ኣብ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት ኮሎምቦ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ! ኣብ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት ኮሎምቦ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ!  (Conferencia Episcopal Argentina)

ኣብ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት ኮሎምቦ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ!

ናይ ኣርጀንቲና ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ማርሴሎ ኮሎምቦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣርጀንቲና ክቕበሉ ምዃኖም ዘሕድረሎም ሓጎስ ይገልጹ።

ዜና ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሰለስተ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ክበጽሑ ምዃኖም ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርጀንቲና ንዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ብሃንቀውታ ትጽበ ምህላዋ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ንነዊሕ እዋን ተጸቢናዮ ዝነበርና መደብ፡ እምነት ንምድልዳልን ማሕበረሰብ ካቶሊክ ንወንጌል ዘለዎ ተወፋይነት ንምሕዳስን ዕድል ዝህብ እዩ እንክብሉ ናይ ኣርጀንቲና ቤት ምኽሪ ካቶሊክውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበርን ናይ ሰበኻ መንዶዛን ሊቀ ጳጳሳት ማርሰሎ ዳኒኤል ኮሎምቦ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ “ኩሉ ሰብ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ምብጻሕ እዩ። ንቅዱስ ኣቦና ከም ምስክር ክርስቶስን ነጋዲ ቃል ብስራትን ኣብ ሃገርና ክንቅበሎም ሓጎስ ዝፈጥርን ናይ ተስፋ መልእኽቲ ከም ዘምጽኡልና ንፈልጥ ኢና፤ ብስም ክርስቶስ ከም ዝመጹ ንፈልጥ ኢና፤ ናይ ወንጌል ሓሴት እውን ከም ዘምጽኣልና ንፈልጥ ኢና።"

ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 6 ክሳብ 17 ሕዳር ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 5 ነሓሰ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ፡ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 11 ሕዳር ኣብ ቡዌኖስስ ኣይረስን፣ ኮርዶባን ሉኻንን ዑደት ከካይዱ እዮም። ኣርጀንቲና ኣብ መገሻ ሻድሻይ ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞኡ ድሕሪ ኡራጋይን ቅድሚ ፔሩን ካልኣይቲ ሃገር ክትከውን እያ።

ጥንቁቕ ምድላዋት ምስ ሓያል ጉስነታዊ ትኹረት

ሊቀ ጳጳሳት ኮሎምቦ ነቲ ዑደት ግብራዊ ኣወዳድባ ዝከታተሉ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝገበርዎ ጉዕዞታት ዘጽንዑን ኣብ ምውዳብ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ቤተ ክርስቲያን ዝውከሱን ጉጅለታት ከምዝተጣየሱ ገሊጾም፡ “ከም ኣካል ናይዚ መስርሕ’ዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ተመክሮታት ኣጽኒዕና ነቶም ኣብ ምውዳብ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ቤተ ክርስቲያን ክንውከስ ኢና” ኢሎም።

ብዙሕነትን ህይወትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀንቲና

ኪኖ እቲ መስመራዊ ስነ ምንቅስቓስ ምድላዋት፡ ሊቀ ጳጳስ ኮሎምቦ፡ እቲ ምድላዋት ሓያል ጉስነታዊ ትኹረት ከምዘለዎ ኣስሚሮም፡ “ኣገዳሲ ኢልና እንቖጽሮ፡ ህያውነት ናይታ እትቕበሎም ቤተ ክርስቲያን እዩ። ህይወት እታ ቤተ ክርስቲያን ብጳጳሳታ ኣቢላ እያ ትውከል። በዚ ምኽንያት እዚ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዳሕረዋይ ምሉእ ኣኼባ ጳጳሳት ኣርጀንቲና ማእከላይ ኣርእስቲ ዘተ ክኸውን እዩ።”

እቶም ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ኣብ ሰበኻታትን ዞባታትን እታ ሃገር ዘጋጥሞም ዘሎ ዝተፈላለየ ክውንነት ኣብ ግምት ብምእታው ሓሳባቶምን ትጽቢታቶምን ኣካፊሎም፣ እዚ ምብጻሕ ብዙሕነትን ህያውነትን ቤተ ክርስቲያን ኣርጀንቲና ዘንጸባርቕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ” ኢሎም።

ተሰካሚ ሰላም

ናይ ሰበኻ መንዶዛ ሊቀ ጳጳሳት ኮሎምቦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣገልግሎቶም ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዞም “ቃላትን ምልክትን ከም ሕያዋይ ጓሳ” ንቤተክርስትያንን ምእመናንን ዘሰንዮም ምዃኖም ኣስተብሂሎም።

“ሕጂ ኣብ መንጎና ክርከቡ እዮም፣ ምስ ህዝቢ ኣርጀንቲና ናይ ወንጌላዊ ምብጻሕ ከካፍሉን ሓያል መልእኽቱ ሰላም፣ ተወፋይነት ንሰብኣዊ ክብረትን ቀጻሊ ቤተ ክርስቲያናዊ ሕዳሴን ዘምጽእ እዩ። ሲኖዳውነት ተልእኾን- ተልእኾን ሲኖዳውነት- ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ፡ ኣብ መልእኽትታትን እማመታትን ቅዱስ ኣቦና ተደጋጋሚ ቅዉም ሓሳባት እዮም” እንክብሉ ወሲኾም ይሕብር።

ኣብታ በርጎግልዮ ብዙሕ ግዜ ዝጽልዩላ ኣብ ዝነበረት ሉኻን ዝግበር ጽምብል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብ ኣርጀንቲና ቅድሚ ምብጋሶም ናብ ሉኻን ብምኻድ ኣብ ቅድሚ ሓላዊት ቅድስቲ ማርያም ዘሉኻን ክጽልዩ እዮም። እቲ በዓል "ምንጪ ሓጎስን ተራዳኢት ኩሎም ኣርጀንቲናውያን ዝኾነት ኣዴና ንኽንራኸብ ዕድልን ክኸውን'ዩ - ቢሎም - ኣብኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምህላዎም - ከምቲ ብዙሕ ግዜ ካርዲናል በርጎሊዮን ጳጳስ በርጎሊዮን ኣባ በርጎሊዮን ዝረኸብናዮ፡ ከምኡ'ውን ንር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣርጀንቲና ዝተቐበልናዮም - ንዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓድነትን ብመንፈስ ደቂ እግዚኣብሔርን ንምስትምቓር ጽቡቕን ዘደንቕን ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ" እንክብሉ ናይ ኣርጀንቲና ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

07 Aug 2026, 14:56