ቤተክርስትያን ሞሮኮ ካብ ሴውታ ንዝምለሱ ስደተኛታት ትሕግዝ
ዜና ቫቲካን
ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት ጃምላዊ ምምጻእ ስደተይናታት፡ ዶብ ሞሮኮን ስጳይናዊ ከባቢ ሴውታን በብቑሩብ ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ። ብመሰረት ሰበስልጣን ስጳይና፡ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ነቲ ዶብ ከም ዝሰገሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ዙርያ መሳገሪ ዶብ ባብ ሰብታ ብምሕንባስ ከም ዝመጹን። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ዳርጋ ኩሎም ናብ ሞሮኮ ከምዝተመልሱ ሰብመዚ ሞሮኮ የረጋግጹ።
ማድሪድን ራባትን ብብዝሒ እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ስደተይናታትን ብዝሒ ዝሞቱን ክፈላለዩ እንከለዉ፡ ሰብ መዚ ስጳይና ብውሕዱ 67 ሰባት ከምዝሞቱ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሞሮኮ ድማ 11 ሰባት ከም ዝሞቱ እዩ ዘረጋግጽ።
ናይ ታንጀር ሊቀ ጳጳሳት ኤሚልዮ ሮቻ ግራንደ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ካብ ሴውታ ዝምለሱ ስደተይናታት ደኺሞምን ብጥሜትን ናብ ሞሮኮ ከም ዝምለሱ ገሊጾም። ንነዊሕ ዓመታት ምስ ስደተይናታት ትሕቲ ሰሃራ እትሰርሕ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃንደበት ዓቢ ቅልውላው ስደት ኣጋጢምዋ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ነቶም ነቲ ጉዕዞ ፈቲኖም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ንምሕጋዝ ትጽዕር ከም ዘላ ይሕብሩ።
ኣሽሓት መንእሰያት ሞሮካውያን ኣብ ሴውታ ክበጽሑ ተስፋ ብምግባር ናብ ፍኒደክ ተጓዒዞም። ሎሚ ብወገን ሞሮኮ ዶብ እንታይ ኩነታት ኣሎ?
እቲ ኩነታት ሕጂ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ ምኽንያቱ እቶም ዝበዝሑ ካብቶም ዝሰገሩ ብፍቓዶም ናብ ሞሮኮ ስለዝተመልሱ። ስለዚ ነገራት ኣዝዩ ህዱእ ኮይኑ፡ እቲ መዓት ግን ገና ይቕጽል ኣሎ፡ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ቁጽሪ ዝሞቱ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ይበጽሕ።
እዚ ቅልውላው ስደት ምሉእ ብምሉእ ብሃንደበት ዘጋጠመ ብምዃኑ እኹል ምላሽ ንኽንህብ ጸገም ፈጢሩ እዩ። እቲ ዝከኣለና መሰረታዊ ሓገዝ ማለት ማይን መግብን ግን ከኣ ኣብ ውሽጢ ዘሎና ደረት ጸጋታትና ንምቕራብ ንጽዕር ኣሎና።
እዚ ሓድሽ ማዕበል ስደተይናታት እንታይ ዝሕብር እዩ? ንገለ ክፋል መንእሰይ ወለዶ ሞሮኮ ተስፋ ምቑራጽ ዘንጸባርቕ ድዩ?
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሞሮኮ ብጥሜት ዝመውት ሰብ የሎን፡ ድኻ ሃገር ከምዘይኮነት ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ሓያል ቁጠባዊ ዕብየት ዘጋጥማ ዘላ ሃገር እያ። እንተኾነ ግን እቲ ዕብየትን ምዕባለን ንኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ንብዙሓት መንእሰያት ዝጠቅም ኣይኮነን።
ሞሮኮ ኣዝዩ መንእሰይ ህዝቢ ስለዘለዋ፡ ንኹሉ ሰብ ስራሕ ክትህብ ኣይከኣልን እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ልምዓት ዝፈጥሮ ቁጠባዊ ዕድላት ካብ ዓቕሞም ወጻኢ ኮይኑ ዝቕጽል ኮይኑ ይስምዖም። እዚ ድማ ዓሚቝ ብስጭት ይፈጥር።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ንኤውሮጳ ከም ገነት ጌረን እየን ዝገልጻኣ። ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ሞሮካውያን ንበዓላት ናብ ገዝኦም ይመጹ እሞ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣብኡ ዘሎ ህይወት ኣዝዩ እወታዊ ገይሮም እዮም ዘቕርብዎ፣ ዋላ’ውን ናይ ገዛእ ርእሶም ኩነታት ብፍላይ ምቹእ እንተዘይኮነ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ናይ ምውጻእ ፈተና ኣዝዩ ሓያል ይገብሮ። ብዙሓት ናብ ኤውሮጳ ምብጻሕ ጥራይ ንዅሉ ጸገማቶም ከም ዚፈትሕ ይኣምኑ፣ እዚ ኸኣ ስራሕን መንበሪ ገዛን ዝሓሸ መጻእን ከም ዚረኽቡ ይኣምኑ። እዚ ትጽቢታት እዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝተሃንጸ እዩ። ሎሚ ንብዙሓት ካብኣቶም፡ ኤውሮጳ ንገነት እያ እትውክል።
ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ቤተክርስትያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከቡ ስደተይናታት ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ንዝተቓልዑ ሰባት ትድግፍ እያ። ቤተ ክርስቲያን እዚ ቅልውላው እዚ ብኸመይ ይገጥማ ኣሎ፡ ሎሚኸ ቀዳምነታታ እንታይ እዩ?
ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ ዓመታት ምስቶም ኣብ መወዳእታ ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ተስፋ ብምግባር ብብዝሒ ዝመጹ ስደተይናታት ትሕቲ ሰሃራ ከይተሓለለት ትሰርሕ ኣላ። ሰበኻ ታንጀር ብቐጥታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስለ እትርከብ ናይ መወዳእታ መድረኽ እያ።
ቤት ጽሕፈት ስደተይናታት ሰበኻ ታንጀር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሕክምናዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሕጋውን ህጹጽ ሓገዛትን ይገብር ኣሎ። ብመንገዲ ካሪታስ እተሰምየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ጨንፈር ታንጀር፡ ብጥንቃቐ ዕላማ ዝገበረ ውጥናት ኣቢልና ንዝተቓልዑ ሞሮካውያን ንምሕጋዝ እውን ልዑል ጻዕሪ ንገብር።
ኣብዚ ኣብ ታንጀር ንኣብነት ኣብ ጎደናታት ንዝነብሩ ህጻናት መዕቆቢ ነካይድ። ሎሚ ምስ ሰበስልጣን ሞሮኮ ኣብ ተቓላዒ ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ንምሕጋዝ ጽኑዕ ምትሕብባር ኣሎ።
ዕለት 2 ነሓሰ ሰንበር ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሞሮኮ ናብ ስጳይና ክበጽሑ ዝፈተኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተዩይታት ዘጋጠሞም መዓት ስክፍታኦም ገሊጾም እዮም። ኣብ ሴውታ ሰላምን ምርግጋእን ፍትሕን ዘተባብዕ ፍታሕ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ንጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሃብኩምዎ ግብረ መልሲ እንታይ ነይሩ?
ከም ትንቢታዊ! ግን ከኣ ከም ብድሆ’ውን ተቐቢልናዮ - ንቤተክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንፖለቲካዊ መራሕቲ’ውን ናይ ተግባር ክእለት ዘለዎም።
እቲ ዝቕጽል ብድሆ ውህደት እዩ። ሓደስቲ መጻእቲ ዘግልሎም ዝኽእል ኩነታት ምፍጣር ክንርሕቕ ኣሎና፣ ምኽንያቱ እዚ ንስደተይናታት ይኹን ነቶም ዝቕበልዎም ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰባት ኣይጠቅምን እዩ። ኣብዚ ጻዕሪ ፖለቲካዊ ትካላትን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ከም መሻርኽቲ ኮይኖም ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም።
ቤተ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሳ ተራን ጸጋታትን ኣለዋ፡ እዚ ግን ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ ስደተይናታት ከከም ዝጥዕመካ ከም ዝንቀሳቐሱ ንብረት ጌርካ ክትዛረበሉ ኣይግባእን። ኩሉ ሰብ ባህርያዊ ክብሪ ዝውንን እዩ።
ንዓና ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ውሉድ ኣምላኽ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ንሕና ዘለናዮ ብጐይታ ብዕምቆት ዝፍተው እዩ። ነፍሲ ወከፍ ገጽ ክንርኢ እንኮለና፡ ኣብ ስደት ዝያዳ ሚዛናውን ሰብኣውን ኣቀራርባ ንምስፋን ምስ ፖለቲካዊ ትካላት ኤውሮጳን ሞሮኮን እውን ኣብ ዘተ እናተዋፈርና፡ ከም ቤተ ክርስቲያን መልሲ ክንህብ ንጽዋዕ።
እዚ ምኽንያትን ርህራሄን ዝሓትት እዩ፣ ቀሊል እውን ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ኢና ንቃላት ቅዱስ ኣቦና ማለት ግብራዊ ባህርያቶምን ምቕሉልነቶምን ዕምቆቶምን ነዚ ጉዕዞ ክንቅጽሎ ዘተባብዑና ናይ ብሓቂ ትንቢታዊ ቃላት ጌርና ብሓጎስ ዝተቐበልናዮ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስጳይና ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብፍላይ ኣብ ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፡ ሱር ጠንቂ ስደት ክእለ ጸዊዖም፡ ማእከላይ ባሕርን ኣትላንቲክ ውቅያኖስን "እምኒ ዘይብሎም ናይ መቓብር ስፍራ" ክኾኑ ካብ ምፍቃድ ኣጠንቂቖም እዮም። ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ሞሮኮ ኣብ ክልቲኡ ገማግም ንዝርከቡ ፖለቲካዊ መራሕቲ፡ ከምኡ’ውን ንኽወጹ ንዝተፈተኑ መንእሰያት እንታይ መልእኽቲ ኣለዋ?
መልእኽትና ንመንእሰያት ሞሮኮ ሃገሮም ምንባር፡ ምስራሕ፡ መጻኢ ምህናጽ ዝኽእሉላ ሃገር ምዃና ምሕባር እዩ። ብዙሕ ዕድላት ዘለዋ ሃገር እያ። በቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንኤውሮጳ ከም ምድራዊት ገነት ዝገልጽ ምስልታት ኣሚኖም ንኽስደዱ ክፈቅዱ የብሎምን።
ኣብ ሞሮኮ እውን ክትሰርሕን ህይወት ክትሃንጽን ይከኣል እዩ።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ዘሎ ሓቀይና ድሌታት ኣፍልጦ ክንህቦን ሰባት ቁጽሪ ከምዘይኮኑ ክንዝክርን ይግባእ። ገጽ፡ ዛንታ፡ ሕልሚ፡ መደብ ዘለዎም ደቂ ሰባት እዮም። ኩሉ ሰብ ፍሉይን መተካእታ ዘይብሉን እዩ።
ስለዚ ሓቀይናታት መሻርኽቲ ምእንቲ ክንከውን ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላታን ዘተ ከነዕሙቕ ኣሎና። ብሓባር ንልምዓት ኣብ ምድንፋዕ ንሓድሕድና እንደጋገፈሉ መንገዲ ክንረክብ ኣሎና - ንሞሮኮ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣፍሪቃ ብሓፈሻ - ንኤውሮጳ’ውን ብዝጠቅም መንገዲ። ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣለዋ፡ ቀጻሊ ዘተ ድማ ኣገዳሲ እዩ።
ንስደተይናታት ጥራይ ስለ ዘይትሰርሕ - ምስኦም ስለ እትነብር። እቶም ክወጹ ዝዳለዉ ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ኢና ዘሎና፣ ብዙሓት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃውያን ድማ ድሮ ኣብ ቤተክርስትያንናን ማሕበረሰባትናን ተዋሃሂዶም ኣለዉ። እዚ ድማ ንፖለቲካውን ማሕበራውን ሰበስልጣን ተኣማንነት ዘለዎ መሻርኽቲ ንምዃን ዘድሊ ተመኩሮ ይህበና። ልዕሊ ኩሉ ግን ሰብኣውነት ሰብ ኣብ ማእከል ነፍሲ ወከፍ ዘተ ክማእከል ኣለዎ።