተይናታት ተደልዲሉ ይርከብ ኣሎ። እቲ ዝሰፍሐ መርበብ ካሪታስ፣ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ክሳዕ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ካብ ስጳኛ ኽሳዕ ጀርመን፣ ኣብ ከም ዝስተ ጽሩይ ማይን፡ ምምሕዳር ሓደጋታትን፡ ኣመጋግባን፡ መዕቈብን ዝኣመሰለ መዳያት ረድኤት፣ ሓቢሮም ክዓዩ ኽኢላታት ኣቚሙ ይርከብ ኣሎ።

ካሪታስ ኢጣልያ ምስ ካሪታስ ቬንዙዌላ ጥቡቕ ርክብ መስሪቱ ይርከብ፣ ብኡንብኡ ድማ ነቲ ህጹጽ ምላሽ ንምድጋፍ ገንዘብ ንምእካብ ወፈራ የካይድ ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተኣወጀ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ፣ ህጹጽ ረድኤት ንምድጋፍ 500,000 ዩሮ መዲቦም ኣለዉ።

ካሪታስ ኣብ ዕደላ ረድኤት
ካሪታስ ኣብ ዕደላ ረድኤት   (© Cáritas Venezuela)

ብግሉጽነት ዝምራሕ ናይ ረድኤት ምክፍፋል

ካሪታስ ቬንዙዌላ ወሲኹ ከም ዘመልከቶ፣ ነፍሲ ወከፍ ጽዕነት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ብቝጽሪ እተመልከተን እተፈረመን መዛግብቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነዳትን ብምምዝጋብ፣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ውጥን ምሉእ ብምሉእ ክትከታተል ከተካይድ ከም ዝኽእል ድማ የጕልሕ።

እቲ ውድብ ንለገስቲ ወፈያታት ብወግዓዊ መድረኻቱ ጥራይ ከመሓላልፉን፣ ካብ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ክጥንቀቑን ተማሕጺንዎም ድማ ይርከብ።

እቲ መጽሔት ከም ዝገለጾ፣ እቲ ኽሳዕ ሕጂ እተኣከበ ረድኤት፣ ነቲ ናይ መጀመርታ ህጹጽ ደረጃ ጥራይ ዝሽፍን ክኸውን ከሎ፣ ምሕዳስን ዳግመ ህንጸትን ግና ኣብ ነዊሕ እዋን ቀጻልነት ዘለዎ ሓድነት ከም ዝሓትት ይገልጽ።

እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፣ ነቶም ድሕሪ እቲ ዕንወት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ብቐጥታ ብምሕጋዝን፣ ምስ እተጐድኡ ማሕበረሰብ ብምቅርራብን፣ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ጳጳሳት ዝሃብዎ ምስክርነት እውን የጠቓልል።

ቬንዝወላ ኣብ ዕደላ ረድኤት
ቬንዝወላ ኣብ ዕደላ ረድኤት   (© Cáritas Venezuela)
10 Jul 2026, 12:13