2023.03.23 Partecipanti all'Assemblea Plenaria della Commissione degli Episcopati dell'Unione Europea (COMECE) 2023.03.23 Partecipanti all'Assemblea Plenaria della Commissione degli Episcopati dell'Unione Europea (COMECE)  (Vatican Media)

ንሰላም ኣህጉር ኤውሮጳ ትንቢትን ፈጠራን የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንኮሚሽን ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ሓፈሻዊ ጉባኤን ሓዲስ ሓላፊ ንምምርጻን ንዝተጋብኡ ወከልቲ ኮሚሽን ረኪበ ጳጳሳት ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ቤትጽሕፈቶም ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ሎሚ ንኣህጉር ኤውሮጳ ሓድነትን ሰላምን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ከምዘድሊ ነዚ ከኣ ንናይ ሎሚ ወለዶ መንፈስ ክርስትና ኣልቢስካ ከምቲ ቀድሞት ኣቦታት በዚ መንፈስ እዚ ዝሓንጸጽዎ መንገዲ ንክመላለሱ ብምዝኽኻር ነዚ ዚስዕብ ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓዶ ሓዲርኩም! እንቋዕ  ብደሓን መጻእኩም!

ንኮሚሽን ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኖም ንዝተመርጹ እንከመስገንን ሠናይ ምንዮተይ እንክገልጽን ነቶም ክሳብ እዚ መረጻ እዚ ነቲ ኮሚሽን ብመሪሕነት ንዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪክ ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሓዮም እብል። ንኹልኹም ልባዊ ሰላምታይ እንከቅርበልኩም ስለቲ ስራሕኩም አመስግነኩምን። ብመንፈስ ሃንደስቲ መደብ ኤውሮጳ ዝቀርቡ ጠለባት መንፈሳዊ ውርሻታት ተወፋይነት ዝሓትት እንተኾነ ኣዝዩ መሳጢ እዩ፣ ዕውት ንክኸውን ከኣ ካብ ዓውደ ምስሕሓብ ቢሮክራሲ ከይትሽከሉ ተጠንቂቅኩም ኣዒንትኹም ኣብ ኣድማስ እቲ ኣብ ኣነቓቓሒ ክብርታት የተኲራ። ስለዚ ከኣ እየ  ሎሚ ኣብ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት፡ ማለት እተን ክልተ ዓበይቲ "ሕልምታት" መስረትቲ አበው ኤውሮጳ ብዝሰማማዕ፡  ሕልሚ ሓድነትን ሕልሚ ሰላምን ብሕጽር ዝበለ ምሳኻትኩም ክዋሳእ ዝፈቶኹ።

ሓድነት፦ ኣብዚ ቀዳማይ ነጥቢ እቲ ኤውሮጳዊ ሓድነት እንብሎ ኩሉ ብኣልማማ ሓደ ዓይነት ክኸውን ከምዘይክእል ምግላጽ ወሳኒ እዩ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ንግላውነትን ፍሉይነትን ናይቶም ነዚ ሕብረት እዚ ዘቊሙ ህዝብታትን ባህልታትን ዘኽብርን ዋጋ ዝህብን ሓድነት ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እቶም መስረትቲ ኣበው እሞ ሕሰቡ! ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተፈላለየ ባህልታትን እዮም ነይሮም። ነቶም ቀንዲ ንምጥቃስ ዚኣክል ደ ጋስፐሪን ስፒነሊን ካብ ሃገረ ጥልያን: ሞኔን ሹማንን ካብ ሃገረ ፈረንሳ: ኣዴናወር ካብ ሃገረ ጀርመን: ስፓክ ካብ ሃገረ ቤልጅየም: ቤክ ካብ ሉክሰምበርግ ነበሩ። ሃብቲ ኤውሮጳኸስ ኣብ ምትእኽኻብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ኣተሓሳስባን ታሪኻዊ ተመኩሮታትን እዩ ዝርከብ። ከምቲ ሓደ ውሒዝ በቶም መገብቱ ዝኾኑ ናኣሽቱ ሩባታት ጨናፍሩ ዝነብሮ እዩ ነገሩ። እዘን መገብቲ ሩባታት ማለት ጨናፍር እንተተዳኺሞም ወይ እንተተዓጽዮም፡ እቲ ውሒዝ ብምሉእ ይጽሎን ሓይሊ ይስእንን።

ኣቓልቦኹም ክተንብሩሉ ዝምሕጸነኩም ቀዳማይ ጉዳይከስ እዚ እዩ። ኤውሮጳ ብሓቂ ሕብረት እንተወኒና መጻኢ ኣለዋ። እቲ ብድሆ ልክዕ እዚ እዩ፡ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት። ሓያል ምትብባዕ እንተሃልዩ ድማ ይከኣል እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ፋሕ ጭንግራሕ ይስዕር፣ ቴክኖክራስያዊ  ማለት መንፈስ ዘይብሉ ኣፍኣዊ ምህደራ ጥራይ ይኸውን። እዚ ግን ንሰባት ስለዘየነቓቓሕን፣ ሓደስቲ ወለዶታት ስለዘይስሕብን፣ ከማኡ እውን ህያዋን ሓይልታት ሕብረተሰብ ኣብ ህንጸት ናይ ሓባር መደባት ስለዘየሳትፍ ፍረ የብሉን።

እስኪ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና፣ ኣብዚ ብድሆ እዚ ተራ ክርስትያናዊ ምትብባዕ እንታይ እዩ? ቢልና ንነብስና ንሓትት። ኣብቲ መበገሲ ምዕራፍ ክርስትና መሰረታዊ ግደ ከምዘበርከተ ዘጠራጥር ኣይኮነን፣ ከመይ ኣብቲ ግዜ እቲ ክርስትና ኣብ ልብን ኣእምሮን ናይቶም ነቲ ዓቢ ዕዮ ገዛ እዚ ዝጀመሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነበረ። ሎሚ ግን ብዙሕ ከም ዝተቐየረ ርግጽ እዩ፡ እንተኾነ ነቲ ለውጢ ዘምጽኡ ከኣ ናይ ዘመንና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ዘይስሓት ሓቂ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ቀዳማይ ዕማም ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ዘለዎ፣ ምልክታት ዘመን ብምንባብ ኣብ ናይ ሎሚ ታሪኽ ነቲ ዓቢ መደብ ኤውሮጳዊ ሓድነት ከመይ ጌሮም ከም ዝትርጉምዎ ዝፈልጡ ሰባት ምፍጣር እዩ።

ሰላም፦ ንሓድነት ስዒቡ ናብታ ካልኣይቲ ትኹረት የድልያ ዝበልክዋ ነጥቢ ንሰግር፡ ንሳ ድማ ሰላም እያ። ኣብ ናይ ሎሚ ታሪኽ ብሃረርታን ሕልምን ስምርቲ ኤውሮጳ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ህያው ተሳትፎ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የድልዩና። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ታሪኻ ዝነውሐ እዋን ሰላም ኣስተማቂራ። ይኹን እምበር ኣብ ዓለም ሓያሎ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ገለ ውግኣት ንዓመታት ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ውግኣት እዚ ተመርኲስና ብዛዕባ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ድርኲዂት ኤውርጳ ስለዝኾነ፡ ንሰላም ኤውሮጳ የንቀጥቅጦ ኣሎ። ጎረባብቲ ሃገራት ስደተኛታት ንምቕባል ዝከኣሎም ገይሮም እዮም፤ ኩሎም ህዝብታት ኤውሮጳ ኣብቲ ምስ ህዝቢ ዩክሬን ናይ ምትሕግጋዝ ተወፋይነት ይሳተፉ ኣለው። እዚ ብደረጃ ግብረ ሰናይ ዝግበር ዘሎ ነንሕድሕዱ ብዝወሃሃድ ግብረ መልሲ ክሰማማዕ ይግባእ። እዚ ግን ቀሊል ወይውን ኣብ ኢድካ ዘሎ ውሁብ ኩነታት ከምዘይኮነ ንጹር እዩ። ሰላም ንምንጋሥ ዝተዋደደ ተወፋይነት የድሊ።

እዚ ብድሆ እዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ፣ ምኽንያቱ ነተን ኣብ ዝተፈላለየ ምሕዝነት፣ ረብሓታት፣ ስትራተጂ፣ ተጸሚደን ዘለዋ ሓይልታት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሓደ መደብ ክትጥርንፎ ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ መትከል ብዅሉ ብንጹርን ቆራጽነትን ክባጻሕ ይግባእ።  ከምቲ ኣብ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ቊ.258 ተመልኪቱ ዘሎ ‘ኲናት ከም መፍትሒ ግርጭታት ክውሰድ ፈጺምካ ኣይክእልን እዩ።  ድሕሪ ደጊምሲ ኣይግባእን እውን’። ሎሚ ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ስነ-ምግባራዊ-ፖለቲካዊ መትከል እንተዘይተኻፊለን ካብቲ መበቆላዊ ሕልሚ ርሒቐን ኣለዋ ማለት እዩ። ብኣንጻሩ እንተተኻፊሎምዎ ግን፡ እቲ ታሪኻዊ ኩነታት ዘቅርቦ ዝተሓላለኸ ኩነታት ንምፍታሕን ንጠለባት ፍታሕ ንምርካብን ብዘለዎም ኩሉ ሓይልን ጻዕርን ንምትግባሩ ቃል ኪኣትዉ ኣለዎም። ምኽንያቱ ከኣ "ኲናት ውድቀት ፖለቲካን ሰብኣውነትን እዩ" (ፍራተሊ ቱቲ፡ 261)።

ከምኡ’ውን ኣብዚ ብድሆ ሰላም፡ ኮሚሽን ረኪበ ጳጳሳት ኤውሮጳ ዋጋኡን ሞያዊ ኣበርክቶኡን ክህብ ይኽእል እዩ፣ ክህብ ከኣ ኣለዎ። ብባህሪ ተልእኮኹም ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳን ትካላት ሕብረትን መራኸቢ "ድልድል"ን ሃነጽቲ ዝምድናታትን ርክባትን ዘተን ኢኹም። እዚ ማለት ድማ ድሮ ንሰላም ክትሰርሑ ጀሚርኩም ማለት እዩ። እንተኾነ እዚ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ጉዳይ ሰላም ከምዝስጉም ንምግባር ትንቢት ይሓትት፣ ኣርሒቕካ ምርኣይ ይሓትት፣ ፈጠራ ይሓትት። ኣብዚ ህንጸት ሰላም እዚ ዋናታት ሃንደስት ኣርኪተክተራትን ዝሰርሑ ኢደ ጥበባውያንን የድልዩ። እቲ ሓቀኛ ገባሪ ሰላም ግን ዋና ሃንዳሲ ኣርኪተክተርን ዝሰርሕ ኢደ ጥበበኛን ክኸውን ኣለዎ ምበልኩ። ነዚ ውህበት እዚ ንነፍሲ ወከፍኩም ምስቲ ምስ ካልኦት ኣብቲ ናይ ሓባር ስራሕ ዝወዳደር ናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ውህበት ወይውን ካሪዝም ከም ዘለዎ ኣጸቢቐ እናፈለጥኩ ነዚ እውን እምነየልኩም።

ዝኸበርኩም፡ ደጊመ ምስጋናይ እናገለጽኩ ምእንታኹምን ምእንቲ ኣገልግሎትኩምን ከም ዝጽሊ ​​አረጋግጸልኩም። ሎሚ ነዘን ክልተ ትኲረት ዝገብናለን ነጥብታት ንክነስተንትን ዝሓሰብኩሉ ቀንዲ ምኽንያት ብህጹጽ ዘድልያና ስለዝኾና እኳ እንተኾነ ከም ወትሩ ቅድመ ግንባር ኰንኩም ናይ ቤተ ክርስቲያን ስራሕኩም ክትቅጽሉ እላቦ። እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሓሉኹምን ትርዳእኩምን። ንኹልኹም ብልቢ እባርኽኩም ኣለኹ፡ በጃኹም  እንክብል ከኣ ስለይ ክትጽልዩ  እልምነኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 March 2023, 14:02