ሂሮሺማን ናጋሳኪን፡ ድሕሪ 81 ዓመት። "ዓሰርተ መዓልታት ጸሎት ምእንቲ ሰላም" ሂሮሺማን ናጋሳኪን፡ ድሕሪ 81 ዓመት። "ዓሰርተ መዓልታት ጸሎት ምእንቲ ሰላም" 

ሂሮሺማን ናጋሳኪን፡ ድሕሪ 81 ዓመት። "ዓሰርተ መዓልታት ጸሎት ምእንቲ ሰላም"

ኣብ ልዕሊ ከተማታት፡ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዝተፈጸመ ኣቶማዊ ደብዳብ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጃፓን፡ ብዛዕባ ኣዋናውነት እቲ ‘ደጊም ፈጺሙ ኣይተግባር" ዝብል ቃል ዓሚቕ ከስተንትኑ ይዕድሙ፡ እዚ ኣብ 1945 ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተበገሰ ኣድማሳዊ ኣውያት ኮይኑ። ካርዲናል ኢሳኦ ታርቺስዮ ኪኩቺ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት፡ እቲ ኣቶሚማዊ ቦምባታት ዘስዓቦ ብዙሓት ግዳያትን ከባብያዊ ዕንወትን ክንዝክር ዓዲሞም፡ "ሎሚ'ውን እንተኾነ ሰላም ክረጋገጽ ኣገዳስነት ጸሎት የጒልሑ።

ዜና ቫቲካን

ከም ኩሉ ዓመት ዕለት 6 ነሓሰ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ሂሮሺማ ዝተፈጸመ ኣቶማዊ ደብዳብ፡ ክሳብ 15 ነሓሰ፡ ጃፓን ኢዳ ዝሃበትሉ ዕለት፡ "ዓሰርተ መዓልታት ጸሎት ንሰላም" ይካየድ። ኣብ 1981 ዝተበገሰ እዚ ተበግሶ እዚ፡ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ክርስትያን ዘሳትፍ ኮይኑ፡ ግዳያት መጥቃዕቲ ቦምባታት ንምዝካር ኣብ ሓባራዊ ባህላውን መንፈሳውን መደባት ዘተኣካኽብ እዩ። ንጉባኤ ጳጳሳት ጃፓን (CBJ ) እቲ ኣብ በቢ ዓመቱ ዝግበር ኣስተንትኖ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘተኮረ ኮይኑ ዝተርፍ ኣይኮነ። ኣብ ጃፓን ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ኢሳኦ ታርሲስዮ ኪኩቺ ኣብቲ ነቲ ዝኽሪ ዝተወፈየ መልእኽቶም "ውግኣትን ግጭታትን ኣብ መላእ ዓለም ይዝርጋሕ ኣሎ" ኣክብሉ ብምጒላሕ፡ "ኩሉ ብዓመጽ ዝተጎድአ ወይ ህይወቱ ዝስእን ሰብ መልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ'ዩ፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ 'ዘይተርፍ' ተባሂሉ ምኽኑይ ምዃኑ'ዩ፡ እዚ ተግባር እዚ ንመትከላት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዕሽሽ ብምባል ምዃኑ ስተብሂሎም። "ካብቲ ቅድሚ 80 ዓመታት ዝነበረ ተመኩሮ ክንመሃር ኣሎና፡ ሓለዋና ከይነውርድን ኣብ ምኽባር ክብሪ ደቂ ሰባት ሱር ዝሰደደ ባህሊ ሰላም ክንሃንጽን ተላብዮም፡ ናይ ሕሉፍ ተመክሮ ተጠቒምና ንመጻኢ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታውን ንሰላም ብጽኑዕ ክንውፈን፡ ንሎሚን ንመጻኢ ወለዶታትን” እንክብሉ የስተብህሉ።

ዕንክሊል ፓሲፊዝም ኣብ ጃፓን

ኣብ መልእኽቶም ሜጥሮጶሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ቶክዮ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ጃፓን ዝኾነ ከይዘንግዑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመሰል ሓባራዊ ርእሰ-ምክልኻል ዝምልከት ቅዋማዊ ምምሕያሻትን ገለ ውሳኔታት መንግስቲ ከም ምውፋር ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት፡ ምውሳኽ ወጻኢታት ምክልኻል፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ቀታሊ ኣጽዋር ንምልእኽ ፍቓድ ምሃብ ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓይሊ ናይቲ "ፍሉይ ርእሰ-ምክልኻል" ዝብል ትምህርቲ ዝድግፍ ሰላማዊ ክብርታት ምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ። መሪሕ መትከል ስርዓት ጸጥታ ጃፓን እዩ። "እቲ ኣብ ቅዋም ጃፓን ዝተቐመጠ ሰላማውነት "ንውግእ ምሕዳግን ምዕቃብ ዕጡቕ ሓይልታትን ዘረጋግጽ ውሳነ፡ ካብ ዕንወት ኲናት ዝተማሃርናዮ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ቀስ ብቐስ ምሕራር ናይዚ መንፈስን ወተሃደራዊ ምሕያልን፡ ብዘይ ዕሙቕ ዝበለ ሃገራዊ ክትዕ፡ ናብ ምምስራት ሓቀይና ሰላም ዘምርሕ ድዩ ኣይኮነን ኣብ ግምት ከነእቱ ይግባእ" ይብሉ።

ምትሕግጋዝን ተስፋን፡ ብሓባር ንሰላም

ኣቦ መንበር ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን ብዛዕባ ዘይግመት ዋጋ ህይወት ብዕምቆት እንከስተንትኑ "ነፍሲ ወከፍ ህይወት ካብቲ ንኹሉ ክብሪ ዝህብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ክቡር ህያብ እዩ። ነዚ ክብሪ ምሕላው መበገሲ ሰላም እዩ።" እምበኣር ምህናጽ ሰላም ናይ ሓባር ድሌትን ሓባራዊ መስርሕን ክኸውን ኣለዎ፡ "ሰላም ብሓባር ንሃንጽ! ምእንቲ ሰላም ንጸልን ንዋሳእን። ዝኽሪ ናይቲ ዘይግመት ዋጋ ህይወት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ነመሓላልፍ። ካብ ቃላት ሓይሊ ንላዕሊ ናይ ፍቕሪ ቃላት ንመርጽ፡ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ድማ ነማዕብል።" እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብታ ግዳያት ሂሮሺማን ናጋሳኪን እንዝክረላ መዓልቲ ዝድመጻ እያተን፡ ንኹሎም እቶም ሎሚ እውን ብኣዕናዊ ሳዕቤን ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምትሕግጋዝን ርህራሄን ከነርኢ ይምዕደና” እንክብሉ መልእኽቶም ይዛዝሙ።

08 Aug 2026, 17:14