ሊቀ ጳጳሳት ንዋቹኩ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል
ዜና ቫቲካን
"ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ንባህላዊ ስኒትን ከባብያዊ ሰናይ ሂወትን" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ መጀመርታ ምሉእ ኣኼባ ጉባኤ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን 2026 ዝተሳተፉ ሊቀ ጳጳስ ፎርቱናተስ ንዋቹኩ ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ስብከተ ወንጌል፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ወዲ ሰብ ምርጫ ከም ዝገጥሞ ገሊጾም፡ ኣብታ ብህውከትን ርእሰ - ብቑዕነትን ጫውጫውታን ዝተለለየት ዓለም ምሩኽ ምዃን፡ ወይ ድማ እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ብሕብረት ክነብሩላ ዝኽእሉ መናድቕ ከተማ ብሓባር ዳግማይ ምህናጽ ዝብል ምርጫ እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ከም ምላሽ ናይዚ ብድሆ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንምህናጽ ዘቕረብዎ ዕድመ ኣቃሊሖም - እዚ ዕማም እዚ፡ እዋናዊ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓዙ ደቀ መዛሙርቲ "ደረጃ ብደረጃ" ክፍጸም ከም ዝኽእል ይገልጹ: ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቀ መዛሙር ምዃን ቅድሚ ጽልዋ ክመጽእ ከም ዘለዎ ዘእመኑ።
ካብዚ ኣስተንትኖ መንነትን ተልእኾን ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሃን ጀሚሮም ሊቀ ጳጳሳት ንዋቹኩ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ጸዋዕታን ተራን ናይቶም ኣብ ርክብ ዝነጥፉ ሰባት ተወሳኺ ርድኢት የቕርቡ።
ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን፡ ሓዋርያት ኣብ ሓድሽ ቦታታት ስብከተ ወንጌል
ሊቀ ጳጳሳት ንዋቹኩ ብዛዕባ ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዘገልግሉ ሰብ ሙያ መራኸቡ ብዙሓን መለለዪ ክኾኑ ዝግበኦም ጽቡቕ ባህርያት ምስ ተሓተቱ፡ ንፍቕሪ ኣምላኽ ከመሓላልፍን ህላወ ኢየሱስ ክርስቶስ ክእውጅን ዝኽእል፡ መሳርሒ ድሕነት ዝኸውን መልክዕ መራኸቢ ብዙሓን ክለማመዱ ከም ዝተጸውዑ ኣስሚሮም፡ ኢየሱስ “ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” እንክብል ዝሃቦ ትእዛዝ ብምዝካር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣህዛብ ብቐንዱ ከም ኣካላዊ ቦታታት ይፍለጡ ከም ዝነበሩን፡ ሎሚ ግን ሰባት ዝራኸብሉ፡ ንሓድሕዶም ዝዋስኡሉን ዝጸላለዉሉን ማሕበረሰባት ዝሃንጹሉን ሓደስቲ ቦታታት ተቐልቂሎም ኣለዉ፡ እዚኦም ድማ ኢንስታግራም፡ ቲክቶክ፡ ዩቱብን ካልኦት ስነ ኣሃዛዊ መድረኻትን ይርከብዎም። በዚ ምኽንያት ድማ ብስራት ጎይታ ኣብ ስጋዊ ቦታታት ተሓጺሩ ክጸንሕ ዘይኮነስ ናብ ስነ ኣሃዛዊ ዓለም ክበጽሕ ኣለዎ። ብተወሳኺ ነፍሲ ወከፍ ዝሕተም ትሕዝቶ-ጽሑፍ ይኹን፣ ምስሊ ወይ ድምጽን ስእልን ፍርያት- ካብ መጋበርያ ሓበሬታ ንላዕሊ ክኸውን ነዚ ጸዋዕታ ብሙሉእ ንቕሓት ምሕቋፍ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ብኣጽንዖት ሓቢሮም። ሕብረትን ተስፋን ከዕቢ፣ ድልድላት ክሃንጽ፣ ርክብ ከተባብዕን መልእኽቲ ወንጌል ናብ ልቢ ሰባት ዝበጽሕ ሓድሽ መንገዲ ክኸፍትን ይግባእ።
ቅድሚ ምርኻብ ድልዱል መንነት
ንመጻኢ መራኸብቲ እንታይ መልእኽቲ ከም ዝህብ ምስ ተሓተቱ ድማ፡ ናብ ገለ ካብቲ ኣብ መድርኽ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓደ ጉባኤ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን 2026 ዘካፈሎ ኣስተንትኖታት እናሓሰቡ፡ ብፍላይ ንመንእሰያት መራኸቢታት ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ጻውዒት ቀሊል ግን ከኣ መሰረታዊ ጻውዒት እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ "ቅድሚ መድረኻት ምህናጽ ኣእምሮኻ ምህናጽ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ" ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዓውዲ ጸላውነት ቅድሚ ምድላይ ውሽጣውነት ምድላው፡ ህንጸት ደቂ ሰባትን መንፈሳዊ ብስለትን ክመጽእ ከምዘለዎ የብርሁ። ብተወሳኺ ነፍሲ ወከፍ ስነ ኣሃዛዊ ጉዕዞ ናይ ቀቢላውነት፣ ውልትውነትን ወይ ምፍልላይ ዘይኮነስ ናይ ርክብ መንገዲ ክኸውን ንሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ኣተባቢዖም ኣብዚ ዓውዲ እዚ፡ "ሓልዮት ንፍጥረት ኣገዳሲ ኣካል ናይቲ ዘካፍልዎ ዛንታታት ምዃኑ" ብምዝካር፡ ንሓባራዊ ገዛና ዝምልከት ክንክን ኣብ ትረኻታቶም ምውህሃድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም።
ኣብ መደምደምታ ሊቀ ጳጳሳት ንዋቹኩ ንሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃን - ጋዜጠይናታት ተልእኾኦም ኣብ ዓሚቝ መንነት ዝተሰረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ማለት ኣብ ቅድሚ ቀንዲ ተዋሳእነቶም ደቀ መዛሙርቲ ምዃን፡ መጋበርያ ምፍልላይ ዘይኮነስ ሃነጽቲ ድልድል ምዃን፡ ከምኡ’ውን መሰኻኽር ተስፋ ወንጌል ኣብዚ ናይ ሎሚ ሓድሽ ስነ ኣሃዛዊ ቦታታት’ውን ምስ ኣምላኽ ክትራኸብ ዘድልያ ዓለም እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።