ጳጳሳት ኮሎምብያ ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ንምትሕግጋዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም ጳጳሳት ኮሎምብያ ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ንምትሕግጋዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ኮሎምብያ ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ንምትሕግጋዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም

እቲ ሓያል ርእደ መሬት ንምዕራባዊ ዞባ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሃሰየን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኮሎምብያ ዝተሰምዐን ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ 130 ከም ዝሞቱን፡ ኣስታት 600 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ማህሰይቲ ከም ዘጋጠሞም ክሕብር እንከሎ፡ ፐረይራ እታ ዝበዝሐ መጉዳእታ ዘጋጠማ ኮተማ ኮይና፡ ኣብ ማኒዛለስ ህንጻታት፡ ኣባይቲ ሕክምና፡ ኣብያተ ትምህርትን ቦታታት ኣምልኾን ከም ዘዕነወን። ሽዱሽተ መዓርፎ ነፈርቲ ንደሕንነት ኣስጋኢ ከም ዘይኮነ ዘራገግጽ መርመራ ንኽካይድ ምብዝብል ውሳኔ ከም እተዓጸዋን፡ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ህይወት ይቕጽል ከም ዘሎ ይንገር።

ዜና ቫቲካን

ዕለት 10 ነሓሰ ኣብ ምዕራባዊ ኮሎምብያ ብዘጋጠመ ሓያል ርእደ መሬት ልዕሊ 130 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 570 ድማ ከም ዝቖሰሉን ብዙሓት ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሰፊሕ ዕንወት ከም ዘውረደን፡ ጉጅለታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ትሕቲ ዝፈረሱ ህንጻታት ተዓጽዮም ዝተረፉን ዝተቐብሩን ሰባት ናይ ምድላይ ስርሒት የሳልጡ ከም ዘለውን እንክሕበር፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፉ ሰዓታት ዝተዘርግሐ ገምጋማት ፈለማ 7.4 ሬክተር ዝተለክዐ ርእደ መሬት፡ ማእከሉ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ቾኮ ከባቢ ሳን ሆዜ ደል ፓልማር ምዃኑ እንከመላኽት፡ እቲ ርእደ መሬት ኣብ ሰፊሕ ክፋል ኮሎምብያን ኪኖ ዶባት እታ ሃገርን እውን ከም እተሰምዐ ይሕበር።

ፐረይራ እታ ብርቱዕ መጉዳእታ ዘጋጠማ ከተማ

እቲ ዝኸበደ ኩነታት ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ኮሎምብያ ካብ ዘለዋ ቀንዲ ማእከላት ህዝቢ ዝኾነት ፐረይራ ከምዝተራእን እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓጽዮም ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ምብጻሕን ምድላይን ትሑት መጉዳእታ ዘጋጠሞ ህንጻታት ምውሓስን እዩ። እቲ ርእደ መሬት ኣዝዩ ሰፊሕ ከባቢ ስለዝጸለወ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጽን መራኸቢታትን ዘስዓቦ ጽልዋ ከቢድ ብምዃኑ፡ ሓፈሻዊ ገምጋም ዘጋጠመ ጉድኣት ንምቅራብ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ብፍላይ ኣብ ማኒዛለስ ሳዕቤኑ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ። ብመሰረት ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ልዕሊ ዓሰርተ ህንጻታት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነወን፡ ልዕሊ ዕስራ መንበሪ ኣባይቲ ድማ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ዕንወት ከም ዘጋጠመንን፡ ኣባይቲ ሕክምና፣ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን እውን ከም ዝዓነዉን፡ ኣብታ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ሃይማኖታዊ ምልክታት እታ ከተማ ዝኾነት ካቴድራል ማኒዛለስ ዕንወት ከም ዘጋጠመ እውን ተገሊጹ ኣሎ። ካብቶም ዝተጎድኡ ከባቢታት ዝተረኽቡ ምስልታትን ናይ መጀመርታ ጸብጻባትን ኣብ ጎደናታት ፍርስራስን ዝተጎድኡ መዋቕራትን ዘርእዩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሰብመዚ ድማ ነበርቲ ካብ ውሑስ ዘይኮኑ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ህንጻታት ክረሓቑ ይላበዉ ከም ዘለዉ ይንገር።

እቲ ርእደ መሬት ኣብ ካሊ እውን መጉዳእቲ ከም ዘስዓበን ኣብ መላእ እታ ከተማ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ከም እተዋፈሩን፡ ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተዓጽዮም ከም ዝነበሩን ትካላት ክንክን ጥዕና ከም ዝተጎድኡን ይሕብሩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ክፍሊ ቾኮ ዝኾነት ኲብዶ እውን መጉዳእትን ዕንወት ትሕተ ቅርጽን ከምዝተራእየ ይሕበር።

መልሲ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን

ኣቦ መንበ ጉባኤ ጳጳሳት ኮሎምብያ፡ ግዳያት፡ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ንዘይተረኽበ ንምድላይን፡ ንዝተጎድኡን ንዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራን፡ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ንእግዚኣብሔር ኣማሕጺኖም ኣብዚ ከቢድ እዋን እዚ ቅርበትን ሓገዝን ጸሎቶም ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያ ኣረጋጊጾም፡ እዚ ብውልቂ ክገጥሞ ዘይክእል ዓቢይ ህጹጽ ኩነታት ምዃኑ፡ ሃገር ከም ሓንቲ ስድራቤት ምዃና ኣፍልጦ ክትህብን ንመከራ ብልግስን ብሓላፍነትን ሓድነትን ክትምልስን ዝጠልብ ምዃኑ ጳጳሳት ኮሎምቢያ ኣገንዚቦም፡ ኣብዚ ሕጹጽ ኩነታት ኩሉ ክተሓባበርን ግደኡ ከበርክትን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ብደረጃ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ባንክታት መግቢ ኣብ መንጎ እቶም ዝደሓኑ ሰባት ክዕደል ሓገዝ ንምእካብ ወፍሪ ክጅመር ድማ ይላበዉ።

ሽዱሽተ መዕርፎ ነፈርቲ ተዓጽዮም

እቲ ርእደ መሬት ንመጓዓዝያ መራኸቢታት እውን ከም ዘዕነወን። በዓል መዚ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፈርቲ ኮሎምብያ ኣብ ምዕራባዊ ኮሎምብያ ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ መዓርፎ ነፈርቲ ማለት ፐረይና፡ ማኒዛለስ፡ ኲብዶ፡ ኣርመንያ፡ ካርታጎን ቡኤናቨንቱራን ስርሑ ክቋረጽ ትእዛዝ ከም ዘመሓለልፈን፡ እቲ ውሳነ፡ በቲ ሓያል ርእደ መሬት ዝተሃስዩ መዕለቢ ጽርጊያ ነፈርቲ፡ ናይ መእተውን ካልኦት ትሕተ ቅርጺ መዓርፎ ነፈርትን ውሕሱ ምዃኑ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝተመሓለልፈ ኮይኑ። ድሕነት ስርሒታት ንምርግጋጽ ኣድላዪ መርመራታት ክሳብ ዝዛዘም በረራታት ደው ክብሉ እዮም።

እቲ ስጉምቲ ልክዕ ከምቲ ናይ ህጹጽ ረድኤትን ትካላት ክንክን ጥዕናን ዝንቀሳቐሱ ንዘለዉ፡ ናብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከባቢታት ሓገዝ ንምብጻሕ ንዝግበር ጻዕሪ ከተዓናቕፍ ዝኽእል ምዃኑ ይንገር።  

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ዝተሰምዐ ርእደ መሬት

እቲ ርእደ መሬት፡ ፈለማ ብማእከል ስነ-ምድራዊ ርእደ መሬት ኤውሮ - ሜዲትራኒያን እቲ ነውጺ መሬት ክብ እናበለ ቅድኑ ንጃድይ ትሑት ደረጃ ገምጋም ነውጺ መሬት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረን፡ ድሕሪኡ ዝመጸ ግምታት እቲ ፍጻመ ኣብ 7.4 ረኽተር ከም ዝበጸሐን፡ ማእከሉ ድማ ኣብ ከባቢ ሳን ሆዜ ደል ፓልማር፡ ኣብ ክፍሊ ቾኮ ምዃኑን ይሕብር።

እቲ ርእደ መሬት ኣብ መላእ ምዕራባውን ማእከላይን ኮሎምብያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብብርቱዕ ከም እተሰምዐን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቦጎታ እውን መሬት ክናወጽ እንከሎ፡ እቲ ነውጺ መሬት ካብ ዶባት ኮሎምብያ ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰምዐ እውን ኮይኑ፡ ኮሎምብያ ክሳብ ሕጂ ነቲ ዕለት 25 ጥሪ 1999 ኣብ ኤኸ ካፈተሮ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ከም ዘይትርስዖን ኣብቲ እዋን ሎዕሊ ሓደ ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ብፍላይ ኣብ ኣርመንያን ፐረይራን ካልኦት ብዙሓት ከተማታት መላእ እቲ ዞባን እውን ዓቢ ዕንወት ከምዘስዓበን ይዝከር።

ስርሓት ምድላይ ይቕጽል ኣሎ

ኣብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ከተማታት፡ እቲ ህጹጽ ኩነታት ገና ይቕጽል ከም ዘሎን። መጥፋእቲ ሓዊ፣ ጉጅለታት ሓለዋ፣ ኣባላት ሕክምናን ሓይልታት ጸጥታን ጻዕሮም ኣብ ምድላይ ዝጠፍኡ ሰባትን ካብ ገዛውትን ካልእ ውሑስነት ዘይብሎም ቅርጽታትን ክወጹ ዝተገደዱ ኣብ ምሕጋዝን የድህቡ ከም ዘለዉን፡ ሰብመዚ ኵነታት ኣባይቲ ሕክምና፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ኣባይትን ህዝባዊ ትሕተ ቅርጽን እውን ይግምግሙ ምህላዎም ክሕበር እንከሎ፡ ሓቀይና ስፍሓት ናይቲ ሓደጋ ንጹር ዝኸውን፡ ኣብቲ ናብ ማእከል እቲ ሓደጋ ዝቐረበ ከባቢታት ዝካየድ ገምጋም ምስተዛዘመ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብታ ክሳብ ሕጂ ዝበዝሐ ቁጽሪ ግዳያት ዝተመዝገበላ ፐረይራ፡ ኣብ ማእከል እቲ ፍርስራስ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ይቕጽል ክም ዘሎ ይንገር።

12 Aug 2026, 16:01