ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ኣሲዚ፡ ቅድስቲ መሬት ክርስትያን ኣብ ከቢድ ኩነት እውን ይሃልዉ ንሰላም ይደልዩ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ኣሲዚ፡ ቅድስቲ መሬት ክርስትያን ኣብ ከቢድ ኩነት እውን ይሃልዉ ንሰላም ይደልዩ  (ANSA)

ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ኣሲዚ፡ ቅድስቲ መሬት ክርስትያን ኣብ ከቢድ ኩነት እውን ይሃልዉ ንሰላም ይደልዩ

ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘበኢየሩሳሌም ብውስጠ - ሃይማኖታት ተቕዋም ኤላጃ ዝድገፍ ሓድሽ ኣህጉራዊ ውጥን ዓለምለኻዊ ቤት ምሕዝነትን ተስፋን ንምምራቕ ኣብ ከተማ ኣሲዚ ኣብ ዝተረኽብሉ ንቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብዛዕባ ቅድስቲ መሬት ብምዝታይ ብዛዕባ እቲ “ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም” እንክብሉ ዝገለጽዎ ኩነታት ዘለዎም ስክፍታ የካፍሉ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ኣሲዚ ንጉስነታዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 6 ነሓሰ ከምኡ’ውን ንመመረቕታ ዓለማዊ ቤት ምሕዝነትን ተስፋን ኣብ ኣሲዚ ዝተረኽቡ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘበኢየሩሳሌም ብዛዕባ እቲ ዕለት 27 ጥቅምቲ ዝካየድ ምርጫ እስራኤል ምስ ጋዜጠይናትት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ "ኩሉ ሰብ ንኹሉ ጸገማት ዝፈትሕ ክኸውን ይኽእል ብዝብል ኣተሓሳስባ ናብቲ ምርጫ ይጥምት ኣሎ። ኣብ ክውንነት ግን ጸገማት ማእከላይ ምብራቕ ዓቢ ግዜ ዝሓትት ዓይነት እዩ። ሓደስቲ ገጻት፡ ሓደስቲ መራሕቲ የድልዩና። እዚ ናይቶም መረጽቲ ውሳነ ይኸውን” እንክብሉ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ኩነታት "ዓቢ ወጥረት ዝዓብለሎ” እንክብሉ ብምግላጽ፡ ዋላ'ኳ "ዘይፈላልይ ደብዳብ ኣብ ዝፍጸመሉ ኩነታት ኲናት እንተዘይኮንና፡ ዓመጽ ግን ኣብ ቓዛ፡ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ፡ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝምድናታት ዝጸልው ዘሎ ተመክሮ ሓፈሻዊ መንጽር ኮይኑ'ሎ" ኢሎም።

ክርስትያን ነዚ ብተደጋጋሚ ዝፈርስ ቀጻሊ ዑደት ተስፋ ስምምዓትን ዘተን ብኸመይ ይነብርዎ?

ክርስትያን ከም ኩሉ ሰብ በዚ መወዳእታ ዘይብሉ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ብዝመላለስ ድሒሩ ኣብ ፍጻሜታት ብዝጋጮ መወዳእታ ዘይብሉ ውሳነታት ኣዝዩ ደኺሙ እዩ። ኣካል መዓልታዊ ህይወት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ኣብ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዘይምትእምማን ስምዒት ፈጢሩ ኣሎ፣ ሓቀይና ውሳኔታት እውን ንኽኣምን የጸግሞ ኣሎ። ናይ ብሓቂ እወታዊ ነገር ምስ ዘጋጥም ድማ፡ ሓንጎፋይ ቢሎም ንኽቕበልዎ የጸግሞም። ብሓጺሩ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዩ።

ናይ ተስፋ ምልክታት ትርእዩ ዶ?

እወ ተስፋና ቀጻሊ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ቓዛ፡ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን እስራኤልን ህይወቶም ኣብ መስመር ምቕማጥ ዝቕጽሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ብቐጻሊ ምስ መንእሰያት እራኸብ፡ ግን ከኣ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን - መምሃራንን ካልኦት ብመንጽር ዝምድናታቶም ዝኸስርዎ ነገር ዘለዎምን - ገና ግን ክሳተፉ፡ ርክባት ክሃንጹ፡ ንኻልኦት ክከላኸሉ ይመርጹ። ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ምሉእ ኣካላት በዚ ተህዋስ ዓመጽ ከይልከፍ ዝኸላኸለሉ ጸረ - ኣካላት ኣለዉ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ቍምስና ቅድስቲ ስድራ ብናይ እስራኤል ሮኬት ክውቃዕ እንከሎ ኩላትና ብስክፍታ ተዓዚብና ኢና። እቲ ቍምስና ንብዙሓት ኣረጋውያንን ስንኩላንን የዕቁብ። ሎሚ እቲ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ?

541 ሰባት ኣለዉ። ንነፍሲ ወከፍ ንጽል ብስሙ ንፈልጦ ኢና። ብዝከኣሎም መንገዲ ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱ ይጽዕሩ ኣለዉ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዳግም ንምኽፋት ንሰርሕ ኣለና። ማእከል ሕክምና ከፊትና ኣለና። ካህናት ኣለዉ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ንህጻናት ዝኸውን ንጥፈታት ዘካይዳ ኣዝየን ንጡፋት ደናግል ኣለዋ - ክርስትያን ህጻናት ጥራይ ዘይኮነ። ኣብ ማእከል ከምዚ ዝበለ ዝዓነወ ክውንነት ልዕሊ ኩሉ ብዝተኻእለ መጠን ጥዑይን ሰላማውን ዝኾነ ሃዋህው ዳግማይ ክንፈጥር ንጽዕር ኣለና።

ኣቐዲምኩም ብዛዕባ ምልክታት ተስፋ ተዛሪብኩም ነርኩም። ዝያዳ ዘጨንቐኩም እንታይ እዩ?

ኣብዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ዘሻቕለኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብዚ ናይ ውግእ ይኹን ሰላም ዘይብሉ ኩነታት፡ ኣብዚ ብጭቡጥ ከይፈጠርና ብዛዕባ ፍታሕ ምዝራብና ዝቕጽለሉ ዘይንጹር ኩነታት ተዓጽና ምህላውና እዩ። እዚ ንዓይ የሻቕለኒ ምኽንያቱ ኣብ ልቢ ሰባት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተጠራጣርነትን ዘይምትእምማንን ዝብል ኣተሓሳስባ ንዓመጽን ግጭትን ነዳዲ ስለ ዝኸው፡ እዚ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ዝዓበየ ሓደጋ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መንእሰያት - ጣልያናውያንን ካልኦት ኤውሮጳውያንን ኣመንትን ዘይኣመንትን ብማዕረ ተራኺቦም እዮም . . .

ብርግጽ ኣረጋውያን ዝኽርና እዮም፣ መንእሰያት ግን ተስፋና እዮም። ስለዚ ንመጻኢ ብርእሰ ተኣማንነት ክንጥምት ይግባእ። ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ዝመጽእ ወለዶታት ክኾኑ እዮም። ካብቲ ንሕና ዘረከብናዮም ዝተፈልየ ነገር ክሃንጹን ከቕርቡን ካብ ጌጋታትና ተማሂርና ኣብኦም ዓቕምናን ወጻኢታትናን ከነዋፍር ኣሎና።

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እተካይድዎ ርክባት . . .

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዝዮም ቀረባና እዮም ብዛዕባ ኩሉ ዝፍጸም ዘሎ ብቑዕ ሓበሬታ ኣለዎም፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዳርጋ ኣብኡ ከምዘለዉ እዩ፡ እንተ እቲ ጳጳሳዊ ምብጻሕ ናብ ቅድስቲ መሬት ግን ይንዋሕ ይሕጸር ብርግጽ ክኸውን እዩ፣ ግን ኣብ ርግኣት ኣብ ዝህልወሉ ኩነታት ክካየድ ኣለዎ።

ብናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓልዮት ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኣብ ኣሲዚ ዝካየድ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ምእንቲ ሰላም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መበል 40 ዓመት ክዝኸር እዩ። ብኸመይ ክዝከር ኣለዎ?

ናይ ናፍቖት ተመክሮ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምጥማት ንድሕሪት ክንጥምት የብልናን። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርብዓ ዓመታት ብዙሕ ተፈጺሙ እዩ። እንተኾነ ግን ብሰንኪ እቲ ንዓለም - ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ - ዝጸሉ ዘሎ ግጭታት ሕጂ ኣብ ነጥበ መቐይሮ ኢና ዘሎና። እዚ ዝኽሪ እዚ፡ ሓቀይናን ቅንዕና ዘለዎን ፍረ ዘለዎን መንገዲ ምእንቲ ክኸውን፡ ንኹሉ እቲ ዝተረጋገጸ ሰናይን ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆታትን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ፈላሚ ሓድሽ ጉዕዞ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

07 Aug 2026, 15:00