ብፁዕ አቡነ ማርቲነሊ፦ ውግእ ከቶ መፍትሒ ኣየምጽእን እዩ
ዜና ቫቲካን
ካብ 2022 ጀሚሮም ንሰለስተ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ዖማንን፡ የመንን ንዝሓቆፈ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ደቡባዊ ዓረብ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ካብ ማኅበር ንኡሳን አሐው ካፑቺን ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ፓውሎ ማርቲነሊ፡ “ኣጽዋር ብርግጽ ከቶ ናብ መፍትሒ ኣይመርሕን እዩ” ይብሉ።
ብፁዕ አቡነ ማርቲነሊ ምስ ኣንድርያ ቶርኒየሊ ካብ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት፡ ብዛዕባ ናብራ እቶም ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ክርስትያንን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ኢራንን ዝተወልዐ ውግእ ከመይ ከም ዝተቐየረን ገሊጾም።
እቶም ጳጳስ ከምዚ ይብሉ፦ “ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንዓና ዝፈተነ ኣጸጋሚ ተመክሮ እዩ ነይሩ፤ እንተኾነ ግን እቲ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብን ምእመናንን ንቤተ-ክርስትያን ዓቢ ናይ ተኣማንነት ምስክርነት ሂቦም እዮም ክብል ኣለኒ። ንሕና ንዘቕረብናዮም ተበግሶታት ወትሩ እሙናት እዮም ነይሮም። ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ መጥቃዕቲ ጀሚረ፡ ምእመናን ብሓባር ክጽልዩ፣ ንጸገም ዘለዎም (ስራሕ ዝሰኣኑ) ክሕግዙ፣ ልዕሊ ኵሉ ድማ ነቲ ብሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ዝወሃብ መምርሒታት ክስዕቡ ዝጽውዕ ደብዳቤ ጸሒፈ ነይረ። ሰባት ብብዝሒ ክሳተፉ ንምኽኣልን፡ ካልእ ምትእኽኻብ ንምንካይን ቁጽሪ መዓልታዊ ቅዳሴታት ወሲኽናዮ ነይርና። እቶም ሕዝቢ ከኣ ናይ ተኣማንነትን፡ ጸሎትን፡ ናይ ሓባር ደገፍን ጽቡቕ ኣብነት ኣርእዮም።”
ብፁዕ አቡነ ማርቲነሊ ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብተን ብዝሒ ኣመንቲ እስልምና ዝነብሩለንን፡ ወንጌል ብግህዶ ምስባኽ ብሕጊ ኣብ ዝኽልከለለን ሃገራት፡ “ንእምነትና ካብ ምንባር ዝኽልክለና የለን—ስለዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ብናይ ሓቂ ርክባትን፡ ብዘተን፡ ምስክርነትን ጌርና፡ ናይቲ ወንጌል ሓጎስ ክንምስክር ንኽእል ኢና።”
እቶም ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ቀጺሎም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ሪሚኒ ኣኼባ (Rimini Meeting) ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምዝካር ከምዚ ኢሎም፦ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም መሰረታዊ ዝኾኑ ናይ መላእ ክርስትያናዊ ሕይወት ኣርእስትታት ተንኪፎም እዮም። ብተወሳኺ ድማ እቲ ንቤተ-ክርስትያን ዘሎ ፍቕሪን፡ ንሕብረት ቤተ-ክርስትያን ዝግበር ጻዕሪን፡ ከምኡ’ውን እቲ ከም መሰረት ዝውሰድ ናይ ሕብረት ክብሪ ኣገዳሲ እዩ። ንዓና፡ ከም ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣካላትን፣ ባህልታትን፣ ቋንቋታትን፣ ስርዓታትን ዘለዉና ቤተ-ክርስትያን መጠን፡ እዚ ናብቲ ናይ መጀመርታ ምንጪ ሕብረት ንምምላስን፡ ንቤተ-ክርስትያን ከም ዘላታ ንምፍቃርን ዝቐረበ ጻውዒት ምስማዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነይሩ። እዚኦም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኵሎም ክርስትያን ኣገደስቲ ቃላት እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።”
ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሪሚኒ ዘቕረብዎ፡ ቃላትን፡ ኣእምሮን፡ ሃገራትን ካብ ኣጽዋር ነጻ ክኾኑ ዝጽውዕ መልእኽትን፡ ነቲ ናይ ኣጽዋር ውድድር ዕሽነት ኢሎም ዝሃብዎ ኩነኔን ብምምልካት፡ ብፁዕ አቡነ ማርቲነሊ ከምዚ ይብሉ፦ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ወትሩ ዝጠቕስዎ ብኣጽዋር ዘይተደገፈን ኣጽዋር ዘውርድን ሰላም “ኣዝዩ ወሳኒ እዩ፤ ምኽንያቱ እንኮ ንቕድሚት ዘሰጉመና መገዲ ሰላም ብምስፋሕን፡ ብትዕግስቲ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ጥራይ ምዃኑ ብንጹር ክንርእዮ ንኽእል ኢና።”
ብፁዕ አቡነ ማርቲነሊ ቀጺሎም፡ “ብርግጽ፡ ኣጽዋር ከቶ ናብ መፍትሒ ኣየምርሕን እዩ፤ ስለዚ ንዘተ ትዕግስቲ ክህልወና ይግባእ፣ ከምኡ’ውን ንሓባራዊ ሰላም ክንጽዕር ኣለና፣ እዚ ድማ እቲ እንኮ ክኸውን ዝኽእል፡ ናይ ኣሳታፍን፡ ፍረ ሓባራዊ ናብራን ዘለዎ መገዲ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጽዋር ዘውርድ ሰላም ንምስፋሕ ዝተዛረብዎ ቃላት፡ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና፡ ኣብ ልብናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትናን ከነቐምጦም ዝግባኣና ኣገደስቲ ቃላት እዮም።”