ደ. ረ. ኮንጎ፡ ኣብ ስግኣት ኢቦላ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ ንሓድሽ ዓመት ትምህርቲ ይዳለዋ ኣለዋ ደ. ረ. ኮንጎ፡ ኣብ ስግኣት ኢቦላ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ ንሓድሽ ዓመት ትምህርቲ ይዳለዋ ኣለዋ  (AFP or licensors)

ደ. ረ. ኮንጎ፡ ኣብ ስግኣት ኢቦላ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ ንሓድሽ ዓመት ትምህርቲ ይዳለዋ ኣለዋ

ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ስጉምትታት ጥዕና፡ ሕዱር ዘይምርግጋእን ተስፋ ዘለዎ ወፍሪ ክታበትን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ንሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ኣብ ዝዳለዋሉ እዋን መንእሰያት ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ከይከስሩ ይሰርሓ ምህላወን ዘቨሪን ሙሳቩ ዘቕረቦ ጸብጻብ ይሕብር።

ዜና ቫቲካን

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም - WHO፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ካብ ዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ለበዳ ብዝያዳ ብቕልጡፍ ይላባዕ ከምዘሎን፡ ግዝያዊ ቁጽሪ 4,449 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉን 2,061 ሰባት ድማ ከም ዝሞቱን እንከመላኽት፡ ኣብዚ ኩነታት ጥዕና፡ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ትምህርቲ ኮንጎ፡ ንዓመተ ትምህርቲ 2026 – 2027 ዝኸውን መርሓ ዕለት ብወግዒ ኣፍሊጡ፡ ኣብ መላእ ሃገር ትምህርቲ ካብ ሰሉስ ዕለት 1 መስከረም ክጅምር ምድላዋት ከም እተገበረን ኣብ ኣውራጃ ኢቱሪ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ቡንያ፡ እታ ሃገር መበል 17 ለበዳ ኢቦላ ኣብ እትገጥመሉ ዘሎ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ኩነታት ምድላዋት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ቡንያ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣተሓባባሪ ሰበኻ ቡኒያ፡ ኣባ ዊሊ ሮጋቲን ዛሪንጋ ምስ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ተማሃሮ ብሰላም ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽምለሱ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ብሰፊሕ የብርሁ።

ስጉምትታት ጥዕና ኣብ ምድልዳልን እኹል ጸጋታት ዘይምህላውን

“እተን ከም ኩለን ካልኦት እነመሓድረን ዘሎና ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ሰበኻ ቡንያ፡ ብሓቂ ኣብታ ዕለት 1 መስከረም 2026 ኵለን ኣቢያተ ትምህርቲ ማዕጾአን ክኸፍታ ይዳለዋ ኣለዋ። ምድላዋት ንመከላኸሊ ስጉምትታት ምሕያል፡ “ኣብ መንጎ ኩሎም ኣብ ትምህርቲ ዝነጥፉ” ንቕሓት ምዕባይን “ብመጠኑ ጽኑዕ ክትትል” ምርግጋጽን ዘጠቓልል ምድላዋት ምዃኑ ገሊጾም፡ ብግብራዊ ኣዘራርባ እዚ “ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ቁጽሪ መሕጸቢ ኢድ ኖቕጣታት ዳግማይ ምትብባዕን ምውሳኽን” ከምኡ’ውን ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ብዘይምትንኻ ረስኒ ኣካል መዕቀኒ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ዝተመስረተ ኣተኵሮ ዝገበረሎም ነጥብታት “መዓልታዊ ጸብጻብ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ሓበሬታ” ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ክወስድ እዩ። ግን እቲ ስርዓት ርኡይ ድሩትነት ከም ዘለዎ እውን ኣሚኖም፡ "ነዞም መሕጸቢ ኢድ፡ ብፍላይ ድማ ብዘይ ምርኻብ ብሩሑቕ መዐቀኒ ረስኒ ኣካል ክህሉ ንምግባር ዘድሊ ገንዘብ ኣዝዩ እኹል ኣይኮነን" እንክብሉ ገሊጾም፡ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ድሮ መሳርሒታት እኳ እንተሃለወን፣ ብፍላይ ካብ ሰብኣዊ መሻርኽቲ ብዝግበር ወፈያታት ዝረኽብኦ መሳርሒታት እኳ እንተሃለወን፣ “እቲ ዘሎ ቀረብ ካብቲ ጭቡጥ ድሌታት ኣብያተ ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ኣዝዩ ውሑድ እዩ” ኢሎም።

ምርግጋእ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሰበኻታት

ኪኖ እቲ ናይ ጥዕና መለክዒታት ባዕሉ፡ እምነት ወለዲ ምዕዋት ካልእ ዓቢ ብድሆ እዩ። “ድሮ ንወለዲ ንደቆም ካብ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንወስዶ ዘለና ስጉምትታት ንጹር ሓበሬታ ብምሃብ ንምርግጋጽ ንሰርሕ ኣለና። እዚ ንቕሓት ንምዕባይ ዝግበር ጻዕርታት ብፍላይ ኣብቲ “ብዝተፈላለዩ ሽማግለታት ወለዲ ኣብያተ ትምህርቲ” ነቲ መልእኽትታት ዘመሓላልፍ ማሕበር ወለዲ ተማሃሮ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ (APEC) ዝተመርኮሰ እዩ። እተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከባለን ሰበኻታት፡ መደበር ሬድዮ ሃገረ ስብከትን ካልኦት ናይቲ ከባቢ ማዕከናት ዜናን እውን ንኣባይቲ ስድራ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ይሕግዛ ኣለዋ።”

ሕዱር ዘይውሕስነት ብሰንኪ ለበዳ ይጋደድ

እቲ ቅልውላው ጥዕና ኣብ ልዕሊ ካብ ርሑቕ ዝመጸን ገና ዘንፏሑቕ ዘሎ ጸገም እዩ ዝውሰኽ፡ ብዘጋጠመና ተኸታታሊ ማዕበል ዓመጽ ዝፈጠሮ ዘይውሕስነት ድሮ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ኣብያተ ትምህርቲ ክዘርግ ጸኒሑ’ዩ . . . ኣብ ከባቢ 2018 ዝጀመረ ምዃኑ ኣዘካኺሮም፡ ዓመታዊ ቤት ጽሕፈት ሰበኻ ኣተሓባባሪ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ በቲ ዓመጽ ዝተመዛበሉ ህጻናት ንምውህሃድ ይሰርሕ፡ እዚ ዕማም እዚ “ኣዝዩ ከቢድ” እውን እዩ፡ "ይብዛሕ ይውሓድ ቁጽሪ ካብዞም ህጻናት ኣብ ስርዓተ ኣቢያተ ትምህርትና ከነዋሃህዶም ኣብ እንኽእለሉ እዋን፡ ሓድሰቲ ዝጓሃሃሩ ዓመጻት ተማሃሮ ዳግማይ ካብ ኣቢያተ ትምህርቲ ክርሑቑ ይገብሮም፡ ሕዱር ዘይውሕስነትን ለበዳ ኢቦላን ድምር ብድሆታት እኳ እንተሃለዎም፡ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ንዝተመዛበሉ ተማሃሮ ኣብ ምቕባል ክቕጽላ ዘለወን ቆራጽነት ደጊሞም ኣረጋጊጾም፡ "ነዞም ተምሃሮ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝድለዩ ስጉምትታት ጥዕና እናተኸታተልና፡ ኣብተን ናይ ምቕባል ዓቕሚ ዘለወን ኣብያተ ትምህርቲ ምምዝጋብ ክንቅጽል መደብ ኣለና።”

ንልዕሊ ዓመት ዝጸንሐ ስልጠና መምህራን ይካየድ ኣሎ

ምክልኻል ብዝምልከት፡ ስልጠና መምህራንን ካልኦት ኣባላት ትምህርትን “ካብ ባዶ ዝጅምር ኣይኮነን - ቢሎም - እቲ ስልጠና ኣብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ “ቀዳሞት ምልክታት ናይዚ ለበዳ ድሮ ይግለጽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን” ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትምህርቲ ከይተረፈ ቀጺሉ ኣሎ።

ስልጠና ንኣጠቓቕማ ግብራዊ መሳርሒታት ከም ዘይተረኽበን ልምዳውያን መለክዒ ሙቐትን ከምኡ’ውን ብጓሶት፡ መደባት ሬድዮን ምልክታታት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዘጠቓልል ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብ ዙርያ ፈተነታት ክታበት ተስፋ

"ወፍርታት ክታበት ብሓቂ ኣብ መላእ ህዝቢ ኣውራጃ ኢቱሪ ዓቢ ተስፋ ይፈጥር ኣሎ። ድሮ በዚ ለበዳ ብኸቢድ ተሃስዩ እዩ። ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ከም ብሓፈሻኡ ህዝቢ “ንዝርገሐ ናይዚ ድሮ ብዙሓት ህይወት ዝቐተለ ለበዳ ብኣድማዒ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ውጽኢት ናይዚ ወፍሪ ክታበት ወሳኒ ምዃኑ ይሕብሩ።

ህጹጽ ጻውዒት ናብ ማሕበረሰብ ዓለም

መንግስቲ ኮንጎ ዕለት 15 ግንቦት ኣብታ ሃገር መበል 17 ለበዳ ኢቦላ ከም ዘሎ ኣዊጂ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣህጉራዊ ስክፍታ ዘለዎ ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ህዝቢ ከም ዝኣወጀን፡ “ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዓቢ ንጥፈታት ንርኢ ኣሎና።” ብኽልቲኦም ሰበስልጣን ኮንጎን ኣህጉራውያን ሰብኣዊ መሻርኽትን ዝገብርዎ ዘለዉ ሰፊሕ ጻዕርታት ጠቒሶም፡ እንተኾነ “እቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ዝጎደለ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ባይታ ዝጭበጥ ውጽኢት ንምምዝጋብ፡ ኣድማዒ ምውህሃድ - ወይ ድማ፡ ማእከላውይነት ክብል ይኽእል - ናይዞም ዝተፈላለዩ ተበግሶታት’ዩ። ሚኒስተር ጥዕና ኮንጎ፡ ንባዕላ መራሒት መግንስቲ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት መንግስቲ፡ እንተወሓደ ሰለስተ ግዜ ናብ ቡንያ ከምዝተጓዕዘ ኣዘኻኺሮም፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ለበዳ ንምምላስ ሚልዮናት ዶላራት ከምዝተዋደደ ኣብ መደረታቶም ኣፍሊጦም ነይሮም፡ ብግብራዊ ኣዘራርባ ግን ብዙሕ ምዕባለ ዘይተገብረ ይመስል፣ ሰባት ብብዝሒ ዘጋጥም ሞት ይቕጽል ኣሎ።” ንውድብ ጥዕና ዓለም፣ መንግስቲ ኮንጎን ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃግራት ሓዊሱ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሻርኽትን እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "እዚ ለበዳ ንምምሕዳርን ብኣድማዒ መገዲ ከብቅዕን ጻዕርታት ክጠናኸሩ ኣለዎም፡ “እዚ እዩ ንመንእሰያት ቡንያ ንዓመተ ትምህርቲ 2026 – 2027 ከድሕን ዝኽእል . . . ዕለት 12 ነሓሰ ዋና ኣመሓዳሪ መርሓ ግብርታት ህጹጽ መጠንቀቕታን ምላሽን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝርገሐ ለበዳ ኢቦላ ንምጥፋእ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

19 Aug 2026, 15:42