ክርስትያን ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ብሰንኪ ዓመጽ ሰፋሮ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ክርስትያን ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ብሰንኪ ዓመጽ ሰፋሮ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ 

ክርስትያን ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ብሰንኪ ዓመጽ ሰፋሮ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ

መጥቃዕቲ ሰፋሮ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዝተረፈት መላእ ክርስትያናዊት ቁሸት ፍልስጤም ታይበህ ተደጋጋሚ ክውንነት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን መድሓኒ ኣለም ካህን ኣባ በሻር ፋዋድለህ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ እቲ ህልው ኵነታት መሬቶም ሓዲጎስ ክስደዱ ክገድዶም ዝኽእል ስግኣት ይገጥሞም ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ዜና ቫቲካን

"ታይቤህ ከይትርሳዕ! ታይብህ ሰማዒ ዘይብላ ኮይና ክትጠፍእ ኣይንፍቀድ” እንክብሉ ኣባ በሽር ፋዋድለህ  ኣብ ዘውጽእዎ ህጹጽ ልመና፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሉእ ብምሉእ ክርስትያናዊት ቁሸት ፍልስጤም ዘሎ ተሪር ክውንነት የቃልዑ።

ኣብታ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዕቝባ ዝረኸቡላ ተባሂሉ ዝንገረላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኤፍሬም ብዝብል ስም እትግለጽ ናይ ሎሚ ታይቤህ፡ ሕጂ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ሕብረተሰብ ኮነ ተባሂሉ ብዝወርዶም ምፍርራሕ፡ ንብረት ምምንዛዕን ብዝቖሙ ዘይሕጋዊ ሰፈራታትን ኣብ ዓቢይ ስግዓት ከም ዝርከቡን ክንገር እንከሎ፡ ዝሓለፈ ዕለት 9 ነሓሰ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ታይበህ ንዘይነበርቲ ዕጹውቲ ከተማ ምዃኑ ብምእዋጅ፡ እስራኤላውያን ናብታ ከተማ ፍልስጤም ከይኣትዉ ብውጽኢታዊ መንገዲ ይዓግቱ ምህላዎምን ብመሰረት ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል፡ እቲ ገደብ ንፍልስጤማውያን ዘይኮነስ ንእስራኤላውያን ጥራይ ዝምልከት ኮይኑ፡ "ኣብቲ ዞባ ብእስራኤላውያን ዝተፈጸመ ሓያሎ መጥቃዕትታት" ስዒቡ "ንነበርቲ እቲ ከባቢ ንምክልኻል" ዝተሓገገ'ዩ።

ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ቆሞስ መድሓኒ ኣለም ቤተ ክርስቲያን ኣባ ፋዋድለህ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም፡ ዓለማዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ደገፍን ከተቕርብ ይምሕጸኑ።

ኣባ በሽር ታይበህ ብወራር እስራኤላውያን ሰፋሮ ትሳቐ ኣላ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ሰፋሮ ካብ ቁምስናኹም ናይ ዝርከቡ ተቐማጦ ኣባይቲ ሰፋሮ እስራኤላውያን ብሓይሊ ሰቢሮም ከም ዝኣተዉ ይንገር፡ ብልክዕ ዕለት 5 ነሓሰ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ኣዚዩ ዘሰክፍ እዩ። ካብቲ ዝጠቐስካዮ ገዛ እቶም ተቐማጦ ንኽወጹ ኮነ ተባሂሉ ዝተሓሰበ ከም ዝነበረን ኣብ ውሽጢ ሓያሎ መዓልታት ክልተ ሰፋሮ ናብቲ ገዛ ሰቢሮም ከምዝኣተዉን ነቲ መሬት ሒዞም መጓሰ ናብቲ ገዛ ከም ዘምጽኡን። እቶም ሰፋሮ እውን ነቲ ሓጹር ሰባቢሮምዎ እዮም፡ እዚ ተነጺሉ ዝረአ ፍጻመ ኣይኮነን፤ ፍልስጤማውያን ኣባይቲ ስድራ ካብ መሬቶም ንኽወጹ ንምግባር ናይ ፍርሒ ሃዋህውን ጸቕጥን ንምፍጣርን ዝተዳለወ ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ምግፋዕ ሜላ እዩ። እታ ስድራቤት ብህይወት ምትራፋ ብሓቂ ንኣምላኽ ነመስግን።

ኣብቲ ዳሕረዋይ ምትእትታው እዛ ስድራቤት ኣብ ገዛ ኣይነበረትን፡ እዚ ግን ብኣካልን ስነ-ኣእምሮኣውን መዳይ ከቢድ መከራ እዩ።

ንስድራቤትካ ገዛ ከተዳሉ እሞ፡ ዘይትፈልጦም ሰባት ከም ድላዮም ክሰግርዎን ክሕዝዎን ክትረእይ ብሓቂ ከቢድ እዩ። ኣብዚ ኣብ ታይበህ እንነብሮ ዘለና ክውንነት ነዚ እዩ ዝመስል። ብሓቂ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክዛረበኩም ከለኹ፡ እቶም ሰፋሮ ኣብቲ ዝሕዝዎ ከባቢ ዳስ ክተኽሉ እውን ተመሊሶም ኣለዉ። ክትጻወሮ ክትኣምኖ ዘጸግም ኩነታት እዩ ዘሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ካልኦት ኣባይቲ ስድራ በዚ ዓመጽ ተሃስዮም ድዮም?

ኣብ መላእ ምዕራብን ምብራቕን ደቡብን ታይበህ ዝርከባ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ በዚ ናይ ሰፋሮ ዓመጽ ይሳቐያ ኣለዋ። ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብርዎ ኣብ ባዶ መሬት ሓዊ ተንድዱን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ካብታ ዓዲ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ባርዕ ሓዊ ፈጺሞም እዮም። እቶም እስራኤላውያን ሰፋሮ ጉድኣት ከብጽሑን ነቲ መሬት ክሕዙን እዮም ዝመጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ኩነታት ኣዝዩ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ዳርጋ መዓልታዊ ወራር፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ውልቃዊ መጥቃዕቲ፡ ምዕናው ናይ ሕርሻ መሬት፡ ምዕጻው ጽርግያታት፡ ገደብ መገሻን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይሕለል ጸቕጥን የጋጥመና።

ህዝቢ ታይበህ ዝተረሰዐ ኮይኑ ይስምዖ ድዩ?

እወ። ዝተረሳዕና ኮይኑ ይስምዓና፣ ምሉእ ብምሉእ ድማ በይንና ኮይኑ ይስምዓና። ሕጋዊ ኣማራጺታት ኣለዉ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣዝዮም ድሩታትን ሳሕቲ ውጽኢታውያንን እዮም። ስለዚ ድማ እዩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣህጉራዊ ህላወን ጸቕጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን። ነዚ ዓመጽ መወዳእታ ንምግባር ንሰላማዊ ህዝቢ ጭቡጥ ሓለዋን ሓቀይና ፖለቲካዊ ድሌትን የድልየና።

ኣብዚ ሕይወትና ንኽንቅጽልን ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ክንምስክርን ሓገዝ የድልየና። ኣብዚ ኣብ ታይበህ ዘሎ ህላወ ክርስትና ምዕቃብ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ። ኩሉ ዝፍጸም ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገለ ነበርቲ መሬቶም ገዲፎም ኩሉ ዛሕዚሖም ኣብ ዝደልዩሉ ምስ መሬትካን ከባቢኻን ናብ ምብታኽ ደረጃ ይበጽሑ ኣለዉ።

ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ምግባር ነቶም ምስ ኩሉ ዘጋጥም ስቓይ ኣብ መሬቶም ክተርፉ ዝደልዩ ብኸመይ ይድግፎም?

ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እኳ እንተዘየለ፡ ንኽንቅጽል ዝገብረና ኣዝዩ ፍሉይ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና ተስፋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለና እምነትን እዩ። ዓለማዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንታና ጸሎታ ከተሐይልን ንፓትርያርክ ላቲን ዘኢየሩሳሌም፡ ከምኡ’ውን ንመላእ ቅድስቲ መሬት ክትድግፍ ንላቦ። ጸሎት ተኣምራት ከም ዝገብር ኣጽኒዕና ንኣምን።

ንታይበህ ኣይትረስዕዋ። ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኩሉ ካቶሊካዊ ሰበኻታት ብዛዕባ ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ክዛረባ፣ ብዛዕባ እዞም ኣብ ራዕዲ ዝነብሩ ዘለዉ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ክዛረባ እዕድም። ትውልዲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ስቕታ ክጠፍእ የብሉን። ብሓባር ነዚ ህያው ኪዳን እምነት ክንዕቅቦ ንኽእል ኢና። ካብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ተልእኾታትን ካብ ካርዲናል ፒዛባላን ዝገበረልና ምብጻሕን ምጽንናዕን ዘረጋግጸልና ኣገዳሲ ስምዒት ድሕነት ዝህበናን ምዃኑ እውን ከረጋግጽ እደሊ።

ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኦርቶዶክሳውያን፡ ላቲናውያን፡ መለካውያንን ግሪኻውያንን ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት፡ ነቶም ግዳያት ንምድጋፍ ብኸመይ ይውደቡ ኣለዉ? እዚ መሪር ፍጻመታት እዚ ንሓድነት ክርስትያናዊ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣደልዲልዎ ድዩ?

እዚ ቅልውላው እዚ ኣብ ዝገጥሞ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ሓደ ኮይኑ ደው ይብል። ቤተ ክርስቲያን ጎኒ ጎኒ እዞም ኣባይቲ ስድራ ትኸይድ ኣላ፣ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ትድግፍ፣ ኣብ መንጎ ነበርቲ ምትሕግጋዝ ተዓቢ፣ ክብሪ ሰብኣዊ ምክልኻል ትቕጽል ኣላ። ምስ ናይ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክባት ውክልናታት፡ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ከምኡ’ውን መራኸቢ ብዙሃን ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና፡ ክውንነት ታይበህ ክፍለጥን ድምጽና ከይዕበጥን ንሰርሕ ኣለና።

ብመንገዲ መድረኽኩም ኣቢለ ብቐጥታ ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ ናይ መወዳእታ ክርስትያናዊት ቁሸት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ጣልቃ ክኣትዉ ጻውዒት ከገብር እፈቱ፣ እዚ ናይ ሰፈራ መጥቃዕትታት ደው ክብልን መሬትና ምዝማት ደው ክብልን። ብሰላምን ብፍትሕን ብኽብርን ክንነብር ኢና ንደሊ።

ታይበህ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ፍልስጤም እንታይ እዩ ዘመልክት?

ብፍላይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ መሬት ዝተወልደላን ዝተንቀሳቐሰላን ክልተ ሽሕ ዓመት ዘኽብር ኢዮቤል 2033 ኣብ እንዳለወሉ ዘለና እዋን፡ ንኹሉ ሰብ ኣገዳስን መሰረታውን ምልክት እዩ። ታይበህ ኣብዚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ክርስትና ንምዕቃብ ኣብ ቅድመ ግንባር ደው ኢላ ኣላ። ኢየሱስ ቅድሚ ስቓዩን ሞቱን ትንሳኤኡን ኣብ ታይበህ ክዕቆብ ዝመረጸ ምንባር ንዘክር። ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘለዎ ነባሪ ህላዌን ህያው ምስክር ኮይንና ክቅጽል ይግባእ። ዓለም ምስ ታይበህ ደው ክትብል ኣለዋ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን መደብ ቋንቋ ፈረንሳ ጋዜጠይና ሚርያም ሳንዱኖ ብስልኪ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

11 Aug 2026, 16:11