2023.06.25 Beatificazione Elisa Martinez, Santuario di Santa Maria di Leuca 2023.06.25 Beatificazione Elisa Martinez, Santuario di Santa Maria di Leuca 

መንእሰያት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ንዝግበር ናይ ሰላም ኣኼባ ኣካይዶም

ካብ መላእ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ዝመጹ መንእሰያት፣ ካብ ዕለት 10 ክሳዕ 14 ነሓሰ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ፣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዙር ናይቲ ዝርርብን ሕውነትን ዘተባብዕ ኣህጉራዊ ተበግሶ 'ካርታ ዲ ሉካ' ጉባኤ የካይዱ ኣለዉ።

ዜና ቫቲካን

መንእሰያት ኣብ ደቡባዊ ዞባ ፑልያ ኢጣልያ ንሰላም ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ እተወፈየ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ጉባኤን ጸሎትን ምስትንታንን የካይዱ ኣለዉ።

ካብ ዕለት 10 ክሳዕ 14 ነሓሰ ካብ እተፈላለያ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ መንእሰያት፣ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከትማ ሳንታ ማሪያ ዲ ሉካ፣ ንመበል ዓሰርተው ሓደ ዙር ጉባኤ "ካርታ ዲ ሉካ" "ሰላማዊ ማእከላይ ባሕሪ ንሰላማዊ ዓለም - ጽባቐን ስነ-ጥበብን ሰላምን" ብዝብል ኣርእስቲ ኣኼባ የካይዱ።

እቲ ኣብ 2016 እተመስረተ ዓመታዊ ጉባኤ ካብ ገለ እተፈላለያ ሃገራት ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዝመጹ መንእሰያት ንምርኻብን፣ ንሰላም ጭቡጥ መብጽዓታት ንምፍጣርን ንምሕጋዝን ዝዓለመ እዩ።

ካብቶም ኣብዚ ዓመት እዚ እተሳተፉ መንእሰያት፣ ካብ ቆጵሮስን የሩሳሌምን ከምኡውን ኣብ ካሪታስን ካልኦት መሻርኽቲ ውድባትን ዝሳተፉ ኢጣልያውያን መንእሰያት ይርከብዎም። እቲ ኣኼባ ካብ 18 ክሳብ 35 ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ክፉት እዩ።

ንዝቘሰለ ርክባት ምሕዋይ

ናይዚ ዓመት እዚ መርሓ ግብር በቲ ብፁዕ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ቢዛባላ ዘመሓላለፍዎ ጕስነታዊ መልእኽቲ ተመሪሑ ብዛዕባ የሩሳሌም ንምዝያትይ ብዓብዪ ሓጐስ መደባቱ የካይድ ኣሎ።

ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ መዓልትታት ናይቲ ፍጻመ፣ ወለንተኛታት ብዛዕባ ዝቘሰለ ርክባትን ሃብታም ፍልልያትን ንኻልኦት ናይ ምቕባል ኣገዳስነትን፣ ተዘክሮታት ምሕዋይ ከምኡውን ተስፋ ንምህናጽ ዝብሉ ዓውደ መጽናዕቲ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ተሳተፍቲ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክራኸቡን ናይ መወዳእታ ሒደት ኪሎ ሜተራት ቪያ ፍራንሲጀና ብእግሮም ክጓዓዙን ኢዮም፣ እዚ ድማ ናብቲ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ከም መራኸቢ ጌርካ ዝርአ ቦታ ሳንታ ማሪያ ደ ፊኒቡስ ቴራ ናይ ምብጻሕ ኣጋጣሚ ክኸውን ኢዩ።

እቲ ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣኼባ ዝካየድ ዘተ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ዝተፈረመ ካርታ ዲ ሉካ 2026 ንምድላው ኣበርክቶ ክገብር ኢዩ።

እዚ ተበግሶ እዚ መንፈሳዊ ኣሰር ናይቶም ናይ ሰበኻታት ሞልፌታ-ሩቮ-ጆቪናዞ-ተርሊዚ ጳጳስ ዝነበሪ ክቡር ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ኣባ ቶኒኖ ቤሎ ኣብ ኣገልግሎቶም ሰላምን ዓመጽ ዘይብሉ ሓድነትን ምስ ድኻታት ንምትሕብባርን ዝገብሮ ኣገልግሎታት ዝዝክር ክኸውን ኢዩ።

ካርዲናል ፒዛባላ ምስ ተሳተፍቲ ክራኸቡ ኢዮም

ፓትርያርክ ላቲንዊ ሥርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን የሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ፣ ብዕለት 13 ነሓሰ ናብቲ ዞባ ክበጽሑ ተመዲቡ ኣሎ። ናብ ሆስፒታል ካርዲናል ፓኒኮን ኣብ ትሪካዝ ዝርከብን ናብ ሆስፒታል ካዛ ዲ ቤታንያን ክበጽሑ ውን ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ትጽቢት ይግበረሎም። ጸኒሖም ድማ ኣብ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ደ ፊኒቡስ ቴራ ምስ በጽሑ ምስቶም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ክራኸቡ ኢዮም።

ብድሕርዚ ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ፣ ኣብ መቓብር ዶን ቶኒኖ ቤሎ ንምጽላይ ናብ ኣሌሳኖ ክኸዱ ኢዮም። ካብ ዕለት 13 ክሳዕ 14 ነሓሰ ምሸት ተሳተፍሪ ናብቲ ኣብ ሉካ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምኻዶም ኣብቲ መቓብር ናይ ጸሎት ዘሰርክ መደባት ከካይዱ እዮም።

እቲ ሓድሽ ካርታ ዲ ሉካ ድማ ብዕለት 14 ነሓሰ ልክዕ ሰዓት 7 ናይ ንግሆ ብዕሊ ክትእወጅ ኢዩ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ ድማ ነቲ መዛዘሙ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅርዓት እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ክመርሑ ኢዮም።

11 Aug 2026, 12:52