ቅዱስ ወንጌል ልቢ ዝልውጥ ብሥራት እዩ! ናብ ማንም ሥነሓሳብ ኣይነውርዶ! ር.ሊ.ጳ

‘ኢየሱስ ናብ ሓዋርያት ቀሪቡ፣ ሥልጣን ሰማይን ምድርን ኲሉ ተውሂቡኒ ኣሎ፤ እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም። ነቲ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ምእንቲ ኽሕልዉዎ መሃርዎም! እንሆ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ በሎም’ (ማቴ 28.19-20)።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ብዛዕባ ኒሕን ሓቦን ስብከት ወንጌል ነካይዶ ኣብ ዘሎና ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ’ውን ደጊምና ካብቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃላት ኢየሱስ ማለት ‘እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም’ (ማቴ 28፡19)። ኪዱ ይብል እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ፣ እዚ ግን ሓንጐል ንምሕጻብ ወይውን ንክተስድዕ ኣይኮነን! ደቀ መዛሙርቲ ምግባር፣ ማለት ኩሉ ሰብ ምስ ኢየሱስ ክራኸብ፣ ብናጽነት ክፈልጦን ከፍቅሮን ዕድል ምሃብ ማለት እዩ። ኪዱ ኣጠምቁ ክብል እንከሎኸ እንተበልና ድማ: ምጥማቕ ማለት ምጥላቕ ማለት እዩ ስለዝኾነ ቅድሚ ሥርዓተ ኣምልኾእኣዊ ተግባር ምምልካቱ ንሕይወት ኣገዳሲ ዝኾነ ተግባር ይገልጽ። እዚ ኸኣ ንሕይወትካ ኣብ ኣብን: ኣብ ወልድን: ኣብ መንፈስ ቅዱስን ምጥሓል ኮይኑ፤ ነቲ ቀረባና ኮይኑ ከም ኣቦን፡ ከም ሓውን፡ ከም መንፈስ ቅዱስን ኣብ ውሽጢ መንፈስና ዝዋሳእ ህላዌ እግዚአብሔር ዝህቦ ታሕጓስ ዕለት ዕለት ምስትምቃር እዩ። ምጥማቕ ማለትከስ ኣብ ውሽጢ ቅድስት ሥላሴ ምጥሓል ማለት እዩ። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኪዱ ክብሎም እንከሎ፣ ንዓና እውን "ኪዱ!" ይብለና ኣሎና። ነዚ ክብል ከሎ ግን ቃል ጥራይ ኣይኮነን ዘመሓላልፍ ዘሎ እንታይ ደኣ፡ ነቲ ብኣኡ ንተልእኮ ክርስቶስ ክትቅበለሉን ኣብ ግብሪ ክተውዕሎን ዘኽእል ንመንፈስ ቅዱስ እውን ምስቲ ቃሉ ብሓባር እዩ ዘመሓላልፎ ዘሎ (ዮሓ 20፡21-22)። ሓዋርያት እንተኾነ ከም ሓቁ ክሳዕ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ትበጽሕ እሞ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ጽርሓ ጽዮን ተዓጽዮም ጸንሑ (ግሓ 2፡1-13 ርአ)። ኣብታ ህሞት እቲኣ ድማ እቲ ፍርሒ ይጠፍእ እሞ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እቶም ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ከኣ መሃይምነት ዘየጥፍኡ ንዓለም ቀይሮማ። ምናልባት ገለ ካባና ‘ዋእ ክዛረቡ እንተዘይክኢሎም ደኣ ከመይ ገቢሮም ክቅይሩ ይኽእሉ’ ክብሉ ይኽእሉ። እንተኾነ ንዓለም ዝልውጥን ንቕድሚት ዘገስግስን ቃል መንፈስ ቅዱስ፡ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እምበኣር ብሥራት ስብከተ ወንጌል ብሓይሊ እቲ ቀቅድሚ ሰባካያነ ወንጌል ዝጐዓዝን ልብታት ዘዳሉን መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዝፍጸም: ንሱ "ሞተር ስብከተ ወንጌል" እዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ንረኽቦ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ብሥራት ስብከተ ወንጌል ጴጥሮስ፣ ጳውሎስ፣ እስጢፋኖስ ወይውን ፊልጶስ ዘይኮነስ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ንርኢ። ከምኡ ውን ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ጽግም ዝበለ ህሞት ናይታ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ተነጊሩ ንረክብ! እዚ ሎሚ ንዓናውን ብዙሕ ክምህረና ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ከም ሎሚ ምስ ምጽንናዕ መከራ ኣይሰኣነን፣ እዚ ከኣ ጽቡቕ ህሞታትን ጽቡቕ ዘይኮነ ህሞታትን ማለት፡ ሓጎስ ምስ ጭንቀት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ፡ ክልቲኡ ነገራት ብሓደ ይጐዓዝ። ካብ ግድላት ሓደ ብፍላይ: ምስቶም ናብ እምነት ክርስትና ዝመጹ ኣረማውያን: ምስቶም ካብ ህዝቢ ኣይሁድ ዘይነበሩ ከመይ ጌርካ ብሓባር ትመላለስ ዝብል ነበር። ሕጊ ሙሴ ዝጠልቦ ነገራት ክሕልዉ ግዱዳት ድዮም ወይስ ኣይኮኑን? ዝብል ግድል ነዞም ሰባት እዚኦም ንእሽቶ ጉዳይ ኣይነበረን። በዚ ኸምዚ ኣብ መንጎ እቶም ሕጊ ምኽባር መተካእታ የብሉን ኢሎም ዝኣምኑን እቶም ዘይኣምኑን ክልተ ጕጅለ ይቐውም። ሓዋርያትከስ ነዚ ጉዳይ እዚ ብመመያ ንምልላይ ኣብቲ ቀዳማይ ጉባኤ እንብሎ ‘ጉባኤ ኢየሩሳሌም’ ዝበሃል ይእከቡ፣ እዚ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ እዩ። ኣብዚ ተጋባእቲ ነቲ ቅልውላው ብኸመይ ንፈትሖ? ኣብ መንጎ ነባሪ ትውፊትን ሓዲስ ምህዞን ጽቡቕ ምድምማጽ ብከመይ ይረኽብ! ኣብ ዝብል ገለ ፍታሕ ክድለ ይኽእል ነይሩ: ንኣብነት ገለ ሕግታት ይኽበሩ: ገሊኦም ድማ ዕሽሽ ይበሃሉ ክትብል ይከኣል። እንተኾነ ግን ሓዋርያት ነዚ ሰብኣዊ ጥበብ ተኸቲሎም ኣብ መንጎ እቲ ሓደን እቲ ካልእን ዲፕሎማስያዊ ሚዛን ሃሰስ ምባል ዘይስዕብዎ ኣገባብ ነበረ! እንታይ ደኣ ከምቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ኣብ ልዕሊ ኣረማውያን እውን ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ንዘብርሃሎምን ንዝሰርሖን ክለማመዱን ክቅበሉን ኣለዎም። በዚ ከምዚኸስ ዳርጋ ንኹሉ ነቲ ምስ ሕጊ ዝተኣሳሰረ ግዴታት ብምእላይ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳኔታት ይበጽሑ እሞ ‘ካብ መንፈስ ቅዱስን ካባናን’ (ግብ 15፡28 ርአ) እንክብሉ ይጽሕፉ። ሽሕ’ኳ ዝተፈላለየ ስምዒታትን ርእይቶታትን እንተነበሮም ብሓባር ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ቢሎም ይሰምዑ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ቅኑዕ ዝኾነ ሓደ ነገር ይምህሮም። ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታዊ ባህሊ ምስ ኢየሱስ ንምርኻብ ዘመቻችእ እንተኾይኑ ጠቓሚ እዩ፣ ኩሉ ሃይማኖታዊ ባህሊ ምስ ኢየሱስ ርክብ ዘመቻችእ እንተኾይኑ ጠቓሚ እዩ።እቲ ታሪኻዊ ውሳነ ቀዳማይ ጉባኤ፣ ካብኡ ንሕና እውን ንረብሓሉ፣ ካብ ሓደ ነቅ ዘይብል መትከል እዩ ተበጊሱ፣ እዚ መትከል እዚ ከኣ መትከል ብሥራት ስብከተ ወንጌል እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ጠለባት ምስ ጠለባት ብሥራት ስብከተ ወንጌል ክሰማማዕ ኣለዎ እምበር፤ ብርእይቶ ዓቃባውያንስ ይኹን ገስገስቲ ክትንከፍ የብሉን እንታ ደኣ ኢየሱስ ናብ ህይወት ሰባት ከም ዝበጽሕ ምግባር እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ምርጫ፡ ኩሉ ኣጠቓቕማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣቃውማን ነፍሲ ወከፍ ባህልን ንብሥራት ስብከተ ወንጌል ክርስቶስ ክሳብ ክንደይ ከም ዝድግፍ ክግምገም ኣለዎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝግበሩ ውሳነታት ንኣብነት ስነ-ሓሳባዊ ምፍልላይ ክርከብ እንከሎ ማለት: ‘ኣነ በዝን በዝን ዓቃባዊ እየ... ኣነ ከኣ በዝን በዝን ገስጋሲ ...’ ዝብል እንተተርኽበ። መንፈስ ቅዱስከ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ወንጌል ሓሳብ ከምዘይኮነ፡ ወንጌል ስነ ሓሳብ ከምዘይኮነ ነስተውዕል። ወንጌል ንልቢ ዝትንክፍን ልብኻ ክትቅይር ዝገብረካን ሠናይ ብሥራት እዩ። እንተኾነ ግን እንተደኣ ሓሳብ እንተ ተዓቚብካ፡ ማለት ኣብ ሓደ ስነ ሓሳብ የማንስ ይኹን ጸጋም ወይውን ማእከላይ ንበል፣ ኣብዚ ግን ንወንጌል ፖለቲካዊ ውድብ፡ ወይውን ሓደ ስነ-ሓሳብ፡ ወይውን ሓደ ጒጅለ ህዝቢ ትገብርዎ ኣለኹም። ነቲ ወንጌል ኩሉ ግዜ ነዚ ኣባኻ ዝዋሳእን ንቕድሚት ዝሰጒመካን ናጽነት ወንጌል ኣብ ኢድካ ዓቲርካ ብመንፈስ ቅዱስ ንቅድሚት ክትስጉም ምፍቃድ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ እስከ ንገንዘብ። በዚ ከምዚኸስ መንፈስ ኣብ ጒዕዞ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ብርሃን የብርህ። መንፈስ ቅዱስ ብሓቂ ብርሃን ልቢ ጥራይ ዘይኮነስ ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ብርሃን እዩ: ንኩሉ የነጽር: ንመመያ ይድግፍ: ንምልላይ ይሕግዝ። ስለዚኸስ ንመንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ምጽዋዑ የድሊ፤ ሃየስከ ሎሚ ኣብዚ ምጅማር ዓቢይ ጾም ንገብሮ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ከም ቤተ ክርስቲያን፡ ጽቡቕ ጌሩ ዝተነጸረ ግዜን ቦታታትን፡ ብጽቡቕ ዝተወደበ ማሕበረሰባት፡ ትካላትን ምንቅስቓሳትን ክህልወና ይኽእል እዩ። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ግን ኩሉ ነፍሲ ዘይብሉ ኮይኑ ይተርፍ። ውዳበ እኹል ኣይኮነን: ንቤተ ክርስቲያን ህይወት ዝህባ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ቤተ ክርስቲያን፡ እንተዘይለሚናቶን እንተዘይጸዊዓቶን ግን ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሳ ትዓጽዎ እሞ፡ ኣብ ጽግናን ኣድካምን ክትዓት፡ ኣብ ምስሕሓብን ዕንኪላሎን ጥሒላ ሃልሃልታ ተልእኾ እናጠፍአት ትኸይድ እሞ ኣብ መወዳእታ ትሓምቅ። ቤተ ክርስቲያን ከም ሓደ ባይቶ መሲላ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፤ ከምዝስ ኣይፋልን! ቤተ ክርስቲያንሲ ካልእ እዩ። ቤተ ክርስቲያንሲ ብመንፈስ ቅዱስ ተደፋፊኦም ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑን ዝሰብኩን ብናይ ገዛእ ርእሶም ምኽንያት ናይ ዘይተኣከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማሕበረሰብ እያ። ኣእምሮናኸ እንተበልና እወ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና እንተኾነ መጀመርያ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክበርህን ብኣኡ ክንቀሳቀስን ኣለዎ። መንፈስ ቅዱስ ከም እንወጽእ ይገብረና፣ ኣብ እምነት ምእንቲ ከጸንዓና እምነት ንክነበሥር ይደፋፍኣና፣ መን ምዃንና ዳግም ንክንረኽቦ ናብ ተልእኾ ክንከይድ ይደፋፍኣና። ስለዚ ከኣ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስ፣ "ንመንፈስ ኣይትጥፍኡ" (1ተሰ 5፡19) እናበለ ዝመኽረና። ንመንፈስ ኣይትጥፍእዎ! ወትሩ ናብ መንፈስ ቅዱስ ንጸሊ፡ ንጸውዓዮ፡ ዕለት ዕለት ብርሃኑ ኣባና ክውልዖ ንለምኖ። ምስቶም እንረኽቦም ሰባት ሓዋርያት ኢየሱስ ምእንቲ ክንከውን፣ ነዚ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንገብሮ። ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባትን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍናን መንፈስ ኣይነጥፍእ። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ከም ቤተ ክርስቲያን፡ ወትሩ ካብ መንፈስ ቅዱስ ንበገስን ዳግም ንጀምርን። ‘ርግጽ እዩ ኣብ መደባት ጉስነትና ካብ ስነ-ማሕበራዊ ዳህሳሳት፡ ካብ ትንታነታት፡ ካብ ዝርዝር ጸገማት፡ ካብ ዝርዝር ትጽቢታትን ቅሬታታትን ክንጅምር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር ካብ ተመኩሮታት መንፈስ ቅዱስ ምጅማር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ መበገሲ ነጥቢ። ስለዚ ድማ ምድላዩ፡ ምትንታኑ፡ ምጽናዑን፡ ምትርጓሙን የድሊ። እዚታት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ኣብቲ ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ ምድረበዳነት ቀዳምነት ንምጽንናዕ እንህቦ ጒዕዞ መሰረታዊ መትከል እዩ። መጀመርያ እቲ ዘጸናንዕ፣ ዘበራብር፣ ዘብርህ፣ ዘንቀሳቕስ መንፈስ ቅዱስ ኣሎ፤ ስዒቡ መንፈሳዊ ምድረበዳነት፡ መከራ፡ ድቅድቅ ጸልማት እውን ክመጽእ እዩ፡ ኣብ ጸልማት ንርእስኻ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ መትከል ግን ብርሃን መንፈስ ቅዱስ እዩ» (C.M. MARTINI, Evangelizzare nella consolazione dello Spirito, 25 September 1997)። እዚ መትከል እዚ እዩ እምበኣር ኣብ ዘይርዳእ ነገራት ዋላውን ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ዝወረሮ ኩነታት፡ ድንግርግር ኣብ ዝበለ ሁመት፣ ንነብስኻ ንምቁጽጻር ኣገዳሲ እዩ። እንተደኣ ነዚ ብርሃን እዚ ንነብስና ጋህ ኣቢልና ንኸፊታ እንተኰና፡ እንተደኣ ቦታ ንህቦ ኰና! እስኪ ንነብስና ክንሓትት ንፈትን፡ ንመንፈስ ቅዱስ እጽውዕዶ! ቢልና እስከ ንሕተት! ኩሉ ሰብ ብብውሽጡ ኣብ ሕልናኡ ይመልስ። ክንደይ ካባና ኮን ንኸውን ናብ መንፈስ ቅዱስ እንጽሊ? ምናልባት ሓደ ካባኹን ‘እዚኣስ ኣይገብራን እየ ኣቦና! እንተኾነ ናብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርይም እጽሊ፡ ናብ ቅዱሳን እጽሊ፡ ናብ ኢየሱስ እጽሊ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ፡ ናብ እግዚአብሔር ኣቦና እጽሊ፡ ናብ ኣቦ እልምን’ ክብለኒ ይኽእል። ኣነ ኸኣ ‘መንፈስ ቅዱስከ? ንልብኻ ዘንቀሳቕስ፡ ንቕድሚት ዘገስግሰካ፡ ምጽንናዕ ዘምጽኣልካ፡ ንወንጌል ንምስባኽን ናብ ተልእኾ ንክትወፍርን ንዘለካ ሃረርታ ንቕድሚት ዘሰጉመልካ መንፈስ ቅዱስከ ኣይትጽልንዶ!’ እብሎ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ገዲፈልኩም ኣለኹ፡ ናብ መንፈስ ቅዱስ እጽልዶ! ንኢየሱስ ክሰብኽ እምበር ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሰይ ከይዓጽዎ ንዝዕድመኒ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ምድረበዳነት ዝህበኒ ምጽንናዕ ቀዳምነት ክምስክር ዝዕድመኒ መንፈስ ቅዱስ ክምራሕ አፍቅድዶ? እታ ነዚ ኣጸቢቓ ዝተረድአት እኖና ቅዱስ ድንግል ማርያም ነዚ ነዚ ኣጸቢቅና ንምርዳእ ትደግፈና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
22 Feb 2023, 14:01
ንኩሉ ኣንብብ >