ኢየሱሳውያን ኣብ ሚያንማንር ንቡድሃዊ ዋሶ ከም ናይ ድልድል ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ይርእይዎ ኢየሱሳውያን ኣብ ሚያንማንር ንቡድሃዊ ዋሶ ከም ናይ ድልድል ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ይርእይዎ  (AFP or licensors)

ኢየሱሳውያን ኣብ ሚያንማንር ንቡድሃዊ ዋሶ ከም ናይ ድልድል ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ይርእይዎ

ቅዱስ ወቕቲ ቡድሃውያን ዋሶ ብግጭት ኣብ ዝተሃስየት ሚያንማር ንዝርከቡ ክርስትያንን ቡድሃውያንን ናብ ዘተን ርህራሄን ዕርቅን ዝወስድ ናይ ሓባር መንገዲ ከቕርብ ከምዝኽእል ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዞባዊ ሓላፊ ማሕበር ኢየሱሳውያን ይሕብሩ።

ዜና ቫቲካን

ኣባ ጊሪሽ ሳንትያጎ፡ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን፡ ሚያንማር ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ሰብኣዊ ብድሆታትን ኣብ ዘጋጥማ ዘሎ እዋን፡ ዋሶ ናይ ቡድሃውያን ቅዱስ ወቕቲ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ርክብን ሓባራዊ ህንጸት ሰላምን "ትርጉም ዘለዎ ድልድል" ዘቕርብ ምዃኑ የጒልሑ።

ኣብ ሚያንማር ዝርከቡ ኢየሱሳውያንን ዓለማውያን ተሓባበርቶምን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣቓልቦኦም ናብ ናይ ቡድሃውያን ቅዱስ ወቕቲ ዋሶ የቕንዑ፡ እዚ ወርሒ’ዚ’ውን ብርቱዕ ዝናብ ሞንሱን ዝረኣየሉን ኣብ መላእ ሃገር ዝለዓለ ንጥፈታት ሕርሻን ዝካየድሉ እዩ።

ወቕቲ ዝናምን ቅዱስ ወቕቲ ዋሶን

ሚያንማር ብብዝሒ ቴራቫዳ ቡድሃውያን ዝነብሩላ ሃገር ኣያ፡ ኣስታት 87 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ድማ ናይዚ እምነት ሰዓቢ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ወቕቲ ዋሶ ድማ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝወድቕ ኮይኑ እዚ ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ቡድሃውያን ጾም ከምኡ እውን ወቕቲ ዝናም እዩ።

ኣብቲ ቅዱስ ዘመን መነኮሳት ኣብ ውሽጢ ገዳማቶም ጽዑቕ ጸሎትን መጽናዕቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሃይማኖትን ኣስተንትኖን ይገብሩ።

ንዓለማውያን ቡድሃውያን፡ ወቕቲ ዋሶ መንፈሳዊ ስነ - ስርዓት ዘዕምቑሉን ጽኑዕ ግብረ ገባዊ ትእዛዛት ዝለማመዱሉን፡ ንማሕበረሰባት ገዳማውያን ክዳን፡ መግቢ፡ ሽምዓን ኣገዳሲ ቀረብን ብምቕራብ ግብረ ሰናይ ዘርኣዩሉ እዋን እዩ።

“ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሚያንማር፡ ኣብ መንጎ መነኮሳትን መነኮሳንን ዓለማውያንን ቡድሃውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ህያው ናይ እምነት ልምዲ ምርኣየይ ኣዝዩ እዩ ዝተንከፈኒ” እንክብሉ ኣባ ሳንቲያጎ፡ “ዋሶ ኣብ ክርስትያናዊ ሊጡርጊያዊ መርሓ ዕለት ዘየለ እኳ እንተኾነ፡ ቀንዲ መንፈሳዊ ክብርታታ ግን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ርክብን ንሓድሕዳዊ ምርድዳእን ትርጉም ዘለዎ ድልድል ይህቡ” ይብሉ።

ሽዱሽተ ኣዕኑድ ናይ ሓባር እምነትን ትውፊትን

ኣባ ሳንቲያጎ ኣስዒቦም ቡድሃውያን ምኽባር ቅዱስ ወቕቲ ዋሶን ካቶሊካዊ መንፈሳውነትን ናይ ሓባር መርገጺ ዘለዎም ሽዱሽተ መዳያት የለልዩ። ብቐዳምነት ኣስተንትኖን ጸሎትን፣ እቲ ናይ ቡድሃውያን ተወፋይነት ንሱባኤን ኣስተንትኖን ነቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 6፡31 ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ክትዓርፉ ንዑናይ” እንክብል ዝሃቦ ዕድመ ዘንጸባርቕ ምዃኑ የስተብህሉ።

ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ስርዓተ ኣገባብ ዋሶን ናይ ካቶሊካዊ ወቕቲ ዓቢይ ጾምን ዘሎ ምምዕርራይ እንከመላኽቱ እዞም ክልተ ወቕቲ ንጸሎት፣ ንስሓ፣ ንርእስኻ ምኽሓድን ምጽዋትን ዘጉልሑ እዮም።

Mettā - ፍቕራዊ ሕያውነትን karuṇā - ርህራሄን ዚምልከት ትምህርቲ ቡድሃ እውን ምስቲ ንኣምላኽን ብጻይካን ምፍቃር ዚብል ክርስትያናዊ ትእዛዝ ከም ዚሰማማዕ ኣነጺሮም፡ ወሲኾም ቅዱስ ወቕቲ ዋሶ ንኽልቲኦም ማሕበረሰባት፡ “ኣብ ከባቢና መን ይሳቐ ኣሎ፡ እምነትና ብኸመይ ከነገልግሎም ክድርኸና ይኽእል።” ዘይጎነጻውን ዕርቅን ዝብሉ ኣብ ክልቲኦም ልምድታት ክብሪ ሰብ ዝድግፉ፡ ንጽልኢ ዝነጽጉ፡ ይቕሬታን ሰላምን ምክልኻል ተቓላዕቲ ሰባትን ዘተባብዑን ክብርታት እዮም።

ክልቲኦም ናይ እምነት ልምድታት ምቕሉልነትን ግዙእ ዘይምዃንን ትኹረት ዝህቡን፣ ንሃልክን ርእሰ -ማእከልነትን (ንኣይነትን) ዝብሉ ፈተናታት፣ ኣመንቲ ዝያዳ ርህሩሃት ንኸይኮኑ ዝኽልክሎም እንታይ ምዃኑ ክምርምሩ ዘቕርብዎ ምትብባዕ ዝካፈልዎ ክቡር ዋጋ እዩ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ምሕዝነት፡ ካልእ እቲ ንኽቲአን ሃይማኖታት ዘራኽብ ዓውዲ ኮይኑ፡ ዋሶ ኣኽብሮታዊ ዘተ፡ ስነ - መለኮታዊ ኣስተንትኖን ሓባራዊ ሰብኣዊ ስጉምትን ዕድላት ዘቕርብ ምዃኑ የስተብህሉ።

ንዕርቅን ተስፋን ዝኸውን ራእይ

ኣባ ሳንትያጎ እውን ነቲ ብር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተደርሰ Magnificent Humanity - ግብሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ሓቀይና ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ከስጉሙ ዝኽእሉ ናይ ሓባር ሰብኣዊ ክብርታት እናለለየ፡ ስነ - መለኮታዊ ፍልልያት ከም ዘኽብር ኣስሚሮም፡ ወቕቲ ዝናም ኣብ ሕርሻዊ ግራውቲ ሚያንማር ዝሃርመሉ እዋን፡ ምስቲ ወቕቲ ዝተኣሳሰር መንፈሳዊ ልምድታት ኣብታ ዓሚቝ ጸገም ዘጋጥማ ሃገር ኣብ ምፍዋስ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ድማ ገሊጾም፡

“ዝናብ ንግራውቲ ከም ዝምግብ፡ ናይ እምነት ሰባት ንሰላም ምጽላይን ጻዕሪን ክቕጽሉ ኣለዎም። እዚ ናይ ሓባር ድልያ ስቕ ዝበለ ጸሎትን ልግስን ርህራሄን ኣብ መላእ ሚያንማር ንዕርቂ ሃብታም ፍረ የፍሪ” እንክብሉ ኣባ ሳንቲያጎ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

(ምንጪ ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና LiCAS - ሊካስ)

14 Aug 2026, 17:25